ሞያ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን፡

Focus on Chinese Dictionary - 梦 Meng (Dream): Australia Explained – Translating and interpreting

Translating and interpreting use completely different skill sets. Source: Moment RF / Adrienne Bresnahan/Getty Images

ነቲ ዘለካ ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ክእለትኩም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክትጥቀምሉ ሓሲብኩምሉ'ዶ ትፈልጡ ? እቲ ናይ ምትርጓምን ምስትርጓምን ስራሕ ንዓኻትኩም ክኸውን ይኽእል እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ መረጋገጺ ምስክር ምርካብኩም ካብ ናይ TAFE ክሳብ ማስተርስ ዲግሪ ንምርካብ መንገዲ ኣሎ ። ኣብዚ ትሕዝቶ ፡ ብቑዕ ክኢላ ብዓል ሞያ ንምዃን እትኽእለሉ መገዲ ኽንርእይ ኢና ።


ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደስቲን ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝመጹ ተዛረብቲ ካልእ ቛንቛታት ናይ ተርጎምቲ ሕጽረት የጋጥሞም ኣሎ ፡ ብፍላይ ጽላት ጥዕና ድማ ክኢላታት ተርጎምቲ ይደልዩ ። እዚ ንAUSLAN (ናይ ኣውስትራሊያ ምልክት ቛንቛ) ከምኡ "ውን ንናይ ደቀባት ኣውስትራሊያ ቛንቛታት ዘካተተ እዩ ።

ብእንግሊዝኛን በቲ ዝጥለብ ዘሎ ቋንቋን ክኢላ እንተ ደኣ ዄንኻ ፡ ናይ ትርጉምን ምስተርጓምን (T & I) መረጋገጺ ኽትረክቡ ሓሲብኩም ትኾኑ ኢኹም ። ቅድሚ ነቲ ስራሕ ምጅማር ግን ክትወስዶም ዝግበኣካ ስጕምትታት ኣለዉ ።

ምትርጓምን ምስቱርጓምን ዝተፈላለየ ሞያ እዩ ። ምትርጓም ንዘረባ ብኡ ንብኡ ናብ ካልእ ቋንቋ ምቕራብ እዩ። ምስትርጓም ክበሃል ከሎ ፡ ኣብ ጽሑፍ ኣብ ዝርከብ ትሕዝቶ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም እዩ ።

ናይ ቛንቋ መምህርን ተርጓምን ኣስተርጓምን ዝኾነ ቲ (Tee) ፡ "ክልቲኦም ብ ላዕሊ ላዕሊ ዝመሳሰሉ ክመስሉ ይኽእሉ እዮም" ።

ኣብቲ ሞያ ዘየለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ቃላት ካብ ሓደ ቛንቋ ናብ ካልእ ተሰግር ዘለኻ እዩ ዝመስሎም ። እንታይ እዩ ጌጋ ክኸውን ዝኽእል ? "እንተዀነ ግና ፡ እተፈላለየ ዓይነት ስልቲ ዝሓቱ ምሉእ ብምሉእ እተፈላለዩ እዮም ።
Tee, T&I Practitioner

ንሳ ምስትርጓም ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር እንታይ ከም እትፈልጥ ንኸተስተንትን ፡ ካብ እተፈላለየ ዓለም ዝመጹ ሰማዕቲ ካብቲ ጽሑፍ ሕደ ትርጉም ምእንቲ ክረክቡ ፡ ሓሳባትካ ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ክትገልጽ ከም እትኽእል ድማ ምስራሕ ምዃኑ ትኣምን ። ብኣንጻሩ ግን ፡ ምትርጓም ፡ ንኽትርጐም ዘኽእል ብቕጽበት ዝግበርን ህጹጽን እዩ ።

"ኣብ ቅልጡፍ ክእለት ኢኻ እትውከል ፡ ምርምርካን ምድላውካን ከኣ ክሳዕ ክንደይ ኣድካሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ "በለት ።

Daim slide ua presentation: Qhia txog teb chaws Australia cov kev txhais lus thiab txhais ntawv.
Certified AUSLAN interpreters and translators are in demand. Credit: SolStock/Getty Images

እቲ ናብቲ ሞያ ዝወስድ መገዲ ስሩዕ ትምህርቲ ብምምሃር እዩ ዝጅምር ። ኣብዚ ካኣ ካብ ናይ TAFE መረጋገጺ ምስክር ክሳብ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ማዕርግ ዘለዎም ኣማራጺታት ኣለዉኻ ።

እዚ ሓሳብ እዚ ፡ እተመስከረሉ ተርጓሚ ወይ ኣስተርጓሚ ዄንኻ ንኽትዓዪ ፡ ክእለትካ ንምህናጽን ኣብቲ ኣብ NAATI ዝግበር ፈተና ንምድላውን እዩ ። NAATI ሃገራዊ በዓል ስልጣን ምትርጓምን ምስትርጓምን (the National Accreditation Authority for Translators and Interpreters), እዩ: ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ድማ ነቲ ሞያ ስርዓታት ዝሰርዕን ዝሕሉን እዩ ።

ቴ ከምትብሎ፡ ኣብ ብዙሓት ትካላት ኣብዚ ስራሕ ቅድሚ ምምዝጋብካ ፡ ናይ NAATI ፍቓድ ክትረክብ ኣለካ ማለት እዩ ።

ስለዚ ፡ እዚ ነዊሕ መስርሕ እዚ ፡ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ኽሳዕ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ፡ ኣብ ናይ ምድላው ግዜ ኽወስድ ይኽእል እዩ "በለት ።

ናብ ወግዓዊ ናይ ምትርጓምን ምስትርጓምን (T & I) መስርሕ ንኽትኣቱ ብእንግሊዝኛን ብኻልእ ቛንቛን ብቑዕ ምዃንካ ከተርኢ ኣለካ ።

ብተመሳሳሊ: NAATI ብዛዕባ ናይ ቋንቋኻ ክእለት መርትዖ ይሓተካ እዩ ።

ማሪና ሞርጋን ኣብ TAFE SA ላዕለወይቲ መምህር ኮይና ኣብቲ ኮሌጅ NAATI ዝቕበሎ ኮርሳት የምህር ። NAATI ብኽእለት እንግሊዝኛ 6 ደረጃ ናይ IELTS ፈተና ይሓትት ኣላ ።

"ሰባት ከኣ ኣብ እዋናዊ ጕዳያት ዝዘራረቡ ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ዝዛረበሉ ዝፈልጦ ብዝሒ ቃላትን ስነ ቓላትን ክፈልጥዎ ኣለዎም ።"

Cov kev totaub zoo txog tej xwm txheej tshwm sim tam sim no yuav pab kom muaj peev xwm sib tham txog tej no.
Interpreting is immediate and reactive. Source: Moment RF / Witthaya Prasongsin/Getty Images

ምስ ሸቶታትካ ዝሰማማዑ NAATI ዝቕበሎም፡ ንዩኒቨርሲቲ ከምኡ "ውን ንTAFE ሰርቲፊኬት፡ ዲፕሎማ ፡ ከምኡ" ውን ምስክር ወረቐትን ዘጠቓለለ ፡ ዝውሃብ ብዙሕ ኮርሳት ኣሎ ።

ሚስ ሞርጋን እቲ ዝተሓተ ብቕዓት ፡ መባእታ ናይ ምትርጓም ‘skill set’ ዝበሃል እዩ ። እዚ ከኣ ን12 ሰሙን ዝወሃብ ትምህርቲ ኮይኑ ፣ እዚ ድማ ንፈተና NAATI ንምድላው ዝዓለመ እዩ ።

እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ብዙሓት ናይ ኣውስትራሊያ ኮሌጃት ዝወሃብ ፤ ሞያዊ ስነ-ምግባር (professional ethics)፤ ኣገባባትን መጽናዕትን ዘካተተ እዩ ።

"እቲ 'The ‘skill set’ ነቶም ብቋንቋታቶም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዘለዉ ፡ ናይ ምትርጓምን ናይ ምዝርራብን ጽቡቕ ዓቕሚ ዘለዎም ፡ንፈተና NAATI ቅሩባት እዮም "በለት ። "እቲ ሞያ ንዓታቶም ዝኸውን እንተ ኰይኑ ንምርኣይ ፡ ነቲ ''The ‘skill set’ ኺመሃርዎ ዝደልዩ ሰባት እውን ኣለዉ ። "

ዕምቈት ዘለዎ ትምህርቲ ንምውሳድ ፡ ናይ ምትርጓም ዲፕሎማ ፡ ናይ ሓደ ዓመት ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ትምህርቲ ምውሳድ ዝከኣል እዩ ። ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ኢንስቲቱትን ዩኒቨርሲታትን ፡ ነቲ ዲፕሎማ ፡ እንተላይ ነቲ TAFE SA ብ ኦንላይን ዝወሃብ ትምህርቲ ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ናይ ‘skill set’ ኮርስ ኣብ ፍሉይ ቋንቋ ዘተኩር ዘይምዃኑ ኸነስተብህለሉ ይግባእ ። ካልእ ቛንቛታት ምስ ዝዛረቡ ሰባት ኣብ ክፍሊ ትሳተፍ በዚ ድማ ብእንግሊዝኛ ትምህርቲ ይወሃብን ገምጋም ይግበር ።

እቲ ዲፕሎማ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቛንቛ ዝምርኮስ ትምህርቲ እዩ ፤ ስለዚ ተማሃሮ NAATI- ብዝተመስከረሉ ኣስተርጓማይ ብቋንቋኦም ይመሃሩ ።

ብድሕርዚ NAATI ፡ ፈተና ብምሃብ ንብቕዓት ሞራላውን ባህላውን መለክዒታት (ethical and intercultural ) ከም እተማልእ የረጋግጸልካ ።

ነፍሲወከፍ ሰብ ደረጃ ትምህርቱ ብዘየገድስ ናይ NAATI ምርመራ ክፍተን ይግደድ ።

NAATI ብ70 ቛንቋታት ኣቢሉ መርመራታት ከምዝህብ ፖላ ኣፐሪክዮ ትገልጽ ። ንሳ ናይ NAATI መራሒት ጉጅለ ናይ ምስክር ምርመራ እያ ፡ ዝተመስከረላ በዓልቲ ሞያ ድማ እያ ።

"መርመራ ንዘይወሃበሎም ቛንቋታት ፡ Recognised Practising Credential ተባሂሉ ዝፍለጥ ፈተና ኣሎና ። እዚ ፍቓድ እዚ ስሩዕ መርመራ ክገብር ኣይክእልን እዩ ፣ ይኹን እምበር ፡ እቲ ሰብ ስልጠናን ተመክሮን ከም ዘለዎን ንገለ ካብቶም ብቑዓታት ከም ዘማልአን ዘረጋግጽ እዩ "።

ኣብ መባእታ ደረጃ ፡ እተመስከረሉ Certified Provisional Interpreter. ክትከውን ትኽእል ኢኻ ። ድሕሪኡ በዚ ኣቢልካ ናብ ልዑል ደረጃ በዓል ሞያ የብጽሕ ፡ ንኣብነት ኣብ ከም ኮንፈረንሳት ወይ ኣብ ናይ ጥዕና ወይ ናይ ሕጊ ጽላታት ክትሰርሕ ብቑዕ ትኸውን ፡ ።

Ib tug poj niam neeg mob tham lus piav tes nrog ib tug neeg ua hauj lwm kho mob ntawm ib lub tsev kho mob: Australia Explained - Txhais ntawv thiab txhais lus
You can qualify to work in the health sector. Credit: Maskot/Getty Images

እቲ ፈተና ናይ ሓቂ ስራሕ ኰይኑ ንኺስምዓካ ተባሒሉ ከም እተሃንደሰ ሚስ ኣፐርሪክዮ ትገልጽ ።

"ንኣስተርጓምቲ ፡ ክትጽበዮ እትኽእል ዝርርብ ፡ ኽትርጕሞ ዘሎካ ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ተዛረብቲ ክኸውን ይኽእል። ወይ ሓደ ሰነድ ክትርጐም ከሎኻ እትርእዮ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ቀልጢፍካ ነቲ ሰነድ ብምዕዛብ እቲ ሰነድ ብኻልእ ቋንቋ እንታይ ከም ዝብል ክትዛረብን ኣለካ ። "

እቶም መርመራታት ልዑል መለክዒ ዘለዎም እዮም ፡ ምሕላፍ ማለት ድማ ሃገራዊ ተቐባልነት ዘለዎ በዓልሞያ ከም ዘሎካ የርኢ ።

ዝተፈላለየ ክእለት ስለ ዝሓቱ ድማ ንምትርጓምን ንምስትርጓምን ዝተፈላለየ መርመራታት እዩ ዝወሃብ።

እቲ ናይ ትርጕም ፈተና ኣንፈት ብንጹር ዘርኢ ምዃኑ ሚስ ኣፐሪክዮ ትገልጽ ።

ካብ እንግሊዝኛ ናብ ቋንቋኻ ክትርጐም እንተደሊኻ ሓደ ፈተና ክትፍተን ኣለካ ፣ ብናተይ ወገን ስፓኛ ። ብኻልእ መገዲ ኽትዓይይ እንተ ደሊኻ ፡ ካብ ስጳንኛ ናብ እንግሊዝኛ ምእንቲ ክትትርጉም ፡ ካልእ መርመራ ክትገብር ኣሎካ ።
Paula Aparicio, NAATI

ናይ ናቲ/NAATI ምስክር ወረቐትኩም ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ክሕደስ ኣለዎ ።

እዚ ማለት እቶም ሰብ ሞያ ትርጉም ኣብዚ እዋን ነቲ ስራሕ ይሰርሕዎ ከምዘለዉን ሞያዊ ዕብየት ይገብሩ ምህላዎምን ንNAATI ከመስክሩ ።

"እዚ ከኣ እዩ ነቲ ማሕበረሰብ ናይ NATI ምስክር ወረቐት ሒዞም ዘለዉ ተርጐምትን ኣስተርጐምትን ክኢላታት: ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት: ከምኡውን ኣብቲ ሞያ ብንጥፈት ይሰርሑ ምህላዎም ምትእምማን ዘሕድረሎም ። ስለዚ ፡ ነቲ ማሕበረሰብ እንህቦ ውሕስነት ዝዀነና እዩ "በለት ።

ተወሳኺ ሓበሬታ፡

ናይ NAATI website ብዛዓባ ብኸመይ ናብቲ ሞያ ትበቅዕ ዝወስድ መገዲ፡ ክማላእ ዘለዎ ረቛሒታትን ምፍታንን ሓበሬታ ኣለዎ።

ኣስተርጓምቲ ብሓፈሻ ብናይ ወኪል ትካላት ኣቢሎም ናይ ኮንትራት ስራሕ ይሰርሑ እዮም ፡ ስለዚ ብዛዕባ ነዚ ሞያ ንምሓዝ ክትሓስብ ከለኻ ኣየናይ ቋንቋ እዩ ዝያዳ ጠለብ ዘለዎ ኢልካ ምሕታቶም ሓጋዚ እዩ ።

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now