Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ምድላዋታ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ተሳልጥ

Australia's head coach Tony Popovic (AAP)

Australia's head coach Tony Popovic Source: AAP / AP

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች ከም ዝገልጾ እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ ብዙሕ ነገር ኣሎ።


Listen to Australian and world news and follow trending topics with SBS News Podcasts.

ቅዳሕ (TRANSCRIPT)

እቲ ወሳኒ ግዜ ንሶከሩስ ቀሪቡ’ሎ - ንኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች ድማ ገለ ከበድቲ ውሳነታት ዝወስደሉ እዋን ድማ ግዚኡ ኣኺሉ’ሎ።

ካብ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ትስፉዋት፣ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ወርሒ፣ ኣብ’ታ ጋንታ ዋንጫ ዓለም ኣውስትራልያ ዝካተቱ 26 ተጻወቲ ጥራይ ክመርጽ ክህልዎ’ዩ።

ፖፖቪች ኣብ ርእሱ ዝበዝሑ ኣባላት ናይ’ታ ጋንታ መሪጽዎም ከምዘሎ ተኣሚኑ፣ ኣብ’ቶም ሻቕሎታት መጉዳእቲ ዘለዎም ገለ ተጻወቲ ግን ገና ክጽበ ክህልዎ’ዩ።

"ብሰንኪ’ቶም ብመንጽር ኣካላዊ ብቕዓቶም ኣብ ምንታይ ደረጃ ይህልዉ ርግጸኛ ዘይኮንናሎም ተጻወቲ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ድማ ኣብ ከመይ ይህልዉ. . . ምናልባት 70 ድዮም ወይስ 80% እዩ ኢለ ይሓስብ።”

በዚ መዳይ ክምልከቶም ዝኾነ ተጻወቲ ከም በዓል’ቲ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ መጉዳእቲ ዝምለስ ዘሎን ኣብ’ቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም ሰራሕ ቅያ ዝነበረን ሃሪ ሱታር ከምኡ’ውን ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ንጋንትኡ እናተጻወተ ዓንካርካሪቱ ዝተጎድአን ወትሩ ተሰላፊ ኣብ ማእከል ምክፍፋል ዝኾነን አይደን ኦ’ኒይል ይርከብዎም።

ፖፖቪች ኣብ’ዚ ሰሙን ናብ’ቲ ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ትርከብ ሳራሶታ ንምልምማድ ዝዕስክርሉ ክኸይድ’ዩ።

ምስኡ ሸሞንተ ትስፉዋት ተሰለፍቲ ዋንጫ ዓለም ዝኾኑን ንቡር ወቕቶም ምስ ጋንታታቶም ዝዛዝዘሙን ሒዝዎም ክኸይድ’ዩ።

ሱታር፣ ማት ለኪ፣ ሚች ድዩክ፣ ሀይደን ማቲውስ፣ ኣንቶኒ ካሰረስ፣ ብራንደን ቦሬሎን፣ ኒክ ድ’ኦጎስቲኖን ኒሻን ቨሉፒላይን’ዮም።

ፖፖቪች ትስፉዋት ንዋንጫ ዓለም፣ ካብ ኣብ ሓደ ቦታ ንላዕሊ ክጻወቱ ምስ ዝኽእሉ፣ ነቲ ናብ’ቶም 26 ተመረጽቲ ክኣትዉ ዘለዎም ዕድል ክውስኽ’ዩ ይብል።

ንመንእሰይ ኣጥቃዓይ ኔስትሮይ ኢራንኩንዳ ድማ ከም ሓደ ጽቡቕ ኣብነት ይጠቕሶ።

“ንሕና ፍሉጥ’ዩ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቦታ ክንደይ ክህልውና ንደሊ ደሓን ዝኾነ ሓሳብ ኣለና። እቲ ምትዕጽጻፍ ይሕግዝ’ዩ። ኩሉ ግዜ ከምኡ ኔሩና’ዩ። ኣብ ኩሎም ቦታታት። ብዛዕባ ነስተር ንኣብነት ንዛረብ። ኣብ’ቲ ኣብ መላእ’ቲ መስመር መጥቃዕቲ ኣብ ኩሉ ቦታታት ክጻወት ይኽእል’ዩ። ብዘይምልምማድ’ውን ኣብ መጋቢት ከም በይኑ ኣጥቃዓይ ኮይኑ ንዓና ተሰሊፉልና’ዩ፣ ኣድማዒ’ውን ኔሩ። ዝያዳ ከምኡ ዓይነት ተጻወቲ ምስ ዝህልዉና ዝሓሸ ይኸውን።”

ሶከሩስ ከም’ቶም ናይ ቀደም ሃገራዊያን ጋንታታት ኣውስትራልያ ከዋኽብቲ የብላን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መስመር መጥቃዕቲ።

እንተኾነ ግን ፖፖቪች ንመስመር ምጥቃዕ ኣውስትራልያ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክመርሕ ብዛዕባ ዝኽእል መንእሰይ ኣጥቃዓይ ሞ ቱረ ሕጉስ’ዩ።

እዚ ወዲ 22 ዓመት፣ ህይወት ከም ሓደ ላይበርያዊ ስደተኛ ኣብ ጊኒ ጀሚሩ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ምስ ኮነ ናብ ኣደላይድ ዝመጸ፣ ንሓዳስ ጋንትኡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ግጥማት ወይ ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነት ኖርዊች ሲቲ፣ ኣብ ማእከል’ቲ ወቕቲ ካብ ዝሰጋገር ንደሓር፣ ኣብ ልዑል ብቕዓት ይርከብ።

“እወ ዘሐጉስ’ዩ. . . ርዱእ’ዩ፣ ነቲ ሊግ ብጣዕሚ ይፈልጦ’የ፣ ብዙሓት ንሱ ዝነበሮም ግጥማት ተዓዚበ’የ፣ ምሉእ ርእሰምትእምማን ዘለዎ ይመስል። ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ዓመት ጋንትኡ ብጣዕሚ ጽቡቕ ተጻዊታ። ስለ’ዚ ንኡድ ስራሕ ሰሪሖም ኣለዉ፣ ኣብኡ ቀልጢፉ ክለምድን ክቐስንን ሓጊዝዎ’ሎ፣ ቀልጢፉ’ዩ ሽቶታት ከመዝግብ። ስለ’ዚ ምሉእ ርእሰምትእምማን ኣለዎ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ክርእዮ ተሃንጥየ’የ ዘለኹ።”

ፖፖቪች ናብ ሃገራዊት ጋንትኦም ሶከሩስ መዓስከር ቅድመ ምድላዋት ኣቐዲሞም ዝመጹ ኣብ ኣካላዊ ብቕዓት ዓቢይ ኣትኩሮ ክህሉ ክጽበዩ ኣለዎም ይብል።

“እወ መስርሕን መደብን ኣሎ። ነቶም ተጻወቲ ሱቕ ኢልና ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣምጺእና ድሉዋት’ዮም ክንብል ኣይኮንናን። ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዉ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘለና’ዩ፣ ምስ’ቲ ውሱን ዝኾነ ተጻዊቶሞ ዘለዉ መጠን ኩዕሶ እግሪ። እንተኾነ ግን ቀዲሞም ብምምጻእ፣ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰሙናት ክንህቦም ንኽእል፣ ናብ’ቶም ከም ውልቀተጻወትቲ ኣብ ዝበለጸ ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ኣካላዊ ብቕዓት ከነብጽሖም ንኽእል።”

ኣብ’ቲ ተዘካሪ ዝኾነ ጉዕዞ ኣውስትራልያ ናብ ዋንጫ ዓለም 2006 ተጻዊቱ ዝነበረ ፖፖቪች፣ ነታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ካልእ ተዘካሪ ጉዕዞ ኣብ ቐጠር ዝተሳተፈት ካልእ ጋንታ’ዩ ተረኪቡዋ ዘሎ።

ዓወታት ኣብ ልዕሊ ዴንማርክን ቱኒዝያን ንኣውስትራልያ ሽዕኡ ኣብ ታሪኻ ንኻልኣይ ግዚኣ ካብ ምድባ ክትሓልፍ ኣኽኢሎማ፣ ናብ ዙርያ 16 ሓሊፋ ኣንጻር’ታ ኣብ መወዳእትኡ ሻምፒዮን ዓለም ዝኾነት ኣርጀንቲና ገጢማ ብጸቢብ ፍልልይ ጥራይ ተሳዒራ።

እዚ ድማ ርዱእ’ዩ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ’ኸ እቲ ቅቡል ዝኾነ ብቕዓትን ውጽኢትን እንታይ’ዩ ክኸውን ዝብል ሕቶ ክለዓል ዝገብር’ዩ።

ምስፋሕ ናይ’ቲ ውራይ ናብ 48 ጋንታታት ዝያዳ ምሕረት ዝህብ ወይ ዝፎኸሰ ፎርማት ይህብ፣ ኣብ ክንዲ 16 ጋንታታት 32 ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ይሰግራ ስለዝኾና።

እቲ ዕጫ ምድባት’ውን ብተዛማዲ ሕያዋይ ኔሩ።

ናይ ሓባር ኣአንጋዲት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ቱርኪየን ፓራጓይን ብቐሊሉ ትሓልፈን እንተዘይኮና’ኳ ኣብ ምድብ ዲ ዝርከባ እዘን መጋጥምቲ ኣውስትራልያ በቲ ሓደ ወገን ብኩዕሶ እግሪ ልዕለ ሓያላን ዝቑጸራ ኣይኮናን።

ፖፖቪች ንተጻወቱ ኣብ ዝለዓለ ክበጽሑ ህንጡይነት ኣለዎ፣ እቶም ናይ መወዳእታ ሽቶታቱ እንታይ ምዃኖም ግን ብግልጺ ኣብ ቃልዕ ከየውጽኦም ይጥንቀቕ’ዩ ዘሎ።

እቲ ቅቡል ዝኾነ ውጽኢት እንታይ’ዩ ክኸውን ዘለዎ ብኸም’ዚ የቐምጦ።

“ኣብ ኩሎም ግጥማት ኣዚና ተወዳደርቲ ከምዝኾንና ንምርኣይ ይመስለኒ። እወ በጺሕናዮ ኢና፣ ብምባል መሕለፊ ነጥቢ ከም’ዚ’ዩ ኢለ ከቐምጥ ኣይደልን’የ። ካብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣትሒዘ ኢለ’የ፣ ንምንታይ እዞም ጉጅለ ተጻወትና ሓደ ፍሉይ ነገር ክገብሩ ዘይክእሉ? ብከም’ዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢና ናብ’ቲ ውራይ ክንከይድ። ንሕና ክንከውን ንኽእል ዶ ገለ ፍሉይ ነገር ንገብርን ቅድሚ ሕጂ ኣውስትራልያ ካብ ዝበጽሓቶ ንላዕሊ ንኸይድን፧”

ቀንዲ ፍልልይ ብዛዕባ ግራሃም ኣርኖልድ ዘሰልጥና ዝነበረ ጋንታ 2022 ንሱ ዘሰልጥኖም ናይ 2026ን እንታይ'ዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ. . . ፖፖቪች ኣብ'ቶም ዘመሳስልዎም ከተኩር መሪጹ. . . ብፍላይ ኣብ ደገፍን ግብረመልስን ህዝቢ ክምጻእ'ንከሎ።

“ኣነ ኣብ ዝሓላፈ ዋንጫ ዓለም ዝረኣናዮ ሓደ ዓይነት ስምዒትን ደገፍን ክርኢ ይደሊ። ንኣርጀንቲና ክሳብ መወዳእታ ኢና ደፊእናያ፡ ኣብ'ቲ ግጥም ክሳብ ክንደይ ሓደ ኣዝዩ ኣደናቒ ነገር ብሓቂ ክንፍጽም ቀሪብና ኔርና ከነነኣእሶ ኣይንኽእልን ኢና። ብምሉኡ'ዚ ሃገር ድማ ኣብ ጎድኒ ኣውስትራልያ'ዩ ኔሩ። ኩሉ ካብ ኣውስትራልያ ወጻኢ ዝነብር ዝነበረ ኣውስትራልያ ምስኦም ኔሩ፡ ኣብ ኩሎም ዓይነታት እዋናትን ሰዓታትን ክዕዘቡ እናተስኡ። ንዕኡ ኢና ደጊምና ንደልዮ። እቲ ደገፍ ንደልዮ። ዝነኣድ ጉጅለ ተጻወቲ'ዩ ዘለና።”

ዋንጫ ዓለም ግን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሜዳ ግጥም ዝካየድ ጥራይ ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ'ዚ እዋን ደሚቑ ዝረአ'ዩ፡ ብዙሓት ዝዓይነቶም ኣብ ዙርያ ህይወት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ዝኾሉ/ዝዞሩ ዘለዉ ዘካትዑ ነገራት ምስ ምህላዎም።

ፖፖቪች ብዛዕባ ፖለቲዊ ሃዋህው ኣብ ዩኦአስ ኣይሻቐልን'የ ይንብል፡ ነቶም ብኮኾብ ኣከፋፋሊ ጃክሰን አርቫይን ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተዋህቡ ርእይቶታት ዕሽሽ ኢሉ ሓሊፍዎም።

ፖፖቪች ኣብ'ቲ ሰነ 20 ኣብ ሲያትል ዝካየድ ግጥም ኣውስትራልያ ኣንጻር ዩናይትድ ስቴትስ ምህላው ሚስተር ትረምፕ ብሓጎስ ይቕበሎ ኢሉ።

ኣብ ሓደ ዝያዳ ምስ ኩዕሶ እግሪ ዝተኣሳሰር በረራታት፡ ልዑል ዋጋታት ቲኬትን ካልኦት ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ወጻኢታትን ነቶም ነቲ ውራይ ኢሎም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክጓዓዙ ዝደልዩ ደገፍቲ ብዙሓት ነቐፌታታት ተፈንዮም'ዮም።

ፖፖቪች ምስ ደገፍቲ ይደናገጽ'የ ይብል።

“እወ፡ ንሱ እንተኾይኑ ክኸዱ ዘይክእልሉ ምኽንያት. . . ንደገፍቲ ከቢድ'ዩ። ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ ነቲ ጸወታ ወይ ስፖርት እናደገፉ የሕልፉ'ዮም፡. . . ናይ በረራታትን ቲኬታትን ዋጋታት ብሓባር ናብ'ቲ ድምራት እንተእቲኻዮን፡ ምስኡ'ውን ናይ ሆቴላት፡ ቀሊል ኣይኮነን። ርዱእ'ዩ ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ ግን እቶም ብሰንኪ'ዞም ፋይናንሳዊ ምኽንያታት ክሰልጦም ዘይከኣለ፡ ኣብብቴሌቪዥን ነቶም ግጥማት ዝዕዘብሎም ምቹኣት ቦታታት፡ ጥዑም መስተ ዝሰትይሉን ንኣውስትራልያ ዝዕዘብሉን ክረኽቡ ተስፋ ይገብር። ኣብ ምዝዛም ናይ'ቲ ግጥም ድማ ንዓና ክንጻወት ርእዮም ሕቡናት ኣውስትራልያውያን ዝኾንሉ ክኸውን ይትስፎ።”

ክሳብ 11 ግንቦት ኣብ ዘሎ እዋን ፖፖቪች ግዝያዊ ዝርዝር ናይ ክሳብ 55 ተጻወቲ ብስቱር ናብ ፊፋ ከረክብ ኣለዎ።

ክሳብ ባሕቲ ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ እዚ ናብ 26 ክጻረ ኣለዎ።

እዞም 26 ተጻወትቲ መደበሮም ኣብ ሳንፍራንሲስኮ በይ ኤርያ ክኸውን'ዩ፡ ኣብ መላእ'ቲ ውራይ ድማ ኣውስትራልያ ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ ኦክላንድ ልምምዳ ከተካይድ'ያ።

ኣውስትራልያ ቅድሚ'ቲ ውራይ ምጅማሩ ክልተ መዳለዊ ግጥማት ከተካይድ'ያ፡ ኣንጻር ሜክሲኮ ግንቦ 31 ኣብ ከተማ ሎስኣንጀሊስን ኣንጻር ስዊዘርላንድ ድማ ሰነ 7 ኣብ ሳን ዶየጎን።

ኣውስትራልያ ጉዕዞኣ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሰነ 14 ኣብ ቫንኩቨር፡ ካናዳ፡ ኣንጻር ቱርኪየ ክትጅምር'ያ።

ድሕሪኡ ሰነ 20 ኣንጻር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሲያትል ኣካይዳ ምድባዊ ግጥማታ ሰነ 26 ኣንጻር ፓራጓይ ኣብ ሳንታ ክላራ ብምክያድ ክትዛዝሞ'ያ።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ጉጅለ ክልተ ዝለዓላ ጋንታታትን ሸሞንተ ዝበለጻ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ዝወደኣን ናብ'ቲ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝካየደሉ ግጥማት ክሓልፋ'የን።

ኩሎም 104 ግጥማት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ብቐጥታን ብምሉእን ኣብ ኤስቢኤስ ክመሓላለፉ'ዮም።


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now