ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ባርኖስ ናብ ኤርትራ ገጹ ከይሳግም ተሰጊኡ ከምዘሎ ተገሊጹ። እዚ ባልዕ፡ ኣብ ምብራቕ፡ ማእከላይ፡ ምዕራብን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ 20 ሃገራት ብምጥቃዕ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ብቕንዱ ድማ ኣብ ዕፉን ከቢድ ሃስያ የውርድ ከምዘሎ ዉድብ ምግቢን ሕርሻን (FAO) ሓቢሩ።
Share
Published
By SBS Tigrinya
Source: SBS
Share this with family and friends