ኣርእስታት ጸብጻብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዶባዊ ውጥጠን ብልዝብ ክፈትሓ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ክተሓባበራ ተሰማሚዐን ተባሂሉ። ግብጺ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ጥርዓን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ብኢትዮጵያ ተነጺጉ። ባንክታት ኢትዮጵያ ውልቀ ሰብ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ኣብ ወርሒ ልዕሊ 1 ሚልዮን ብር፣ ንትካላት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 300 ሽሕ ብር ኣብ ወርሒ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ብር ከይህባ ተኸልኪለን። ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክሳብ ረቡዕ 389 በጺሑ። እቶም 19 ካብ ትግራይ እዮም ተባሂሉ።
Share






