Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

SBS Examines: ሓደስቲ ሕግታት ኣውስትራልያ ዘረባ ጽልኢ ኣብ ምክልኻልን መልሲ ኣብ ምሃብን ከመይ ይሕግዙ፧

Two mouths arguing with speech bubbles and graphic symbols in between them

UN Secretary General Antonio Guterres said, “the world has seen hate speech as a precursor to atrocity crimes.” Source: Getty / Richard Drury

ብመሰረት ሓበሬታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ዘረባ ጽልኢ ኣብ ምምካት ይጽገማ ኣለዋ።


Published

By Olivia Di Iorio

Presented by Olivia Di Iorio, SBS Tigrinya

Source: SBS



Share this with family and friends


ብመሰረት ሓበሬታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ዘረባ ጽልኢ ኣብ ምምካት ይጽገማ ኣለዋ።


ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ፈደራል ባይቶ፡ ኣብ'ቲ ገበናዊ ዓንቀጽ ሕጊ 1995 (Criminal Code Act of 1995) ንዘለዉ ድንጋገታት ገበናት ጽልኢ ለውጥታት ብምግባር፡ እማመ ምምሕያሽ ገበናዊ ሕጊ (Criminal Code Amendment (Hate Crimes) Bill) ኣጽዲቑ።

እቲ እማመ ብፈደራል ኣባል ባይቶ ሰልፊ ለይበርን ኣኽባሪ ሕጊ ዝነበረን ማርክ ድረይፈስ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ባይቶ ቀሪቡ።

ንሱ እዞም ሓደስቲ መሐለውታታት ንኣኽበርቲ ሕጊ ተግባራት ጎነጽ ንምክልኻል ብኣግኡ ምትእትታው ናይ ምግባር ብቕዓቶም ይድግፎም ኢሉ።

በዚኦም ሕግታት ኣቢልና ነቶም ክኸፋፍሉና ዝደልዩ ንጹር መልእኽቲ ንሰደሎም ኣለና። ኣንጻር ካልኦት ጎነጽ ክግበር ዝደፋፍእ ወይ ዘፈራርሕ ዘረባ ጽልኢን ካልእ ብጽልኢ ዝተላዕጠጠ ባህርይን ኣብ'ዚ ሃገር ቦታ የብሉን።

ገሊኦም ክኢላታት ግን ነቶም ተጠቃዕቲ ወይ ዒላማ ዝኾኑ ማሕበረሰባት ንምድጋፍ ዝያዳ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ።

ቅድሚ'ቲ ሰነ 18 ዝኽበር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምምካት ዘረባ ጽልኢ (International Day for Countering Hate Speech)፣ ንጽልዋ ኣብ ሕብረተሰብና ንምውጋድ ዓሊሞም ሓደስቲ ንዘረባ ጽልኢ ዝምልከቱ ዝወጹ ሕግታት ኣውስትራልያ ከመይ ይሰርሑን ካልእ ከ እንታይ ክግበር ይከኣልን ኣብ'ዚ ንሓትት ኣለና።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now