- ዉልድካ ናይ ፈለማ ገዛ ንምዕዳግ ዝሕግዝ ዝበለጸ መገዲ እንታ እዩ?
- ኣብ ኣውስትራሊያ ዝእመን ፋይናንሲያዊ ምኽሪ ብኸመይ እዩ ዝርከብ?
- ንቖልዑ ብዛዕባ ገንዘብ ምምሃር ጥቕሙ እንታይ እዩ?
- መዓስ'ዮም ቆልዑ ብዛዕባ ምውህላልን ባጀትን ክፈልጡ ዘለዎም?
ብዙሓት ወለዲ ፡ ውሉዳቶም ብዛዕባ ቊጠባዊ መጻኢኦም ውሑስ ክኾነሎም ይደልዩ እዮም ።
ኣብ ብዙሕ ባህልታት ፡ ቈልዑ ምስ ዓበዩ ንወለዶም ክሕግዙ ልሙድ እኳ እንተ ኰነ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ግና ፡ ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቆም ፡ ርእሶም ኪኽእልሎም እዮም ዝደልዩ ። ንኣብነት ፡ ናይ መጀመርታ ማኪና ክዕድጉ ፡ ከጽንዑ ፡ ወይ ናብ ዕዳጋ ገዛ ክኣትዉ ምሕጋዝ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንኽመሃሩ ገንዘብ ምውህላል ኣብ ኣውስትራሊያ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ልሙድ ኣይኮነን ፤ ሳላ ናይ መንግስቲ ናይ ልቓሕ ውጥናት ብዙሓት ናይ ላዕለዎትን ናይ ሞያ ትምህርቲ ተማሃሮ ክመሃሩ ከለዉ ካብ ጅባኦም ክኸፍሉ ኣይሕተቱን እዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንወለዲ ንመዐደጊ መንበሪ ገዛ ገንዘብ ምውህላል ኣዝዩ ልሙድ ዝኾነ ሸቶ እዩ ይብል ኣቦ ወንበር Financial Advice Association of Australia ዴቪድ ሻርፕ እቲ ማሕበር ዝለዓለ ኣካል ናይ ገንዘብ ኣማኸርቲ እዩ።
"ቅድሚ ዓሰርተ ዓመትንመርዓን ንመኪናን እዩ ነይሩ ፣ ሕጂ ግና ንሰባት ዘገድሶም ገዛ ኮይኑ ኣሎ" በለ ።

"ብዕድመ ዝነኣሱ ይኹኑ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ዝጉብዙ ፡ ዋጋ ገዛን ዓቕምን ዘፍቅዶ ፡ ንደቆም ቤት ንምዕዳግ ክሕግዝዎም ምኽኣሎም ፡ ንብዙሓት ወለዲ የተሓሳስቦም እዩ ።"
ከምኡ "ውን ንስድራቤታት ኣብ መጻኢ ንዝኾነ ዕላማ ክሕግዙ ዝኽእሉ ናይ መንግስትን ማሕበረሰብ ፕሮግራማት ዉህለላ ኣለው ፤ ንኣብነት ዝውህለል ገንዘብ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ መነባብሮ ወጻኢታት ንምሕጋዝ ብCentrelink ኣቢሉ ክኸውን ይኽእል። ብዛዕባ እዞም ኣገልግሎታት ኣውስትራሊያ ከምኡ 'ውን ካብ መርበብ ሓበሬታ Moneysmart ዝበለጸ መረዳእታ ክትረክብ ትኽእል ።
እቲ ናይ ምውህላል ሸቶኻ ብዘየገድስ ፡ ቅድሚ ንውላድካ በይኑ ገንዘብ ኸተቐምጥ ምፍታንካ ፡ ፈለማ ዕዳኻ ከም ዝንኪ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ።
"ዕዳኻ እንተ ኸፊልካ፡ ብድሕሪኡ ጸኒሕካ ንደቕኻ ክትዕደየሎም ዓቕሚ ክትረክብ ትኽእል። " ።
ገዛ ንምዕዳግ ብዚምልከት: ገሊኦም ወለዲ ንደቆም ነቲ ዘድሊ ትሕጃ ወይ ዲፖሲት ኣብ ምኽፋል ይሕግዝዎም እዮም ።
ይኹን እምበር ፡ ንውላድካ ገንዘብ እንተ ኣለቂሕካዮ ፡ ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ ነገራት ኣሎ ትብል ናይ ማኒስማርት ጸሓፊት ፋይናንስ ሸቫን ማርቺንጎ ።
"ክንደይ ከም ዝሃብካዮምን ብኸመይ ከም ዝመልስዎን ብጽሑፍ ዝተሰነየ መደብ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰብ ።
"ካብ ሓደ ንላዕሊ ቘልዓ እንተ ኣልዩካ ፡ ብገንዘብ ክትሕግዞም ትደሊ እንተ ዄንኻ እውን ፡ እዚ ጽቡቕ ጌርካ ክርአ ይኽእል እዩ ።"

ንውላድካ ናይ ገዛ ልቓሕ ቅድሚ ምውሳንካ ጥንቁቕ ምዃን ዝበለጸ እዩ ።
ሚስ ማርቺንጎ ፡ "ውሉድካ ነቲ ልቓሕ ኽመልሰሉ ከም ዝኽእል ክትተኣማመን ኣሎካ ።
"ውሉድካ ነቲ ልቓሕ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ክኸፍሎ እንተ ዘይክኢሉ ፡ ኣብ ክንዳኡ ኽትከፍሎ ትኽእል ትኸውን ኢኻ ።"
ከም ናይ ሴቪንግ ሕሳብን ናይ መድሕን/ኢንሹራን ቦንድን ዝበሉ፡ ወለዲ ንደቆም ናይ ምውህላል ሸቶታት ከውጽኡ ዝኽእሉ እተፈላለየ ናይ ገንዘብ መገዲታት ኣሎ።
ቅድሚ ገንዘባዊ ውሳነታት ምግባርካ ፡ ሞያዊ ምኽሪ ክትረክብ ጽዓር ።
ቅድሚ ናይ ሓደ ኣገልግሎት ምጥቃም ንገለ ኣማኸርቲ ፋይናንስ/ financial advisers, ምርካብን ምውድዳርን ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ፋይናንሲያዊ ኣማኻሪ:
- ሓበረታ ዝህበካን ሸቶኻ ክትወቅዕ ዝሕግዘካን
- ብዛዕባ እትኸፍሎን ትኸስቦን ክፍሊት ዝሕብረካ
- ንገንዘብካ ብኸመይ ከም ዘመሓድርዎ ዝነግረካ
- ኣብ ውሳነታትካ ዘማኽረካ
ሚስ ማርቺንጎ ነዚ ብኸምዚ ትገልጾ ፡ "ኣብ ልዕሊ ገንዘብካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኽትውስን ከለኻ ፡ ክሳዕ ክንደይ ሓደጋ ወይ ሪስክ ከም ዘለኻ ምሳኻ ኮይኖም ኺመያየጡሉ እዮም ።"
ናይ ውልቂ ናይ ገንዘብ ምኽሪ ክትረክብ ዘይትኽእል እንተኾይንካ ፣ ናይ ናጻ ኣማኸርቲ ፋይናንስ ብምርካብ ውጥናት ኣብ ምውጻእ ክሕግዙኻ ይኽእሉ ።
ነዚኣቶም በዚ ዝስዕብ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም፡ National Debt Helpline (call: 1800 007 007).

ካብ ሰለስተ ኣውስትራሊያውያን ሓደ ሰብ ንገንዘቦም ምምሕዳር ኣጨናቒ ስምዒት ከም ዘለዎም ይግመት ።
ንገሊኦም ሰባት ፡ ዋላ እውን ብዛዕባ ገንዘብ ምዝርራብ ይኸብዶም እዩ ።
ካሮሊን ስቲዋርት ዋና ኣካያዲት ትካል Ecstra እያ። እዚ ትካል ኣብ ናይ ኣውስትራልያ ኣብያተ-ትምህርቲ ፡ ገንዘባዊ ትምህርቲ ዝህብ እዩ ።
ወለዲ ምስ ደቆም ኣቐዲሞም ናይ ገንዘብ ዝርርብ ክገብሩ ከም ዘለዎም ትዛረብ ።
"ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ህጻናት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ትምህርቲ ምዝርራብ ነውሪ እዩ ዝመስል ፡ ቆልዑ ግን ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ክገዝእዎ ዝደልዩ ነገራት ድሌትን ይርድኦም እዩ ።"
መዓልታዊ ንጥፈታት ብዛዕባ ገንዘብ ናብ ሱፐርማርኬት ብምኻድ ተግባራዊ ሂወት ናይ ገንዘብ ትምህርቲ ትምህረሉ ኣጋጣሚ እዩ ።
ሚስ ስተዋርት ኣስዒባ ፡ "ንህንጡይነትን ሓቅን ብዛዕባ ገንዘብ ምዝራብ ነውሪ ከምዘይኮነ ኣብ ኣእምሮ ቈልዑ ኸተስርጾ እንተ ክኢልካ ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ዝያዳ ምትእምማን ከም ዝሓድሮም እዩ ዝገብር ።
ብዘይካዚ ፡ ንውሉድካ ሰሙናዊ እተወሰነ ገንዘብ ኽትህቦምን ንእተወሰነ ክፋል እቲ ገንዘብ ኣብ ዝደለይዎ ነገር ከቐምጥዎ ኸተተባብዖምን ትኽእል ኢኻ ። እዚ ከኣ ፡ ዋጋ ገንዘብ ፡ ምርጫ ፡ ከምኡውን ድሒሩ ዝስዕብ ምስጋና ዘለዎ ጥቕሚ ንኺርድኡ ይሕግዞም ።

ብዛዕባ ምውህላል ገንዘብ ምፍላጥ ኣካል እቲ ውላድካ ኣብ መጀመርታ ናይ ገንዘብ ምህሮ ክኸውን ኣለዎ ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካንቤራ ናይ ፋይናንስን ናይ ገንዘብ ውጥንን ፕሮፌሰር ዝዀነ ዶክተር ቦሚካዚ ዘካ ።
"ወትሩ ሕማቕ ነገር ከየጋጠመ ገንዘብ እንተ ኣዋህለልካ ጽቡቕ እዩ ፣ ከም ቈልዓ መጠን ግና ፡ እዚ እንታይ ማለት እዩ ?
"ወለዲ ነዚ ዝርርባት እዚ ኣብ በቶም ፡ ንቘልዑ ፡ ገንዘብ ናይ ምውህላል ክእለት ከም ዘለዎም ገይሮም ኺሓስብዎም ይኽእሉ እዮም ፣ በዚ ከምዚ ፡ እቲ ናይ ኣደን ኣቦን ባንክ መወዳእታ ዘይብሉ ኃብቲ ከም ዘይኰነ ኽግንዘቡ ይኽእሉ ።"
ኣብ መወዳእታ ፡ቆልዑ ኣብቲ ናይ ስድራ ቤት ዉጥን ገንዘብ ብዚምልከት ከምዝሳተፉ ምግባር፡ ብዛዕባ እታ ስድራ ዘሎ ሃብትን ገንዘባዊ ትሕዝቶ ዘይፈልጡ ከይኮኑ ዝሕግዝ እዩ።
ምስ ዓበዩ ከኣ ፡ ነቲ ዝህልዎም ቊጠባዊ ህይወት ብዝሓሸ መገዲ ንኺቈጻጸርዎ ከም ዘኽእሎም ፡ ዶክተር ዘካ ይገልጽ ።
"እዚ ዝርርብ እዚ ኣቐዲምና ምስ እነዕልለሉ ፡ ቅኑዕ ውሳነ ክገብሩን ኣብ መንጎ ስግኣትን መኽሰብን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ክግምግሙን ዝኽእሉ ብርእሰ-ምትእምማን ዝዓብዩ ሰባት ይዀኑ ።"
ኣታዊኻን ኣተዓባብያኻን ብዘየገድስ ፡ ብዛዕባ ገንዘብን ብዛዕባ መጻኢ ፋይናንሲያዊ መደብን ከም ስድራ ምዝርራብ ደንጉዩን ቀዲሙን ዝበሃል የብሉን።
Disclaimer: This information is general in nature. Seek professional advice before making a financial decision. If you are in financial stress, call the National Debt Helpline on 1800 007 007.
Only deal with a licensed financial adviser. You can find one through Moneysmart’s Financial Advisers Register.
Find money tips in other languages here. For a free online budget planner, visit the Simple Money Manager.
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au







