ኣብ ገዛኻ እንስሳ ዱር እንተ ኣትዩ እንታይ ትገብር፧

Carpet Python in a shed - credit Ethan Mann.jpg

A carpet python inside a shed - Image Ethan Mann.

ኣውስትራሊያ ዝተፈላለዩን ብሉጻትን እንስሳ ዘገዳም ዘለውዋ ሃገር እያ ፡ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ቀጽሪ ቤትካ እንስሳ ዘገዳም ምስ ዘጋጥሙኻ እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ክትህብ ከምትኽእል ምፍላጥ ክቡራት እንስሳት ዘገዳምናን ብምክልኻል ንዓኻን ንስድራቤትካን ካብ ሓደጋ ዝከላኸሉልካ እዮም ።


Key Points
  • ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ወይ ኣብ ከባቢ ገዛኻ እንስሳ ዘገዳም እንተ ኣጋጢሙካ ፡ ቦታ ሃቦ ፡ እንስሳታት ገዛን ቈልዑን ድማ ኣርሕቕ ።
  • ኣድላዪ እንተኾይኑ ካብ ናይ ከባቢኻ እንስሳ ዘገዳም ናይ ምድሓን ትካል ወይከኣ ብመንገዲ ካውንስ ሓገዝ ድለ ።
  • ኣብ ከባቢ ገዛኻ እንስሳ ዘገዳም ቦታ ናይ ምሃብ ልምዲ ነዞም እንስሳታት እዚኣቶም ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝያዳ ተፈጥሮ ምህላው ንጥዕና ወድሰብ እውን ጠቓሚ እዩ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ውሽጢ ገዛኻ እንስሳ ዘገዳም ምግጣም ክሳዕ ክንደይ ልሙድ እዩ?

ኣብ ኣውስትራሊያ ምስ እንስሳ ዘገዳም ምግጣም ኣካል ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እዮም ። ኣብ ሽቓቕካ እንቁርዖብ ምርካብ ፡ ኣብ ናሕስኻ ፖሶም ተሓቢኡ ክጸንሓካ ወይ ዎምባት ኣብ ትሕቲ ገዛኻ ተቐቢሩ ምርካብ ልሙድ እዩ። እንስሳ ዘገዳም ማይ ፡ መግቢ ደልዮም፡ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ንኽነብርሉ ምቹእ ዝኾነ ስፍራ ንምርካብ ናብ ኣባይትን ንብረትን ክስሕቡ ይኽእሉ እዮም ።
ኣብ ከተማ ሜልቦርን እትነብር ጃኪንታ ሁምፍሪ ዝስማ ተመራማሪት ስነ ቝጠባ ናብዛ ሕጂ ኣብ መልበርን እትርከብ ቤታ ምስ ገዓዘት ፡ ካብ ናሕሲ ዝመጽእ ዘይልሙድ ደሃይ ካብ ምስማዕ ዓዲ ኣይወዓለትን ።
"ብርግጽ ካብ ዓሌት ፖሶም ክኸውን ተኽእሎታት ከም ዘሎ ፈለጥኩ ። ኣዝዮም ደስ ዝብሉ እዮም፡ ግን ከኣ ቅሩብ ይጨንዉ እዮም፡ ገለ ጕድኣት ከየውርዱ ስለ እንሰግእ ከኣ ፡ ኣብ ናሕሲ ክነብሩ ብሓቂ ኣይንደልን ኢና ኔርና "በለት ።

ኣብ ገዛኻ ናይ በረኻ እንስሳ ምስ ዘጋጥመካ እንታይ ክትገብር እዩ ዘለካ?

ጃሲንታ ፍቓድ ንዘለዎ በዓል ሞያ እንስሳ ዘገዳም ጸዊዓ ሓገዝ ድሕሪ ምሕታታ ፡ ኣብ ናሕሲ ገዛኣ ሓደ መውጽኢ መገዲ ደገ ከፊታ እያ ።

"እዚ ማለት ፡ እቶም ፖሶማት ብእዋን ለይቲ ብደሓን ክወጹ ዝኽእሉኳ እንተኾኑ ናብቲ ቦታ ክምለስ ግን ኣይከኣለን ። ብዘይካዚ ፡ ሓድሽ ቤት ምእንቲ ክንህቦም ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤትና ሳጹን ኣዳሊናሎም ኢና ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ከኣ ፡ ኣብቲ ሳጹን ክልተ ፖሱም ክቕመጡ ኪኢሎም እዮም " ።

ስለዚ ፡ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ከባቢ ገዛኻ እንስሳ ዘገዳም እንተ ኣጓኒፉካ ፡ ምኽሪ ጃሲንታ ቀሊል እዩ ።
ቀዳማይ ፡ ነቲ እንስሳ ገለ ቦታ ሃቦ ። ከተልዕሎም ወይ ክትትንክፎም ኣይትፈትን ፣ ከምኡ 'ውን ዝኾነ ናይ ገዛ እንስሳ ወይ ቆልዑት ናብኡ ከይቀርቡ ተጠንቀቕ ። ካልኣይ ፡ ብቴሌፎን ገለ ምኽሪ ክህበካ ዝኽእል ክኢላ ደወል ወይ ሓገዝ ክህብ ክመጽእ ናብዝኽእል መልእኽቲ ስደድ ።
Dr Jacinta Humphrey
 Talha Resitoglu - Pexels
Australian magpie on a railing. Credit: Talha Resitoglu - Pexels

ኣብ ገዛኻ እንስሳ ዘገዳም እንተልዩ ብኸመይ ሓገዝ ትህብ?

ደራሲት መጽሓፍ: Living with Wildlife: A Guide for Our Homes and Backyards - ኢኮሎጂስት ታኣንያ ሉስ ደሓን እንተ ኰይኑ: ስእሊ ናይቲ እንስሳ ክወስድ ትመክር ። እዚ ድማ መለለዪ ናይቲ ዓሌት እንስሳ ኣብ ምልላይ ሓጋዚ እዩ ።

"ኣብ ኵሉ መዳያት ፡ ህድእ በል ፡ ንምፍላጥ ከኣ ህንጥው ኩን፣ ኸመይሲ ፡ ርሕቕ እንተ ኢልካ ፡ ሓደጋ ኣዝዩ ሳሕቲ ዘጋጥም ነገር እዩ ። እንታይ ዓይነት እንስሳ ምዃኑ: ንኽትኣልዮ እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ግዜ ውሰ ድ። "
ኣውስትራሊያ ከም ሓደገኛታት እንስሳታት ዘለዉዋ ሃገር ምዃና ትግለጽ እያ፤ ከም ሕንዛም ኣትማን ዝኣመሰሉ እንተገዲፍካዮም ገዲፎምኻ እዮም ዝኸዱ ።
እቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝዀኑ እንስሳታት ዘገዳም ፡ ሕንዚ ዘለዎም ኣትማንን ዓበይቲ ካንጋሩን ካሳወር ዝብሃላ ዓበይቲ ኣዕዋፍን ገለ ዓይነት ሳሬታትን እዮም ። ከም ሓፈሻዊ መምርሒ ፡ ምጥብጣብ፡ ምትንኻፍ ወይ እንስሳ ዘገዳም ምሓዝ ክውገድ ኣለዎ ። ፖሱም እውን እንተ ኰነ ፡ ክፍሕንጥረካ ይኽእል እዩ ።
Ecologist Tanya Loos
ኣብ መብዛሕትኡ ኵነታት ፡ እቶም ኣብ ቤትካ ወይ ኣብ ድሕሪ ገዛኻ እትርእዮም እንስሳ ዘገዳም ፡ ግዜያውያን በጻሕቲ እዮም ፣ እዚ ከኣ ፡ ክሓልፉ ከለዉ እዩ ፣ ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ እዮም ። እዚ ንከም በዓል ፖሱም ፡ ኮዋላ ፡ ኢቺንዳ ፡ ካንጋሮ ፡ ከምኡ እውን እተፈላለዩ ዓሌታት ኣዕዋፍን ለመምትን ከጠቓልል ይኽእል እዩ ።
"ንበጻሒኻ ብዙሕ ቦታ ክትህቦ ከምዘለካ ዘክር ። እዚ ከኣ ቈልዑን እንስሳ ዘቤትን ናብቶም ክበጽሑካ ዝመጹ እንስሳ ዘገዳም ከም ዝፍለዩ ምግባር ዘጠቓልል እዩ "ብምባል ታንያ ተጕልሕ ።
እቲ ምስ እንስሳ ዘገዳም ምግጣም ፡ ሓላፊ ግዝያዊ ጥራይ ክኸውን ስለ ዝኽእል ፡ ከምቲ ጃሲንታ ዝገለጸቶ ፡ ኣውስትራልያ ብዙሓት ፍሉያት ዓሌት እንስሳ ዘገዳም ዝነብሩላ ሃገር ብምዃና ፡ ነቲ ተመክሮ ኽትፈትዎ ትኽእል ኢኻ ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 80 ካብ ሚእቲ መበቆላውያን መጥበውቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ጥራይ እዮም ዝርከቡ - ኣብ ካልእ ዓለም ኣይርከቡን እዮም ። እዞም እንስሳታት እዚኣቶም ኣብ ከተማታትና ክንርእዮም ምኽኣልና ከኣ ፡ ብሓቂ ፍሉይ እዩ "በለት ።
Possums on a nesting box - image credit Nangak Tamboree Wildlife Sanctuary.jpg
Possums on a nesting box. Credit: Nangak Tamboree Wildlife Sanctuary.

ኣብ ከባቢኻ ናይ ከተማ እንስሳ ዘገዳም ብኸመይ ትሕልዎም?

ጃሲንታ ፡ ኣብ ከተማታት ብዙሕ ባህርያዊ ጫካ ወይ ዱር ኣብ ቀረባ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ፡ ኣብ ከተማታት ንዚነብሩ እንስሳ ዘገዳም ኽንከናኸኖም ኣገዳሲ እዩ ፡ እዚ ድማ ምቹእ ናይ መንበሪ ቦታ ምርካ ብ ዘጠቓልል እዩ ።
"ኣብ ከባቢና መበቈላዊ ኣእዋም ፡ ቈጥቋጣትን ሳዕርን ፡ ኣኻውሕ ፡ ኣጉናድን ዒላን ኣብ ስፍራ ኣታኽልትና ብምትካል ፡ ከም ባስካታት ንመሕጸቢ ኣዕዋፍ ዝኣመሰለ መዕረፊ ፖሱም ወይ ሕንጻይ ፡ ከምኡ እውን ንኣብ ከባቢና ዘለዉ ኣናህብ ተባሒሉ ዝዳሎ ሆቴላት ሓሸራ ፡ ሃሳዪ ኬሚካላት ካብ ምጥቃም ተቘጢብና ፡ ከም ጸረ ባልዕ ወይ መርዚ ዝኣመሰለ ነገራት ካብ ቤትና ብዘይምውጻእ ፡ ደማሙና እውን ኣብ በቶም ከም ዝተሓዙ ብምግባር ፡ ኣብ ከተማታት ንዚርከቡ እንስሳ ዘገዳም ኽንድግፍ ንኽእል ኢና ።"
ኣብ ስፍራ ኣታኽልትኻ ፍረታት ዘለዎ ኣእዋም እንተ ኣልዩካ ፡፡ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ዘገዳም ሓደጋ ከየውረደ ንፍረኻ ኽከላኸል ዝኽእል ቅኑዕ ዓይነት መከላኸሊ ክትጥቀም ከም ዘሎካ ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ታንያ ትገልጽ ።
"እቲ ፍረታት ዝፈሪ ኣእዋም ብግጉይ መፈንጠራ እንተ ተሸፊኑ ፡ ኵሉ ዓይነት እንስሳ ፡ እንተላይ ሕንጻይን መንካዕን ኺፍንጠር ይኽእል እዩ ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ ፡ ነቲ ኣብ መፈንጠራ ዝኣተወ እንስሳ ኣዝዩ ውጥረት ዝፈጥር ስለ ዝኾነ ን ኣድሓንቲ እንስሳ ዘገዳም ብቕልጡፍ ምጽዋዕ ። ኣብ ክንዳኡስ ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ መረበብ ዘለዎ ኣብ እንስሳ ዘገዳም ዘይጓዳእ ምጥቃም "በለት ።
ታንያ ብተወሳኺ ፡ እንስሳ ዘገዳም ምግቢ ዘይምምጋብ ኣገዳሲ እዩ ፡ ዓታሩ ጎሓፍ ድማ ብጽኑዕ ከም ዝዕጾ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ።
ዋላ ዝፈታተነካ ተግባር እንተኾነ ፡ እንስሳ ዘገዳም ኣይተብልዕ ። ኣብ ክንዳኡስ ፡ ብእተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ባህ ዘብሎም ባስካታት ዑፍ ግበሩ ፣ ኣብ እዋን ብርቱዕ ሙቐት ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።
Ecologist Tanya Loos
ብዙሓት ዓሌታት ኣዕዋፍ ፡ ሽኮር ዕማባባን ሓሸራታትን ደልዮም ናብ ስፍራ ኣታኽልትታት ክበጽሑ ከለዉ ፡ ኣዕዋፍ ብሓንደበት ናብ መሳዅቲ ገጸን ክበርራ ልሙድ እዩ ።
ታንያ ፡ "ሓንቲ ዑፍ ኣብ ቤት ምስ ዝርከብ መስኰት እንተ ተጋጭያ ፡ እታ ዑፍ ከኣ ክሳዕ ሕጂ ብህይወት እንተ ኣልያ ፡ ብልስሉስ ጨርቂ ጌርካ ነታ ዑፍ ኣብ ካርቶን ኣብ ዘሎ ሳጹን ኣእትዋ ፡ ነቲ እንስሳ ዘገዳም ንምድሓን ዝሕግዝ ትካል ወይ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቬት ከኣ ኣረክቦ" በለት ።
Sulphur-crested Cockatoo gnawing
Sulphur-crested Cockatoo gnawing on hand railing Source: iStockphoto / Ken Griffiths/Getty Images/iStockphoto
ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ወይኻዓ ኣብ ከባቢ ገዛኻ ፍሉይ ዝኾነ እንስሳ ዘገዳም ምስ ዘጋጥሙ ብዛዕባ እዞም ፍሉያት እንስሳታት ዝያዳ ንኽትፈልጥ ዕድል ይኸፍት እዩ ።

"መብዛሕትና መዝሙራት ኣስማት: ዓው ዝበለን ሕብራዊን ሕንጻይ: ከምኡውን ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ደስ ዝብል ብዙሕ ፖሶማት ኣሎና ። ኣብ ካልእ ቦታ ከም ካንጋሩ ወይ ከኣ ፒቶን ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ምርካብ ኣብ ካልእ ዘይሕ ሰብ እዩ። "ክትብል ታንያ ትገልጽ።
"እዞም እንስሳታት እዚኣቶም ሓደ ካብቲ ንኣውስትራሊያ ፍሉይ ዝገብርዋ ነገራት እዮም ። ብዛዕባ እቶም ፍሉያት እንስሳታት ዘገዳም ዘጋጥሙኻ ተጓንፎ ዝያዳ ንኽትፈልጥ ከም ዕድል ውሰድ ፣ ነቶም ምስ ሓደስቲ ፈተውትኻ እንስሳታት ብሰላም ንኽትፋለጥን ንኽትርድኦምን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ እንስሳ ዘገዳም ንምድሓን ዝሕግዙ ትካላት ድማ ንምፍላጦም ተመጣጠር ። "
ከምቲ ጃኲንታ ትገልጾ ፡ ኣብ ዙርያ እንስሳ ዘገዳም ምንባር እውን ንጥዕና ደቂ ሰብ ኣገዳሲ ጥቕሚ ኣለዎ ።
"ምርምር ከም ዝሕብሮ ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝያዳ ተፈጥሮ እንተ ኣልዩካ ፡ ንጥዕና ደቂ ሰብ ፡ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናን ንማሕበራዊ ምትእስሳርን ጠቓሚ እዩ ። ብዙሓት ኣእዋም ፡ ኣዕዋፍን ካልኦት እንስሳታትን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ፡ ዝያዳ ሕጉሳትን ጥዑያትን እዮም ዝዀኑ " ።
ስለዚ ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ወይ ኣብ ከባቢ ቤትካ ምስ እንስሳ ዘገዳም ብኸመይ ከም እትራኸብ ምፍላጥካ ፡ ንእንስሳታት ኰነ ንዓና ንደቂ ሰብ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዝህልዎም ይገብር ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ኩሉ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ ናይ እንስሳ ዘገዳም ሓደጋን ምክልኻልን መውሃቢ ትካላት ኣለዉ:
Subscribe or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au
 

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ገዛኻ እንስሳ ዱር እንተ ኣትዩ እንታይ ትገብር፧ | SBS Tigrinya