20 ዓመት ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ፕረስን፡ ምኽንያታት ሰብ መዚ ኤርትራን።

Source: PEN Eritrea
ቅድሚ 20 ዓመት፡ 11 ሰበስልጣን መንግስቲን 18 ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲ ፕረስን ብዉሳነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ዝዝከር ኢዩ። ብርግጽ እቲ እዋን፡ ኣሜሪካ ብናይ 11 መስከረም 2001 ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልባ ኣብ ዝባና ተሰቒሉ ምምሕዳር ቡሽ ፈታዊን ጸላኢን ንምልላይ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣልማማ ማእሰርቲ ልክዕ ግዜ መሪጹ ከም ዝፈጸሞ ዝዛረቡ ወገናት ኣለዉ። ድሕሪ እቲ ማእሰርቲ ብቃለ መጠይቓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰብ መዚ ኤርትራን ኣቢሉ ብዛዕባ እቶም ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ጋዜጠኛታትን ዝተነገረ ነገር እንተሎ፣ እቶም ቅዩዳት ካብ ናይ ግዳም መንግስታት ገንዘባዊ ሓገዝ ብምርካብ ሃገር ኣሕሊፎም ዝሃቡን ብክድዓት ዝሕተቱን ሰባት ከም ዝኾኑ ኢዩ። እዚ ክሲ’ዚ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ወላ እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ግን እቶም ቅዩዳት ብወግዒ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከይተሓተቱሉ 20 ዓመቶም ገይሮም ኣለዉ።
Share