20 ዓመት ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ፕረስን፡ ምኽንያታት ሰብ መዚ ኤርትራን።

Free Press in Eritrea

Source: PEN Eritrea

ቅድሚ 20 ዓመት፡ 11 ሰበስልጣን መንግስቲን 18 ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲ ፕረስን ብዉሳነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ዝዝከር ኢዩ። ብርግጽ እቲ እዋን፡ ኣሜሪካ ብናይ 11 መስከረም 2001 ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልባ ኣብ ዝባና ተሰቒሉ ምምሕዳር ቡሽ ፈታዊን ጸላኢን ንምልላይ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣልማማ ማእሰርቲ ልክዕ ግዜ መሪጹ ከም ዝፈጸሞ ዝዛረቡ ወገናት ኣለዉ። ድሕሪ እቲ ማእሰርቲ ብቃለ መጠይቓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰብ መዚ ኤርትራን ኣቢሉ ብዛዕባ እቶም ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ጋዜጠኛታትን ዝተነገረ ነገር እንተሎ፣ እቶም ቅዩዳት ካብ ናይ ግዳም መንግስታት ገንዘባዊ ሓገዝ ብምርካብ ሃገር ኣሕሊፎም ዝሃቡን ብክድዓት ዝሕተቱን ሰባት ከም ዝኾኑ ኢዩ። እዚ ክሲ’ዚ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ወላ እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ግን እቶም ቅዩዳት ብወግዒ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከይተሓተቱሉ 20 ዓመቶም ገይሮም ኣለዉ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service