ኣብ ኤርትራ ብለካቲት 2009 ካብ መንጎ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ስነጥበበኛታትን እንኮ ኣባልን መስራትን ኣዶላይድ ክለብ ዝነበረ ጸጋይ መሓሪ ክእሰርከሎ ወዲ 23 ዓመትዩ ነይሩ። ድሕሪ ብዘይ ፍርዲ ን 4 ዓመት ተኣሲሩ ምፍታሑ፡ ምድረ-በዳ ሰሃራ ሰጊሩ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሱ ኣብ ሽወደን ተዓቚቡ ይርከብ። 106 እኩባት ግጥሚታት ዝሓዘት ሳርማታት ኣደይ ዝኣርእስታ ናይ ፈለማ መጽሓፉ ብቛንቋታት ትግሪኛ፡ እንግሊዝኛን ፖርቹግኛን ኣሕቲሙ ኣብ ፖርቹጋል ኣመሪቕዋ። ብዛዕባ ግጥሚታቱ ምስ ዘሕለፎ ገድሊ ህይወትን ምስ ጋዜጠኛ ቴድሮስ ማርቆስ ጻንሒት ገይሩ ኣሎ፡ ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትሰምዑ ንዕድም፡፣
Share
