SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026)

SBS Tigrinya News
Source: Getty / Getty Images

ንሎሚ 10 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ንሎሚ 10 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን ወይ (lternative for Germany Party, A-F-D)- ኣብ ግዝኣት ሳክሶኒ-ኣንሃልት ዝተኻየደ ምርጫ ቀዳማይ ብምውጻእ: ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።

ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍ ኣሉን ዝዝከረሉ እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩሉ ኣብዘሎ ካብቶም ንፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝመስረቱ ጋዜጠኛ ዓዲምና ብዛዕባ ኣመዓባብላን ምዕጻውን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን እሱራትን ዝምልከት ዝርርብ ገይርና ኣለና ፡ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ።

ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና’ውን ኣለና።

ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዝተጀመረ ምሕዝነት ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ።

ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድሽ መምርሒ ወግዓዊ ገይሩ። ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ።

ማሕበር መራሕቲ ከበድቲ መካይን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሞያ ምዕራብ ወለጋ ኣርባዕተ መካይን ነዳዲ ብዕጡቓት ተቓጺለን ትሽዓተ መራሕቲ መካይን ከምዝጨወዩ ኣፍሊጡ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

ኣርእስታት ዜና፥

ኣመሪካ ነቲ ምስ ካናዳ ጀሚራቶ ዘላ ንግዳዊ ምስሕሓብ መሊሱ ገዲዱ ፡ በዚ ድማ ብቐጥታ እገዳታት ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያትን ነቲ ዝጸንሐ ቀረጽን ከምዝቕየር'ውን ኣፍሊጣ ።

ሰልፊ ለበር ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶታት ብ ኦንላይን ክመጽእ ዝኽእል ጽልዋ ጐዳኢ ትሕዝቶታት ፡ ጐዳኢ ንምምሃር ዝውዕል ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ።

ሖቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስዑዲ ዓረብ ዝግበር ጉዕዞ መራኽብ ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

 ማቲው ብሬን ኣብ መድረኽ 17 ቅድድም ቮልታ ስጳኛ  ተዓዊቱ ፣

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now