ንሎሚ 13 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ዕላል፥ tኣቶ ብርሃነ ሓድጉ ንኣስታት 40 ዓመት ኣብ ሲድኒ ኣውስትራሊያ ዝተቐመጠ እዩ። ናብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ ክመጽእ ከምዝኸኣለ፡ ምስ መጸ ዘጋጠምዎ ነገራት፡ ኣብቲ ፈለማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርን፡ ዝነበረ ፍቕርን ምርድዳእን ብሓፈሻ ህይወቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከምዘሕለፎ ኣዕሊሉና ኣሎ።
ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ: "ካብ ናይ ሰብ ግራት ፍረታት ምውሳድ ይከኣል ዶ?"።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡
ተሓላቒ መሰል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ትግራይን ፌደራልን ንሓደጋ ዝዳርግ “ኣንፈት ኲናት” ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ መዓስከር ዳባት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕጂ ውን መጭወይቲ ከም ዘየቋረጸ ተገሊጹ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ን12 ዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ስትራተጂካዊ መዓስከር ቡርሃካባ ኣረኪቡ።
ብሽበራ ዝተኸሰሱ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክልል ኣምሓራ ንክፍትሑ ገበነኛታት ምዃኖም ክኣምኑ ዝሓትት ቅድመኩነት መንግስቲ ነጸጊጎሞዎ።
ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል_ጉሙዝ ዞባ መተከል ብደርዘን ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም።
ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ዝኾነ RSF ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳቡ ዶባዊት ከተማ መጥቃዕቲ ከፊቱ።
ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ ዩ ክብል ከሲሱ። ኣብቲ ዞባ ቀጻሊ ዞባዊ ወጥሪን ግጭትን ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ሱዳን ምስ #ሞቃድሾን #ካይሮን ዝርርብ ኣካይዳ።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፓርላማ ሰልፊ ጥምረት ጽሩይ /ነት ስደተኛታት ኣብ ዓመት ናብ 180,000 ክዉሕድ ኣለዎ ዝብል ዘቕረቦ ርእይቶ ካብ ብጾቱ ኣባላት እቲ ሰልፊ ተቐባልነት ኣይረኸበን ።
ካብ ባሊ ናብ ሎሞቦክ ኣብ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምንዳዳ ክልተ ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 211 ሰባት ድሒኖም ።
ሊዮነል መሲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦኡ ድሕሪ ምማቱ፡ ምጽዋት ኲዕሶ እግሪ ክቕጽል ምዃኑ ከምዝጠራጠር ገሊጹ።






