SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (20 ነሓሰ 2026)

SBS Tigrinya News
Source: Getty / Getty Images

ንሎሚ 20 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ንሎሚ 20 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


ብዛዕባ ማዕከን ሃገራዊ መድሕን ስንክልና ዝምልከት ዝተመሓየሸ ሕጊ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓርላማ ክትዕ ክግበረሉ ድሕሪ ምቕናይ ብደገፍ ሰልፊ ጥምረት ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ኣሎ ። እቲ ሕጊ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ባጀት ግንቦት ዝቐረበ ምጉዳል ወጻኢታት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ክቑጠብ ዝድለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት 37.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ።

ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ትንተና ኣለና።

ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣማራጺታት ክንክን ሕርስን ጥንስን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡

ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተኻየደ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊጾም።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ "ቅሉዕ ኲናት ወሊዑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ " ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንመንግስቲ ፌደራል ከሲሱ።

ኤርትራ ንኲናት ዝዕድምን ልኡላውነት ዝትንክፍን ዝበለቶ ምንቅስቓሳት ኮኒና።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋጋ ብር ንምዕቃብ ቢልዮናት ዶላር ኣብ ዘፍስሰሉ ዘሎ እዋን ዋጋ ብር ታሪኻዊ ውድቀት ኣመዝጊቡ።

ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ን5,000 ኢትዮጵያውያን ዝሃቦ ግዝያዊ ሓለዋ ከልዕሎ ፈቒዱ።

ኣርእስታት ዜና፥

 ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ጋዛ ንዞሚ ፍራንኮም ን ን ካልኦት ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝቐተለ ስርሒት ዝምልከት ክግበር ዝጸንሐ መርመራ ገበን ንምዕጻው ምውሳኑ ፡ኣውስትራሊያ ምቚጣዓ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ኣውስትራሊያ ተዛሪባ።

ሚንስተር ታንያ ፕሊበርስክ ካብ 20 መስከረም ኣትሒዙ ልዕሊ 5.3 ሚሊዮን ኣውስትራሊያዊያን ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ዝኽፈል ክፍሊት ክብ ከምዝብል ኣፍሊጣ ።

ኣውስትራሊያዊ ተጻዋቲ ቴኒስ ኒክ ኪርዮስ ናይ ሓሽሽ ኮኬን ከምዝወሰደ ተመርሚሩ ድሕሪ ምርግጋጹ ይቕረታ ሓቲቱ ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now