መንግስቲ ኣውስትራልያ ምስ’ቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘውጽኦ በጀት ዝሰምር ክሳብ 2028 ጽሩይ ቁጽሪ ፍልሰት ህዝቢ ካብን ናብን ኣውስትራልያ (Net overseas migration) ናብ 225,000 ክጎድል ዘውጽኦ መደብ ኣፍሊጡ። ብዙሓት ካብ’ቶም ኣዝዮም ዓበይቲ ምቅይያራት ምስ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ ስራሕ ዘፍቅድ ናይ ዕረፍቲ ቪዛ ዝሓዙን በጻሕትን ዝተኣሳሰሩ ቪዛታት’ዮም። እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ ዝተረረ ትግባረ ሕጊን ኣብ’ቲ ቪዛ ሆፒንግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ (ግዝያዊ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ደጋጊሞም ካልእ ግዝያዊ ቪዛ ዘውጽእሉ) ድማ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣተንቢሁ’ሎ።
Listen to Australian and world news and follow trending topics with SBS News Podcasts.
TRANSCRIPT
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቶኒ በርክ ሰልፊ ለይበር ክሳብ 2028 ንምንካይ ጽሩይ ፍልሰት ካብ ደገ ናብ 225,000 ወጢንዎ ዘሎ መደብ ኣፍሊጡ። ንሱ ሓቀኛ ኣድላይነት ምትዕርራይ ኢሚግረሽን እንተሃለወ’ኳ፣ እቲ ክትዕ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይዱ፣ ፍልሰት ኣብ ምቕራጽ’ዛ ሃገር ዝተጻወቶ ተራ ድማ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ’ዩ ኢሉ።
"ዝመጹ ሰባት (ኢሚግረሽን) ከድልየና’ዩ። እዚ ግን ናብ’ቶም ንኣውስትራልያ ዘድልይዋ ብቁጽርን ኣብ መላእ’ቶም ንቑጠባና ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ምድባት ከምዝዓለመ ከነረጋግጽ ጥራይ’ዩ ዘድልየና።"
ሚስተር በርክ ኣብ’ቶም ንግሆ ዝተዘርግሑ ኣሃዛት ጽሩይ ፍልሰት ስግርባሕሪ ወይ ናይ ደገ ኣብ ትሕቲ ሰልፊ ለይበር ዳርጋ ከምዝተፋረቐ፣ ካብ’ቲ ድሕሪ ለበዳ ዝነበሮ ዝለዓለ ቁጽሪ ወሪዱ ናብ 292,000 ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ ዓመት በጺሑ ኢሉ። ንዘይሕጋውያን ዜጋታት ዘይኮኑ ሰባት፣ ተመሃሮ፣ በጻሕቲ፣ ሰብ ሳንጣ (ባክፓከርስ)ን ብሞያ ዝመጹን ወሲኽካ፣ ብዙሓት ክፋላት ሰባት በዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ስልፊ ለይበር እቶም ቁጽርታት መሊሶም ክጎድሉ ዘውጽኦ መደብ ክትንከፉ’ዮም።
"እቶም ንገብሮም ዘለና ለውጥታት፣ ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ቶም ዝበሎ፣ ኣብ ትሕቲ ሰለስተ ኣርእስታት ክጠቓለሉ ይኽእሉ፣ መን ይመጽእ፣ መን ይጸንሕ፣ ከምኡ’ውን መን ይወጽእ።"
ገለ ካብ’ቶም ዝዓበዩ ምጉዳላት ካብ ለውጥታት ኣብ ቅድመ ኩነታት ቪዛ ንናይ ደገ ተመሃሮ ክመጹ’ዮም። ናብ ካልእ ዝለዓለ ኮርስ ወይ ዓይነት ትምህርቲ እንተዘይሰጊሮም፣ እቶም ተመሃሮ ትምህርቶም ምስ ተዛዘመ ካብ ኣውስትራልያ ክወጹ ክህልዎም’ዩ። ንስድራቤታት ተመሃሮ ተባሂሎም ዝወሃቡ ዝነበሩ ካልኣይ ቦታ ቪዛታት ድማ ብዝዓበየ መጠን ክስረዙ ወይ ክተርፉ’ዮም።
"ንናይ ደገ ተመሃሮ ክንገብሮ መዲብናዮ ዘለና፣ ፈለማ እቶም ሕድገታት ወይ ፍሉያት ኩነታት ክሓልፎም፣ ምኽንያቱ ኣገደስቲ ስለዝኾኑ። ንናይ ደገ ተመሃሮ፣ ምስኦም ተተሓሒዞም ዝመጹ ኣባላት ስድራቤት ናይ ደገ ተመሃሮ ወይ ንናይ ምሩቕ ቪዛ ድሕሪ ደጊም ኣይከነፍቅዶምን ኢና። ዝኾነ ስድራቤቱ ምስ’ቲ ቪዝኡ ዝተኣሳሰረ ወይ ዝተተሓሓዘ ሰብ፣ ድሮ ኣብ’ዚ ዘለዉ ነቶም ስድራቤታት ክንብትኖም ኣይኮናን። እቶም ኣብ’ዚ ዝጸንሑ ከም ዘለውዎ ክጸንሑ’ዮም።"
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ናይ ደገ ተመሃሮ ኣውስትራልያ፣ ወይሆንግ ሊያንግ፣ ህሉዋት ተመሃሮ ከመይ ክጽለዉ ወይ ክትንከፉ’ዮም ንጹርነት ክህሉ ይጽውዕ ኣሎ። እቶም ቅቡል ዝኾነ ቪዛ ዘለዎም ተመሃሮ ከም’ቲ ክመጹ’ንከለዉ ዝነበሮም ስድራቤታቶም ናብ’ዛ ሃገር ከምጽኡ ተመሳሳሊ ፈቓድ ወይ ክእለት ክህልዎም ድዩ ኣይኮነን ከይተነጸረ ተሪፉ’ሎ ይብል።
"ንመንግስቲ ነቶም ክሳብ ሎሚ ወይ ክሳብ ዝተወሰነ ዕለት ኣቐዲሞም ቪዛ ዘለዎም ወይ ዝረኸቡ፣ ነቶም ምሕረታት ናይ’ቲ ፖሊሲ ከካትቶም ከስፍሖም ነተሓሳስቦ። እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ’ዩ፣ ምኽንያቱ እቶም ተመሃሮ፣ ንብምሉኦም እቶም ጉዕዞታት ክምድብዎም’ንከለዉ፣ ኣብ’ቶም ናይ ቀደም ፖሊሲታት ተሞርኪሶም ክኾኑ ስለዝኽእሉ።"
ስድራቤታት ናይ’ቶም ሞያዊ ናይ ስራሕ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ተመሳሳሊ ዓይነት ኣተሓሕዛ ኣይኮነን ዘጋጥሞም - ሕጂ’ውን እንተኾነ ንመጻኢ ነቶም ካልኣይ ቪዛታት ክሓቱ ይኽእሉ’ዮም። እዚ እቲ ቁልፊ ወይ ቀንዲ ፍልልይ ምስ’ቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰሙን ዝተዘርግሐ፣ ነቶም ካልኣዊ ቦታታት ዝስርዝን ፍልሰት ሞያዊ ክእለት ዘለዎም ናብ ከባቢ 70,000 ዝቕንስ፣ ፖሊሲ ሰልፊ ዋን ኔሽን’ዩ። ቶኒ በርክ፣ ንክንክን ጥዕና፣ ህንጻ፣ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታትን ምኽባር ሕግን ዘካትት፣ ዝተፈላለዩ ቀዳነት ዝወሃቦም ጽላታት ንምክታት ተባሂሉ፣ እቲ ሞያታት ዝሓዘ ዝርዝር ክሕደስ’ዩ ይብል። እንተኾነ ግን ንሱ፣ ሰራሕተኛታት ስድራቤቶም ከየምጽኡ ምኽልካል ኣንጻር’ቲ ንደልዮ ውጽኢት ክኸውን’ዩ ይብል።
"ምኽንያቱ ኩሎም ድሕሪ ደጊም ስድራቤቶም ከምጽኡ ዘይፍቀዶም እንተኾይኑ፣ ሓደ ዓይነት ሰባት፣ ሓደ ዓይነት ቁጽሪ፣ 70,000 ክህልዉና ኢልና ክንግምት ንኽእል ዲና፧ መጠን’ቶም ናብ ኣውስትራልያ ስድራቤቶም ምስ’ቲ ዘመልከትዎ ቪዛ ተታሓሒዙ ዝመጹ ዶካትር፣ 50%’ዩ። ክንደይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ህንጻ ስድራቤቶም ኣብ’ቲ ናይ ቪዛ መመልከቲኦም ኣትዮም ዝመጹ፧ 50%። ክንደይ ዝኾና ኣለይቲ ሕሙማት ወይ ነርሳትን ኣለይቲ ዓበይትን’የን ስድራቤተን ምስ’ቲ ናይ ቪዛ መመልከቲአን ኣእትየን ዝመጻ፧ ክልተ ሲሶ።"
ካልእ ቀንዲ ምጉዳል፣ ብመንገዲ ዓበይቲ ምትንኻፋት ወይ ምቅይያራት ኣብ’ቶም ምስ’ቶም ባክፓከር ቪዛታት ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝተሓሓዙ ቅድመ ኩነታት ገይሩ፣ ነቶም ክዛወሩ መጺኦም ስራሕ ዝፍቀደሎም (ዎርኪንግ ሆሊደይ ሜከርስ) ዝዓለመ’ዩ። እቶም ዘለዉ ቅድመ ኩነታት ንምስራሕ ኣብ ገጠራዊ ከባቢታት ኣብ ግዜ’ቶም ካልኣይን ሳልሳይን ዓመታት ኣብ’ዚ ምጽንሖም ከምዘለውዎ ክጸንሑ’ዮም፣ እንተኾነ ግን ነቶም ቁጽርታት ንምድራት ተባሂሉ ሓደ (ባለት ሲስተም) ኣሰራርሓ ክስርሓሉ’ዩ። ነቲ ካልኣይ ዓመት፣ ገደብ ናይ 45,000 ቦታታት ክህሉ’ዩ፣ 5000 ድማ ኣብ ሳልሳይ ዓመት - ክልቲኦም ብሓርፋፍ ገምጋም ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ38,000 ዝወሓዱ ክኾኑ’ዮም። ዋና ኣካያዲ ጨንፈር ንግድን ኢንዱስትርን ኣውስትራልያ ኣንድሪው ማክኬላር እቶም ገጠራዊ ከባቢታት ወይ ዞባታት ክታለሉ ጸኒሖም’ዮም ይብል።
“ነቶም ቁጽርታት ንምጉዳል ኢሎም ባለት ምትእትታዎም እቲ መደብ ብዓቢይ መጠን ክንእስ’ዩ ማለት’ዩ። ምጉዳል ኣብ’ቶም ናይ ሳልሳይ ዓመት ቁጽርታት ናብ ዳርጋ ዜሮ ማለት፣ ኣብ’ቲ መደብ ዝህልዉ ሰባት፣ ባክፓከርስ፣ ኣብ ካልኣይ ዓመት ኣብ’ቶም ከባቢታት ምስርሖም ክቕጽሉ ኣዝዩ ኣሸጋሪ፣ ወይ ዳርጋ ክኸውን ዘይክእል፣ ክገብሮ’ዩ ማለት’ዩ።”
ኣብ ናይ በጻሕቲ ወይ ቪዚተር ቪዛታት’ውን ዓበይቲ ምቅይያራት ክህልዉ’ዮም - ምስ ምትእትታዉ ሓደ ‘ድሕሪ’ዚ ዘይምጽናሕ’ ‘ኖ ፈርዘር ስተይ’ ዝብል ቅድመ ኩነት፣ ብቐጥታ ናብ’ቲ ከም መሰጋገሪ ዘገልግል ብሪጂንግ ቪዛ ከይሓልፉ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተወጠነ። ምስ ዝተረሩ ሕግታት ንናይ ደገ ተመሃሮ፣ እዚ ኣካል ናይ’ቶም ‘ቪዛ ሆፒንግ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ጻዕርታት መንግስቲ ከቑሙ’ዮም። ሰልፊ ለይበር ብተወሳኺ፣ ምስ 100 ተወሰኽቲ ምምእዛዝ ዝከታተሉ ኣባላት ፖሊስ፣ ዝተረረ ትግባረ ሕጊ ንምቕጻዕ’ቶም ልዕሊ ዝተፈቕደሎም ግዜ ዝጸንሑ ዝገብር ክደፍኣሉ’ዩ። ተወሰኽቲ 250 ዓራታት ኣብ ኣማራጺ ዝኾኑ መዳጎኒ ቦታታት ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ከም ተኽእሎ ኣብ’ቶም ናይ ቀደም መዳጎኒ መሳለጥያታት ጥቓ መልበርን ዝርከቡ’ውን ዘካትት፣ ክምደቡ’ዮም። ሚኒስተር በርክ ግን ነዚ ናብ’ቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝስራሓሉ ምምእዛዝ ኢሚግረሽ ዘተግብሩ ወይ ኣይስ ዝኽተሎ ኣገባብ ፈተሻ ከምዘይኮነ ከመልክት ይጸዓር ኔሩ።
"እንታይ ክንገብር ኢና ብቐሊሉ ናብ’ቲ ኩሉ ግዜ ቅድሚ 2015 ኣውስትራልያ ትፍጽሞ ዝነበረት ምምላስ’ዩ። እዚ ገለ ሰባት ኣብ ካልኦት ሃገራት ክፍጸም ብቴሌቪዥን ዝረኣይዎ ዓይነት ስርሒት ኣይኮነን።”
ኣቦወንበር ፈደረሽን ቤትምኽርታት ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ፒተር ዱካስ ነቲ ጥማር መግለጺ ብሓፈሽኡ ብሓጎስ ተቐቢልዎ’ሎ። እቲ ሚኒስተር ተራ ፍልሰት ከም መሰረት ዘመናዊት ኣውስትራልያ ኣፍልጦ ምሃቡ ኣተባቢዑኒ ይብል።
“እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ ንምትዕርራይ ፍልሰት ወይ ማይግረሽን ትርጉም ዘለዎ ኣቀራርባ ዝተቐበለ ይመስል። ብሓፈሽኡ፣ ኣብ’ቶም ለውጥታት ኣብ ቪዛታት ተመሃሮ ዝትግበሩሎም ኣገባባት ገለ ሻቕሎታት እንተሃለወና’ኳ፣ ምስ’ቲ ንሕና ኣብ ጠለባት’ዛ ሃገር ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ ኢልና ኣቕሪብናዮ ዝነበርና ንነዊሕ ዝጥምት ኣረኣእያና ዝሰምር ይመስል።”
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ጥምረት፣ ኣንገስ ተይለር፣ ነቶም መንግስቲ ዘተኣታተዎም ለውጥታት ክነቕፎም ኣይደንጎየን። ነቲ ናይ ሕቶታት ግዜ ኣብ ባይቶ ብኸም’ዚ ከፊትዎ።
"ሕቶይ ንቀዳማይ ሚኒስተር’ዩ። ኣብ ትሕቲ ለይበር፣ 1,100 ሰባት መዓልታዊ ኣብ ኣውስትራልያ በጺሖም። እዚ ሓደ ሓድሽ ሰብ ኣብ ነብሲ ወከፍ 78 ካልኢታት ናብ ኣውስትራልያ ዝመጽእ ማለት’ዩ። ለይበር ኣብ ክሕደት’ዩ ዘሎ። ንምንታይ’ዮም ምጉዳላት ንኢሚግረሽን ሎሚ ዘየለዉ፧"
ሰልፊ ጥምረት ክሳብ ሕጂ ናይ ኢሚግረሽን ፖሊሲኦም ኣየፍለጡን፣ ሚስተር ተይለር እቲ ቁጽሪ ካብ’ቲ ናይ ሰልፊ ለይበር ትሕት ዝበለ ክኸውን ከምዝኽእልን ብንጹር ምስ ምዕባለ ኣብ ህንጻ ኣባይቲ ክተኣሳሰርን እንተመልከተ። ቶኒ በርክ ኣብ’ዚ ምትዕርራይ ኪንዮ’ዚ ኣተኣታትይዎ ዘሎ ምኸድኩ ኔረ ይብል፣ ግን ዝከኣል ኣይነበረን፣ ምኽንያቱ ምጽዳቕ እማመ ሕግታትን ደገፍ ካብ ሰልፊ ጥምረት ወይ ሰልፊ ግሪንስ መድለዮ ኔሩ ይብል። ተተካኢ ሚኒስተር ምክልኻል ተቓዋሚ ሰልፊ ጀይምስ ፓተርሰን ተወፋይነት ንትሑት መጠን ማይግረሽን ሰልፊ ለይበር ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዎ።
"ብርግጽ፣ ለይበር ብዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ኣገባብ ቁጽርታት ማይግረሽን ንምንካይ ድሌት ዘይብሉ ምዃኑ ዓቢይ ኣካል ናይ’ቲ ጸገም’ዩ። ግን ብተወሳኪ፣ ብቕንዕና ክንብል እንተኾይንና ከምኡ ክገብሩ ኣብ ምፍታን እቲ ሓቀኛ ቅንዕንኦም ንጠራጠሮ። እቶም ንቕድሚት ዘቕረብናሎም ሓሳባት ብኣልማማ ከምዘለዎ ምንጻጎም እቲ ልቦም ኣብ’ዚ ከምዘየለ ንጹር ኮይኑ’ሎ። ቁጽርታት ማይግረሽን ከጉድልዎም ብሓቂ ከምዘይደልዩ፣ መለክዒታት ማይግረሽን ክብ ከብልዎም ዘይምድላዮም፣ ስለ’ዚ ምስኦም ክትሰርሕ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ።"
ቀቅድሚ መግለጺ ፖሊሲ ለይበር፣ መራሒት ሰልፊ ዋን ኔሽን ፓውሊን ሃንሰን ከም’ዚ ኢላ ኔራ።
"ስለ’ዚ ለይበር ደጊሙ ንህዝቢ ሓስዩ’ሎ። ኣብ ኢዶም ኮፍ ኢሎም። ዋን ኔሽን ነዚ ፖሊሲ ኢሚግረሽን ከውጽኢ ኣገዲድዎም ኣሎ፣ ግን ክሰርሕ ኣይኮነን፣ ስለ’ዚ ኩሉ ትኪን መስትያትን’ዩ፣ ሕጂ’ውን ደጊሙ ለይበር ብሕቡእ ኣጀንዳ ንህዝቢ ምትላሉ ይቕጽሎ’ሎ፣ ኣይኣምኖምን’የ።"
ነቲ ክመጽእ ዝለዓለ ተኽእሎ ዘለዎ ፖለቲካዊ ቅልስ መስመራት ውግእ ሓንጺጽሉ’ሎ።






