Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ንሰልፊ ጥምረት ከም መፈተኒ ኣብ ዝተራእየሉ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን (One Nation) ኣብ ፋረር ተዓዊቱ

One Nation Leader Pauline Hanson, and One Nation Member for Farrer David Farley speak to supporters after winning the Farrer by-election at the party reception in Albury, NSW.

One Nation Leader Pauline Hanson, and One Nation Member for Farrer David Farley speak to supporters after winning the Farrer by-election at the party reception in Albury, NSW. Source: AAP / AAP

ናይ ቀደም ወካሊቶም ዝነበረት ሱዛን ሊይ ካብ ባይቶ ድሕሪ ምስንባታ ኣድመጽቲ ደቡባዊ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፣ ወንበር ፋረር፣ ሓድሽ ኣባል ባይቶ ንምምራጽ ናብ መድመጺ ነቑጣታት ኣምሪሖም። ተንተንቲ እዚ ምድማጽ ነባሪ ሳዕቤን ንሰልፊ ጥምረት ክህልዎ ይኽእል’ዩ ይብሉ።


Listen to Australian and world news and follow trending topics with SBS News Podcasts.

ቅዳሕ (TRANSCRIPT)

ልክዕ ከም’ዞም ኣብ ነብሲ ወከፍ ምርጫ ወለንተኛታት ዝጠብስዎም ግዕዝማት (ዲሞክራሲ ሶውሰጅስ)፣ ሰልፊ ጥምረት’ውን ኣብ ወንበር ፋረር ዘይቅየር ወይ ነባሪ ትካል ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ፋረር 10ይቲ ዝዓበየት ፈደራላዊ ወንበር ባይቶ ኣብ ኣውስትራልያ’ያ፣ እቲ ልዕሊ 126,000 ትርብዒት ኪሎሜትር ስፍሓታ ካብ በዓል ኣይስላንድ፣ ደቡብ ኮርያን ኦስትርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝዓበየት ይገብራ።

ንልዕሊ ሸውዓተ ዕቑዳት ኣባላት ባይቶ ካብ ሰልፍታት ሊበራል ወይ ናሽናልስ ዝኾኑ ጥራይ’ዮም ኣብ’ዚ ክምረጹ ጸኒሖም።

ድሕሪ ሕጂ ግን ኣይፋሉን።

ኣድመጽቲ ኣብ ፋረር ኣብ’ቲ ስሩዕ ዘይኮነ ምርጫ ንመራሒት ሊበራል ነበር ሱዛን ሊይ ኣብ ባይቶ ንምትካእ ድምጾም ሂቦም።

ሰራሕተኛ መድመጺ ነቑጣ: "ቅድሚ ሕጂ ኣብ’ዚ ምርጫ ኣድሚጽኪ ዲኺ፧"

ጓለንስተይቲ: ""ኣይፋለይን፣ ኣየድመጽኩን"

እቲ ውሳነኦም ድማ ብንጹር ኣንጻር ሰልፊ ጥምረት ኮይኑ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ድሕሪ ምዕጻው መድመጺ ነቑጣታት፣ ዝሓለፈ ቀዳም፣ ውጽኢታት ካብ መላእ’ታ ሰፋሕ ዝኾነት ወንበር ባይቶ፣ ሊበራልስ ልዕሊ 30% ካብ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ረኺቦሞ ዝነበሩ ድምጺ ኣንጻሮም ስለዝኸደ ኣይረኸብዎን።

ሕጂ’ውን እንተኾነ ግን ተወዳዳሪት’ቲ ሰልፊ ራይሳ ባትኮውስኪ ዝጠዓሰሉ የብለይን ትብል።

"ርዱእ’ዩ እዚ ውጽኢት ምርጫ ከም’ቲ ኩልና ተተስፊናዮ ዝነበርና ኣይከደን። እንተኾነ ግን ነዚ ተሞክሮ ምርካበይ ክሳብ ሕጂ ኣዝየ የመስግን። ብሓቂ ዝበለጸ ተሞክሮ ናይ ህይወተይ’ዩ ኔሩ፣ ዝቕይሮ ነገር የብለይን።"

ተንተንቲ ቅድሚ’ቲ ምርጫ እቶም ቀዳምነታት ወይ መስርዕ ኣመራርጻ ሰልፍታት (preferences) ነቲ ብዓበይቲ ሰልፍታት ንስማዕ የለናን ኢሉ ኣማሪሩ ብብዝሒ ንኻልእ ዘድምጽ ተራ ህዝቢ ዝምዝምዝ (populist) ሰልፊ ዋን ኔሽን ልዕሊ’ቲ ዝድለ መስመር ከስግሮ ይኽእል’ዩ ክብሉ ግምቶም ሂቦም’ዮም።

እንተኾነ ግን ዝበጽሐ’ቲ ቀዳማይ ተመራጺ ዝውስን (Primary vote) ንሕጹይ ሰልፊ ዋን ኔሽን ደይቪድ ፋርሊ ዝድግፍ ይመስል ኔሩ፣ 42% ካብ’ቶም ድምጽታት ረኺቡ፣ 63 ካብ’ቶም 94 መድመጺ ነቑጣታት ቀዳም ምሸት ዝተዋህለለ ድምጺ ዘረከቡ ማለት’ዩ።

ንሱ ንደገፍቱ ኣብ ኦልበሪ ኣብ ዘስምዖ ስምዒት ዝተሓወሶ መደረ ኣመስጊንዎም።

"ዝዓበየ ዓወት ንዓይ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ይመስለኒ፣ ግን ከኣ ኣዝዩ ዓሚቕ ስምዒት፣ ኣዝዩ ዘሐጉስ ተሞክሮ ዝረኸብክዎ’ዩ። እዚ ዝረኸብክዎ ስራሕ’ዩ፣ ንዓኹም ከኣ ዝሰርሖ’ዩ፣ ንዓኺ፣ ንዓኻ። ኩሉ ክሳብ ፑንካሪ ዝበጽሕ’ዩ፣ ንላዕሊ ክሳብ ሂልስተን፣ ክሳብ ሆልብሩክ፣ ንታሕቲ ክሳብ ጎል ጎል፣ ክሳብ ባልራናልድን ሀይን ሓሊፍካ፣ ወሰነ ወሰን እቲ ዓቢይ ሩባ ማሪ ሪቨር፣ ክሳብ ናይ’ዚ ናብ ኦልበሪ ዝኸውን።"

እታ ብዝለዓለ መጠን ኣማራጺ ንዋን ኔሽን ክትከውን ትኽእል ዝነበረት ብነጻ ትወዳደር ሚሸል ሚልቶርፕ’ያ፣ እንተኾነ ግን እቲ 25% ዝረኸበቶ ድምጺ ኣኻሊ ኣይነበረን።

ሰልፊ ለይበር ተወዳዳሪ ሕጹይ ኣየቕረበን።

እቲ ስምዒት ኣድመጽቲ ኣብ’ቶም ምሉእ መዓልቲ ምርጫ ዝተኻየዱ ናይ ወዝቢ ቃለ መሕትታት መራኸቢ ብዙሃን ርኡይ ኔሩ፣ እዚ ሰብኣይ እቲ ንደይቪድ ፋርሊ ዝመረጸሉ ምኽንያት ንዕኡ ኢሉ’ምበር ንፖለቲካዊ ሰልፉ ኢሉ ከምዘይኮነ ይሕብር።

"ምኽንያቱ ንዕኡ ኣነ ን45 ዓመታት’የ ዝፈልጦ. . . ዘስልጥ ሰብ’ዩ። ነዚ ከባቢ ከዐርዮ’ዩ።"

እንተኾነ ግን ከም’ዚኣ ሰበይቲ ዝኣመሰሉ ኣድመጽቲ’ውን ኔሮም’ዮም፣ እተን ዓበይቲ ሰልፍታት ነቶም ከተማዊ ወንበራቶ ጥራይ’ዮም ዝሓስቡ ኢለን ዝኣምና፣ በዚ ምኽንያት ካልእ ኣማራጺ ደልያ።

ጋዜጠኛ: "ሎሚ ንመን መሪጽኪ ክሓተኪ ይኽእል ዶ፧"

ሰበይቲ: "One Nation."

ጋዜጠኛ: "ንምንታይ፧"

ሰበይቲ: "ምኽንያቱ ለውጢ ስለዘድልየና"

ኣብ’ዚ ወንበር ን23 መዓልታት ጎስጓስ ዘካየደ መራሒ ሰልፊ ናሽናልስ ሰነተር ማት ካናቫን ካልኦት ገጠራዊ ወንበራት ሰልፊ ጥምረት ወሰኽ ደገፍ ሰልፊ ዋን ኔሽን ዘስግአን ኣይኮናን ብምባል ኣብ ፋረር ዝረኣዩ ፍሉያት ኩነታት ስለዘለዉ’ዩ ክብል ይማጎት።

እንተኾነ ግን ንሱ ውሳነ ኣድመጽቲ እንታይ ይኹን ብዘየገድስ ብጽቡቕ ክቕበሎ ተዳልየ ኔረ ይብል።

"ከይፈተኹ ክቕበሎ’የ፣ እቲ ውጽኢት እንታይ ይኹን ብዘየገድስ፣ ምኽንያቱ እቲ ርእይቶን መልሲን ክንቅበሎ ኣለና። ሰባት ለውጢ ከምዝደለዩ ድማ ይርደኣኒ’ዩ።"

እዚ ከም’ዚ’ሉ’ንከሎ ኣካቢ ርእይቶ ህዝቢ ሬድብሪጅን ናይ ቀደም ስትራተጂስት ሰልፊ ሊበራል ነበርን ቶኒ ባሪ፣ ዓወት ሰልፊ ዋን ኔሽን ዘርእዮ፣ እዚ፣ ካብ’ቶም ብዓበይቲ ሰልፍታት ንስማዕ የለናን ኢሉ ኣማሪሩ ብብዝሒ ንኻልእ ዘድምጽ ተራ ህዝቢ ዝምዝምዝ (Populist) ሰልፊ፣ ሓያል ሓይሊ ኣብ ምርጫ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራዊ ከባቢታት፣ ከምዝኸውን’ዩ ኢሉ።

መራሒት ዋን ኔሽን ፓውሊን ሃንሰን ምስ’ዚ ዝበሎ ዘየሰማምዕ ከምዘይብላ ንመደበር ቴሌቪዥን ቻነል ናይን ሓቢራ።

"እዚ ምርጫ ነጥበ መቐይሮ ንኣውስትራልያ ክኸውን’ዩ፣ ምኽንያቱ እዚ ወንበር ናይ ፈለማ ሰልፊ ዋን ኔሽን ወንበር ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ዝረኸበሉ ክኸውን ስለዝኾነ።"


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now