Yasin Musa (SBS Tigrinya) Source: Yasin Musa (SBS Tigrinya)ከምዝፍለጥ እዚ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ናይ ጾም ረመዳን ዝጾሙሉ ወርሒ እዩ። በዚ ድማ ኣመንቲ ጸሓይ ካብ ትበርቀሉ ክሳብ ትዓርበሉ ኣብ ስግደትን ጾምን ይርከቡ። ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ኣናህዳ ብ 17 ሰነ ናይ ኢፍጣር ስነ-ስርዓት ብምድላው ንዝተፈላለዩ ወገናት ዓዲሙ ናይ ድራር ሚሸት እንግዶት ገይሩ ነይሩ። ማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ጀበርቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ምስናይ ሓደ ማሕበረኮም ቱርኪ ኣብ መልበርን ብምዃን ብተመሳሳሊ መገዲ ብምኽንያት ጾም ረመዳን ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተዓደምሉ ሰብ መዚ መንግስቲ ቪክቶርያ ዝተሳተፍዎ ብሰንበት ዕለት 18 ሰነ ናይ ድራር ሚሸት ኣዳልዩ ነይሩ። ንሕናውን ወግዓዊ ዕድመ ተገይሩልና ተሳቲፍና ነይርና፡፣ ነቲ ስነ-ስርዓት ዝምልከት ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ ዝኾነ ኣቶ ያሲን ሙሳ ኣዛሪብናዮ ከምዚ ኢሉና።
ከምዝፍለጥ እዚ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ናይ ጾም ረመዳን ዝጾሙሉ ወርሒ እዩ። በዚ ድማ ኣመንቲ ጸሓይ ካብ ትበርቀሉ ክሳብ ትዓርበሉ ኣብ ስግደትን ጾምን ይርከቡ። ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ኣናህዳ ብ 17 ሰነ ናይ ኢፍጣር ስነ-ስርዓት ብምድላው ንዝተፈላለዩ ወገናት ዓዲሙ ናይ ድራር ሚሸት እንግዶት ገይሩ ነይሩ። ማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ጀበርቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ምስናይ ሓደ ማሕበረኮም ቱርኪ ኣብ መልበርን ብምዃን ብተመሳሳሊ መገዲ ብምኽንያት ጾም ረመዳን ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተዓደምሉ ሰብ መዚ መንግስቲ ቪክቶርያ ዝተሳተፍዎ ብሰንበት ዕለት 18 ሰነ ናይ ድራር ሚሸት ኣዳልዩ ነይሩ። ንሕናውን ወግዓዊ ዕድመ ተገይሩልና ተሳቲፍና ነይርና፡፣ ነቲ ስነ-ስርዓት ዝምልከት ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ ዝኾነ ኣቶ ያሲን ሙሳ ኣዛሪብናዮ ከምዚ ኢሉና።