Abuna Anthenos (Eri) Source: Abuna Anthenos (Eri)መንግስቲ ፈረንሳ፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ። እቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ፡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፡ እቶም 89 ዓመት ዝዕድመኦም ኣቡን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምጥቃስ፡ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ከምዘይረኽቡ ኣገንዚቡ። መግለጺ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ መወዳእታ፡ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዘለዉዎ ሃለዋት፡ ሰበ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ንመሰል ሃይማኖት ወሲኽካ መስረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ይግህሱ ከምዘለዉ ዘረጋግጽ'ዩ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣቡን ክፍትሑ ጸዊዑ።
መንግስቲ ፈረንሳ፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ። እቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ፡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፡ እቶም 89 ዓመት ዝዕድመኦም ኣቡን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምጥቃስ፡ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ከምዘይረኽቡ ኣገንዚቡ። መግለጺ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ መወዳእታ፡ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዘለዉዎ ሃለዋት፡ ሰበ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ንመሰል ሃይማኖት ወሲኽካ መስረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ይግህሱ ከምዘለዉ ዘረጋግጽ'ዩ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣቡን ክፍትሑ ጸዊዑ።