ባይቶ ንልደት/ክሪስማስ ቅድሚ ንዕረፍቲ ምውጽኡ ሕጊ መርዓ ንምቕያር ቀዳማይ ሚኒስተር ማልከም ተርንቡልን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቢል ሾርተንን ድፍኢት ኣብ ዝገብርሉ ዘለው እዋን መርዓ ተመሳሳሊ ጾታታት ሕጋዊ ዝገብር ሓደ እማመ ኣብ ሰነት/ላዕለዋይ ባይቶ ክትዕ ክግበረሉ ጀሚሩ’ሎ። ዳርጋ 62% ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ብፖስጣ ዝተላእከ መሕተቲ ቅጥዒ መርዓ ኣብ መንጎ ተመሳሳሊ ጾታታት ሕጋዊ ክኸውን መሪጾም። እቲ ‘እወ’ ዝብል ድምጺ ኣብ ኩለን ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ኣውስትራልያ ብዓብላሊ ተዓዊቱ። ዝሓለፈ ሓሙስ ላዕለዋይ ባይቶ ዝበዝሕ ክፋል ናይ’ቲ መዓልቲ ብሰነተር ዲን ስሚዝ ዝቐረበ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታታት ሕጋዊ ንክኸውን ክግበረሉ ዝኽእል ምትዕርራያት ንምግባር ዝዓለመ እማመ ኣብ ምክታዕ ኣሕሊፍዎ።
Share






