ኣርእስታት ዜና፡ መበል 29 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ወጻኢን ኣብ ዉሽጢን ብዝርከቡ ኤርትራዊያን ከምኡውን መበል 1441 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብኣመንቲ እስልምና የመን ሆስፒታላት ዝሓመሙ ክቕበላ ዓቕሚ ሲኢነን ብዙሕ ሰብ ይመውት ብምህላዉ መቓብራት የዕለቕልቑ ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ክፍለግዝ ኣታት ኣውስትራሊያ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ተጌሩ ዝጸንሐ ቀይዲታት ከፍኩሳሉ ጀሚረናሉ ዘለዋ ሸለልታ ከይህሉ ምሕጽንታ ቐሪቡ።
Share






