ኣርእስታት ዜና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብኮርናቫይረስ ዝሞቱ 11 ዝሓመሙ ከኣ 1117 በጺሑ፡፡ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ን ሱዳንን ዝወረደ መጉዳእቲ ሓዘን ከም ዝተሰምዖ ገሊፁ፡፡ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን አምነስቲ ኢንተርናሽናል ንዘውፅኦ ፀብፃብ ነፂጎሞ፡፡ ካልኦት 11 ሓደሽቲ ሰባት ኣብ ኦሮምያ ከም ዝተቐትሉ ይግለፅ ኣሎ፡፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ንኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ተወሲዶም ዝጸንሑ ስጉምቲታት እገዳ ኣብ ተወሳኺ ምፍኳስ ይግበር ኣሎ። ኣብ መላእ ኣመሪካ ተወሊዑ ዘሎ ማዕበል ተቓዉሞ ቀጺሉ
Share






