ኣጠቓቕማ ናይ ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና፡ መዲኬር (መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Medicare – Source: AAP
መዲኬር (Medicare)፡ ብመንግስቲ ዝምወል ኣብ ኣውስትራሊያ ንኹሉ ናይ ነጻ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህብ ስርዓት’ዩ። ናይዚ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ክኾኑ ዝግብኦም፡ ከም ኣብ ሆስፒታል ብነጻ ደቂስካ ምሕካም፡ ሕሱር ዋጋ መድሃኒታትን ዝበሉ ብዙሕ ኣገልግሎታት ሕክምና ትረኽበሉ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ እዚ ኣገልግሎት ከመይ ይሰርሕ፡ መን’ዩ በዚ ኣገልግሎት ክጥቀም ዝግብኦን ብኸመይ ትምዝገብን ክገልጽ እዩ።
Share