ኣብ እዋን ጽድያ ረስንን ኣዝማን ፥ወቕቲታት ኣብ ዝቕየረሉ ቁጥዐ ወይ ኣለርጂ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፡

Woman suffering from spring allergy, blowing nose with a tissue in the park

What are the common symptoms of hay fever and asthma? Credit: Milshot/Getty Images

ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ፡ መሬት ክትመውቕ ትጅምር፡ ኣትክልቲ ይዕምብቡን ነዊሕ መዓልትታትን ይመጽእ ፣ በዚ ከኣ ዝለዓለ ቝጽሪ ናይ ካብ ዕምባባ ዝመጻ ጨና ፖለን ዝፍጠረሉ እዩ ። ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣውስትራሊያዊያን እዚ ማለት ምጅማር ናይ ልዑል ረስኒን ቁጥዐ ሰውነትን ዘስዕብ ኣዝማን ምህላው ማለት እዩ ።


    ውርሒ ጽድያ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ፡ ሳዕርን ኣእዋምን ኣትክልትን ፖለን ናብ ኣየር ይፍንዉ ። እዚ ከኣ ነቶም ብቐሊሉ በዚ ዝትንከፉ ሰባት ፡ ናይ ሰውነት ምክልኻል ባእታ ከምዝነቅሕ ይኸውን እሞ ረስኒ ወይ ኣዝማ የስዕብ ።
    ናይ ምስትንፋስን ቁጥዐን ሓኪም ኣብ ሃገራዊ ማእከል ኣለርጂ ኣሶሼት ፕሮፈሰር ጆይ ሊ ፡ ብዛዕባዚ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትገልጽ ፥
    "ናይ ሳዕሪ ሓሩጽ ዕምባባ ወይ ግራስ ፖለን ኣለርጂክ ርሂኒቲስ እዩ ፣ ብርቱዕ ረስኒ ከምኡ 'ውን ወቕታዊ ቁጥዐ ኣዝማ ዘስዕብ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ። ብሓባር ከኣ ፡ እዚ ቝጥዐ ኣካላት ተባሒሉ ይፍለጥ ። ኣስታት ርብዒ ካብ ህዝቢ ኣውስትራሊያ በቲ ልዑል ረስኒ ዝተጸልዉ ኮይኖም ኣስታት 10 ሚኢታዊት ድማ ኣዝማ ኣለዎም ። እዞም ክልተ ቅድመ ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ ጎኒ ንጎኒ ዝኸዱ ስለ ዝዀኑ ፡ ሓደኡ እንተ ኣልዩካ ፡ በቲ ካልኣይ ክትተሓዝ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎካ "።
    ኣብ ከም ቪክቶርያ: ኒው ሳውዝ ዌልስ: ከምኡውን ኣብ ናይ ኣውስትራልያ ርእሰ-ከተማ ተሪቶርይ ኣብ ዝኣመሰላ ደቡባዊ-ምብራቓዊ ግዝኣታት ብርቱዕ ረስኒ ከምጽእ ዝኽእል ቀንዲ ጠንቂ ናይ ርየግራስ ዝበሃል ኮይኑ ፣ እዚ ናብ ረስኒ ልዑል ረስኒ ዘምርሕ ካብ መስከረም ክሳዕ ጥሪ ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ ዝኽሰት እዩ ፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ድማ እቲ ዝለዓለ ዝኽሰተሉ ወርሒ እዩ ።
    " ከም ኲንስላንድ ዝበሉ ኣብ ካልእ ክፋላት ኣውስትራልያ ፡ ዝያዳ ትሮፒካዊ ሳዕርታት ክህሉ ይኽእል እዩ ፣ ኣብዚ እቲ ሓሩጭ ዕምባባ ኣብ ሓጋይ ክሳዕ ለካቲትን መጋቢትን ኣብዘሎ ወቕትታት ክብተን ክኸውን ይኽእል እዩ" ትብል ፕሮፌሰር ሊ ።
    Allergies.jpg
    Dr Duncan Mackinnon, Micaela Diaz, Professor Joy Lee.

    እቶም ልሙዳት ምልክታት ልዑል ርስንን ኣስማን ኣየኖት እዮም?

    ልሙድ ምልክታት ረስኒ ሰብነት ፡
    • ምህንጣስን ጸረርታ ንፋጥ ኣፍንጫን
    • ሳሓን ማይ ዝመልአ ዓይኒ
    • ምዕፋን ሳይነስን ሕማም ርእስን
    • ድኻም
    ንጥረ ነገር ፖለን ወይ ሓሩጭ ዕምባባ ናብ ሳምቡእ እንተበጺሑ ምልክታት ኣዝማ ከጋጥሙ ይኽእሉ:
    • ቀጻሊ ምስዓል
    • ከተተንፍስ ከለኻ ሕርግርግ ዝብል ድምጺ 
    • ሕጽረት ምስትንፋስ
    • ምዕባስ ኣፍልቢ 
    ኣብ ብሪዝቤን ነባሪት ዝኾነት ሚካኤላ ዲያዝ ነቲ ጽልዋ ብከምዚ ትገልጾ:
    "እቲ ምልክታት ሕዱር ሕማም እዩ ። ከም ሓቂ ካብ ገዛ ዘይወጽእ ዝገብርን ካብ ናይ ቆርበት ምሕካኽን ቁስሊን ፡ ምህንጣስን ምስዓልን ፡ ከምኡ "ውን ብዙሕ ናይ ሳይነስ ምልክታት ፡ ዝተዓጽወ ኣፍንጫ ፡ ማይ ዝቛጽር ኣዒንቲ ፡ እዚ ዓይነት ሕማም ሓደ ሓደ ሓደ ግዜ ቁሩብ ናይ ዞምቢ ከም ትመስል ይገብረካ ።"
    Mother helping asthmatic son
    A mother and son are sitting together in a living room. She is helping him take his puffer because he suffers from asthma. Credit: FatCamera/Getty Images

    ነቲ ወቕታዊ ቝጥዐ ኣካላት ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ?

    ንሓያሎ ሰባት ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ዘጋጥም ቊጥዐ ኣካላት ልዕሊ ዓቕሞም ኰይኑ ኽስምዖም ይኽእል እዩ ። ኣቐዲምካ ግን ምልክታት ሕማም ክትቈጻጸር ትኽእል ኢኻ ።
    ሚኪኤላ ነቲ ትኽተሎ ስትራተጂኣ ብኸምዚ ኣካፊላ ፡ "ናብ ጽድያ ክንኣቱ እንከለና ፡ ቅኑዕ መድሃኒት ቅሩብ ከም ዘለኒ የረጋግጽ ፡ ከምኡ 'ውን ንኣሽቱ ነገራት ከም ምቅይያር መዓስን ኣበይን ከም ንፋስ መሳዅተይ ክኸፍት ። ክዳን ምሕጻብ ወይ ኣብ ክንዲ ምስጣሕ ናብ ቤት ሕጽቦ ምውሳድን ምንቃጽን ። እዚ ነቲ ሓደጋ ንምንካይ ጥራይ እዩ ዘገልግል "በለት ።

    ንረስኒ ዓይንን ኣዝማን እንታይ ዓይነት ሕክምና ኣሎ ?

    ሓፈሻዊ ሃኪም ዶንካን ማኪኖን ካብ ዞባ NSW ከም ዝገለጾ ፡ ኣብ እዋን ጽድያን ሓጋይን ርብዒ እቲ ክሊኒካዊ ስርሑ ቍጥዐ ኣካላት ናይ መተንፈሲ ቁጠዐን ዝሓመሙ እዩ ዝመልእ ።
    "መብዛሕትኡ እዚ ሕክምና እዚ ፡ ካብ ኣብ ከብሒ ፋርማሲ ዝርከቡ መድሃኒታት ዝሕከም ሕማማት እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ንሰባት ንዅነታቶም ባዕሎም ኽቈጻጸርዎ ምምሃር እዩ "በለ ።
    ዶክተር ማኪኖን ፡ ገለ ካብ ኣማራጺታት ሕክምና ፡ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል ፦
    ብቕልጡፍ ካብ ልዑል ረስኒ ንምንጋፍ ጸረ-ኣስማ (ከኒናታትን ስፕረይን)
    Decongestants (ንሓጺር ግዜ ጥራይ ምጥቃም) ንዝተዓጽወ ኣፍንጫ ንምኽፋት ይጠቅም፡
    ቨንቶሊን ብትንፋስ ዝስሓብ ን ኣዝማ ህጹጽ ረድኤት ንምርካብ ይሕግዝ፡
    ነድሪ ንምንካይ ዝሕግዝ ንኮርቲዶተሮይድስ (ብ ኣፍንጫ ሰሓብ) ቅድሚ ዝለዓለ ወቕቲ ክውሰድ ተመራጺ እዩ ።
    ዝተፈላለዩ ናይ መመርመሪ መርመራን ፍወሳን ምልክታት ከከም ክብደት ናይ ምልክታት ቁጥዐ ኣለዉ ።
    "ናብ ከም ፍሉያት ኪኢላታት ኣለርጂስት ወይ ኢሚኖሎጂስት ፡ ፍሉይ ሕክምና ንምርካብ ክትለኣኽ ወይ ሪፈር ክትበሃል ትኽእል ኢኻ፣ ኣብኡ ድማ ዝያዳ መርመራ ክትገብር ትኽእል ፣ " ትብል ፕሮፌሰር ሊ ።

    ኢሚኖተራፒ ( immunotherapy) እንታይ እዩ?

    ኢምኖተራፒ ዝበሃል ፍወሳ ቁተዐ ወይ ኣለርጂ ከስዕብ ዝኽእል ንእሽቶ ዓቐን ወይ ዶዝ ትወስድ እሞ ናይ እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕምኻ ክለማመዶ ይገብር ። ከምቲ ፕሮፌሰር ሊ ትገለጾ ፡ "እዚ ንሰባት ብን ኡስ ዓቐን ንህቦም፡ ሰባት ናብ ኣለርጂ ምስተቓልዑ ኣብ ክንዲ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ብሉዑል መጠን ግብረ መልሲ ዝህብ ነቲ ኩነታት ሰብነቶም ተለማሚድዎ ክጸንሕ ፡ ብዉሑድ መጠን ኢና እንህቦም ። "
    Close-up of a car windshield covered in pollen and flower petals, symbolizing the accumulation of allergens during the spring season.
    Close-up of a car windshield covered in pollen and flower petals - the accumulation of allergens during the spring season. Source: iStockphoto / Manuel Milan/Getty Images

    ኩነታት ኣየር ንቁጥዐ ክጸሉ ይኽእል ዶ?

    እወ: ናይ ዕማባባታት ሓሩጭ ወይ ፖለን መዓልታዊ ይፈላለ እዩ ከምኡውን ብኩነታት ኣየር ይጽሎ እዩ ። ትንቢት ኩነታት ኣየር ብኦንላይን ኰነ ብሞባይል ኣፕሊኬሽን ፡ እቲ ኩነታት ኣየር ናይቲ መዓልቲ ከም ደሓን ፡ ማእከላይ ፡ ከቢድ ፡ ወይ ክቱር ምዃኑ ክፍለጥ ይከኣል ዩ።
    ህቦቡላ እውን ቊጥዐ ኣካላት ስለ ዘጋድዶ ፡ ህቦቡላዊ ኣዝማ የለዓዕል እዩ ።
    ዶክተር ማኪኖን ፡ "እዚ ብርቱዕ ህቦብላ እዚ ፡ ማለት ራህዲን ምዉቕን ወቕቲን ንፋስን እዩ ። ፖለን ብብዝሒ ናብ ኣየር ከም ዝወጽእ ይገብር ። ኣብ ተኣፈፍቲ ሰባት: እዚ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ "በለ ።
    ኣብ ዚ ከምዚ ዝበለ መዓልትታት ወይ ኣብ እዋን ህቦብላ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ዶክተር ማኪኖን ከምዚ ዝስዕብ ይመክር ፦
    • መሳዅትን መዓጹን ምዕጻው
    • ካብ ግዳም ምውጻእ ኣወግድ
    • ኣብ ግዳም እንተኣሊኻ መነጸር ወይ ማስኬራ ምግባር

    ኣብ ወቕቲ ቝጥዐ ኣካላት ፡ ንምክልኻል ከመይ ጌርካ መደብ ክትዳሎ ትኽእል ?

    ምድላው ኣገዳሲ እዩ ። ፕሮፌሰር ሊ ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ምልክታት ሕማም ኣብ ታሪኽካ እንተ ኣልዩካ ፡ ውጥን ምእንቲ ክህልወካ ፡ ምስ ጂ.ፒ.ኻ ዝግበር ምምኻር ጠቓሚ እዩ" ብምባል ትምዕድ ።
    ናይ ምሕደራ ውጥን ነዚ ዝስዕብ ከጠቓልል ይኽእል ፥
    • መድሃኒት መከላኸሊ ኣቐዲምካ ምጅማር
    • ካብቲ ቃንዛን ሕማምን ዝግ ዘብለልካ መድሃኒት ድሉው ምግባር 
    • መዓልታዊ ትንቢት ኩነታት ፖለን ምክትታል
    ሚኪኤላ ዋላ እኳ ኣብ ጸገም እንተ ሃለወት ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ ፦
    "ንሓንሳብ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ.. ግን ደሓን እዩ - በይንኻ ኣይኰንካን ዘለኻ። ነዚ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ ፣ ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ ። ንዓኻ እንታይን ኣየናይን ከም ዝሰርሓልካ ንኽትፈልጥ ግዜ ይወስድ እዩ "በለት ።
    ብ ቑጥዐ ወይ ኣለርጂ ዝሳቐዩ ጠቓሚ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ክረውኽቡ ይኽእሉ እዮም።
    እቲ ኣብዚ ትሕዝቶ ተገሊጹ ዘሎ ሓበሬታ ሓፈሻዊ ኮይኑ ንዝተወሰነ ሰብ ዓሊሙ ዝተዋህበ ምኽሪ ኣይኮነን ። ብዛዕባ ናይ ልዑል ረስኒ ፣ ኣዝማ ወይ ናይ ቁጥዐ ምልክታት ዘተሓሳስበኩም እንተኾይኑ ፣ ንኩነታትኩም ዝምልከት ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ሓኪምኩም ወይ ካብ ፋርማሲስትኹም ምኽሪ ክትሓቱ ይግባእ ። ኣብ እዋን ህጹጽ ጸገም ቀልጢፍኻ ን ሰለስተ ዜሮ (000) ደውል ።
    Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

    Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au

    Share
    Follow SBS Tigrinya

    Download our apps
    SBS Audio
    SBS On Demand

    Listen to our podcasts
    Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
    Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
    Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

    Watch on SBS
    SBS World News

    SBS World News

    Take a global view with Australia's most comprehensive world news service