ዋጋ ነዳዲ ርጉእ ኣብዘይኮነሉን ብዙሓት ኣሽከርከርቲ ድማ ብዝሓሰረ መማረጺ ክጓዓዙ ይደልዩ ኣብዘለውሉ ናይ ኤለክትሪክ ማካይን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ መንገድታት ግኑናት ኮይነን ኣለዋ። ናብ ናይ ኤለክትሪክ መኪና ክትልውጥ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ ክትፈልጦም ብዛዕባ ዘለዉኻ ነገራት ኣብዚ ቀሪቦም ኣለዉ ።
- ናይ ኤለክትሪክ መኪና ኣብ ኣውስትራሊያ ክነይ'ዩ ዋጋአን?
- ብ ኤለክትሪክ ማኪና ምዝዋር ሕሱር ድዩ?
- ናይ ኤለክትሪክ ማኪና ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ይጓዓዛ?
- ናይ ኤለክትሪክ ማኪና ኣብ ገዛ ሓይሊ ክትመልኣ (ቻርጅ ክትገብራ) ይከኣል ድዩ?
- ቅድሚ ካልኣይ ኢድ ናይ ኤለክትሪክ ማኪና (EV) ምግዛእካ እንታይ ክትገብር ኣለካ?
ኣብ ሚያዝያ 2026 ዝወጸ ናይ ኢንዱስትሪ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ናይ ኤለክትሪክ ማኪና (EV) ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝተሸጣ ካብ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ማካይን ሓደ ናይ ኤለክትሪክ ማኪና እዩ ። መሸጣ እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ግን ናይ ዓቕሚ ሕቶ እናቕረበ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ፡ ብተወሳኺ ምዝዋር ናይ ኤለክትሪክ ማኪና (EV) ናይ ኣውስትራሊያ ማኪና ምምራሕ ኩነታት ዝዝሰማማዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ሕቶ ይለዓል ኣሎ ።
ናይ ኤለክትሪክ መኪና ኣብ ኣውስትራሊያ ክነይ'ዩ ዋጋአን?
ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ማካይን ንምግዛእ ካብ ናይ ነዳዲን ናፍታ መካይንን ንላዕሊ ክትገዝአን ይኸብራ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስዊንበርን ፕሮፌሰር ቴክኖሎጂ ን ቀጻልነት ዝዀነ ሑሴን ዲያ ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዝያዳ ዓቕሚ ዘፍቅዱ ሕስር ዝበላ ሞዴላት ከም ዘለዋ ገለጸ ።
"ቅድሚ ሰለስተ ፡ ኣርባዕተ ዓመት ፡ ካብ 50,000 ዶላር ንታሕቲ ናይ EV መኻይን ክንረክብ ንጽገም ነበርና ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዝርከቡን ብመንግስቲ ብዝግበሮ ስጉምትታትን እውን ዝሓሰሩ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም "።
ከምኡ "ውን ኣሽከርከርቲ ከከም ዝነብሩሉ ከባቢ ናይ መንግስቲ መተባብዒ ንክረኽቡ ይፍቀደሎም ይኸውን ።
ከምኡ "ውን ዝፍቀደሎም ሰራሕተኛታት ብናይ ደሞዝ ፓኬጅ ናይ ግብሪ ምጉዳል ክረኽቡ ይኽእሉ ።
ኣብ ክለብ ሮያል ኣውቶሞቲቭ ወስተርን ኣውስትራልያ ፡ ኣሌክስ ፎረስ ፡ ማናጀር ነዳድን መኻይንን ብዛዕባ እዚ ከምዚ ይብል ፦
"novated lease እንተ ኣልዩካ ፡ ካብቲ ቀረጽ እተወሰነ መጠን ኸተምልስ ትኽእል ኢኻ ። ስለዚናይ ሓሙሽተ ዓመት ን ኣብነት ዓመት ንዓመት ኣሽሓት ዶላራት ከድሕነካ ይኽእል እዩ። "
ብ ኤለክትሪክ ማኪና ምዝዋር ሕሱር ድዩ?
ምስ ናይ ነዳዲን ናፍታ መካይን ክወዳደር እንከሎ ፣ ብ EVS ምዝዋር ብሓፈሽኡ ዝሓሰረ እዩ ።
መራሕቲ ማካይን ፡ ካብቲ ኣብ ዓመት ዝኽፈል ወጻኢታት ነዳዲ ፡ ክሳዕ 70 ሚእታዊት ፡ ካብ ወጻኢታት ሰርቪስ ድማ 40 ሚእታዊ ከድሕኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት ።
ፕሮፈሰር ዲያ ፡ ዝተሓተ ናይ ኤሌትሪክን ናይ ሰርቪስ ወጻኢታትን ምስ ግዜ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይገልጽ ።
ናይ ኤሌትሪክ መኻይን ካብ ናይ ነዳዲ ብመጠን ኪሎሚተር ኣዝዩ ዝሓሰረ እዩ.. ናይ ኤሌትሪክ መኻይን ድማ ብሜካኒካዊ መዳይ ዝቐለለ ስለዝኾነ እቲ ናይ ሰርቪስ ወጻኢታት እውን ዝተሓተ እዩ ።Hussein Dia
ብሓፈሻኡ ፡ ኣብ ገዛኻ ቻርጅ ምግባር፡ ካብቲ ኣብ ህዝባዊ መዐደሊታት ቻርጅ ምግባር ዝሓሰረ ስለ ዝዀነ ፡ ካብቶም ኣብ ህዝባዊ መዐደሊታት ብብዝሒ ዚውከሉ መራሕቲ ማካይን ዝተሓተ ወጻኢታት ከኽፍሎም ይኽእሉ እዩ ።
ናይ ኤለክትሪክ ማኪና ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ይጓዓዛ?
ፕሮፌሰር ዲያ ፡ ብዙሓት ናይ EV ሞዴላት ፡ ኣብ ሓደምምላእ ወይ ቻርጅ ምግባር ካብ 400 ክሳዕ 500 ኪሎሜተር ክጐዓዙ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ ።
እንተዀነ ግን: ነዊሕ ርሕቀት ንምጕዓዝ መደብ ምውጻእ ዝሓትት እዩ ።
"ናብ ዞባታት ኣሻሓት ኪሎመተራት ትጓዓዝ እንተኾይንክኣ ፈጣን መምልኢ ከይትረክብ ትኽእል ። "ይብል ።
ናይ ኤለክትሪክ ማኪና ኣብ ገዛ ሓይሊ ክትመልኣ (ቻርጅ ክትገብራ) ይከኣል ድዩ?
ብዙሓት ወነንቲ ናይ ኤለክትሪክ መካይን ፡ ንመካይኖም ኣብ በቶም በቲ ንቡር ናይ ኤለክትሪክ ሶኬት ቻርጅ ንምግባር ይመልኡ እዮም ።
ኣሌክስ ፎረስረስ ፡ እዚ ነቶም ኣብ መዓልቲ ሓጺር ርሕቀት ዝዝውሩ ሰባት ክኾኖም ይኽእል እዩ ።
"ኣብ ናይ ጐደናታት ደው መበሊ መኻይን፡ ኣብ ጋራጅኻ ወይ በቲ ገመድ ኤለክትሪክ ከም እትጥቀም ዘጠራጥር ኣይኰነን ።"
ነዊሕ ርሕቀት ዝጐዓዙ መራሕቲ ማካይን ግና፡ ኣብ ገዛ ዝትከል መምል ኢ ወይ ቻርጅ መግበሪ ብምትካል ተረባሕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ።
ኣብ ኣፓርታማ ዝነብሩ ሰባት ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ቻርጀር ቅድሚ ምትካሎም ፡ ካብ ዝምልከቶ ናይ ስትራታ ኣካላት ፍቓድ ክረኽቡ የድልዮም ይኸውን ።
ቅድሚ ካልኣይ ኢድ ናይ ኤለክትሪክ ማኪና (EV) ምግዛእካ እንታይ ክትገብር ኣለካ?
ናይ ኣውስትራሊያ ካልኣይ ኢድ ወይ ሓዳሽ ዘይኮና ናይ ኤለክትሪክ መኻይን ዕዳጋ ብተዛማዲ ገና ሓድሽ እዩ ፡ እንተኾነ ኣብ ጥቕሚ ዝጸንሓ ሰከንድ ሃንድ ናይ ኤለክትርኢክ መኻይን ምግዛእ ወይ ምጥቃም ርእሰ ምትእምማን ይውስኽ ኣሎ ።
ተጠቀምቲ ቅድሚ ምግዛእ ፡ ናይ ባትሪ ዉህስነት ወይ ዋራንቲ ፡ ናይ ሰርቪስ ኣማራጺታትን ድሕሪ መሸጣ ዘሎ ኩነታትን ክፍትሹ ከም ዘለዎም ክኢላታት ይመኽሩ ።
ሚስተር ፎረስት ከምዝብሎ ተጠቀምቲ ናይ ዋንነት ተመክሮታትን ናይ ማኪና ግምገማ (car reviews) ክገብሩ ከምዘለዎም ይምዕድ ።
"ኣብ ናይ ማኪና ግምገማ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ሰባት ብዛዕባ ናይቲ ዋና ናይታ ማኪና ዝንበረ ተመክሮ እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ግምት ብምእታው ምርምር ትገብር ፣... ነቲ ክትከፍሎ ዝደለኻ ዋጋ ብልክዕ ትፈልጦ ከም ዘለኻ ኣረጋግጽ ፣ ንድሌታትካ እውን ዝሰማማዕ ምዃኑ'ውን ኣረጋግጽ ።"
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au






