Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ኣብ ኣውስትራልያ ንጥዕና ክትጻወቱ ይኹን ኣብ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ክትጥርነፉ ምስ ትደልዩ ከመይ ትጅምሩ፧

Women compete in a football match
There are football programs for young and old in Australia. Credit: Catherine Ivill/Getty Images

ዋንጫ ዓለም ፊፋ ንዓለም ዝጥርንፍ ወይ ናብ ሓደ ዘምጽእ'ዩ ዝብል ክንሰምዕ እንከለና ምግናን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝኾነ ስፖርት ተባሂሉ'ዩ ዝፍለጥ። እንተኾነ ግን ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንበሪ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ መጻወቲ ሜዳታትን ንኣሽቱ ከባብያዊ ክለባትን'ዩ ብልክዕ ዝጅምር፡ በቶም ካብ ኩሉ ዕድመን ዓቕምን ዝኾኑ ተራ ተጻወቲ። ሓደ ካብ'ዚኦም ክትኮኑኑ ትኽእሉ ኣብ'ዚ [ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ] ትሕዝቶ ተገሊጾም ኣለዉ።


Published

By Melissa Compagnoni

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS




Share this with family and friends


ዋንጫ ዓለም ፊፋ ንዓለም ዝጥርንፍ ወይ ናብ ሓደ ዘምጽእ'ዩ ዝብል ክንሰምዕ እንከለና ምግናን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝኾነ ስፖርት ተባሂሉ'ዩ ዝፍለጥ። እንተኾነ ግን ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንበሪ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ መጻወቲ ሜዳታትን ንኣሽቱ ከባብያዊ ክለባትን'ዩ ብልክዕ ዝጅምር፡ በቶም ካብ ኩሉ ዕድመን ዓቕምን ዝኾኑ ተራ ተጻወቲ። ሓደ ካብ'ዚኦም ክትኮኑኑ ትኽእሉ ኣብ'ዚ [ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ] ትሕዝቶ ተገሊጾም ኣለዉ።


Key Points

  • Football brings people together regardless of background, gender, age or ability.
  • Walking football and futsal are two of the fastest growing games in Australia.
  • You can find your local club at Play Football, Football Australia's digital home of community football.

ነዚ ጸወታ እንታይ ኢልና ክንጽውዖ፧

ፈለማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሕቶ መልሲ ንርከበሉ፡ ነዚ ግጥም ወይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ 'Football' ዶ ወይስ 'Soccer' ኢልና ንጽውዖ?

ንሄዘር ጋሪዮክ፡ ዋና ኣካያዲት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ቤትጽሕፈት Football Australia (ፉትቦል ኣውስትራልያ) ንሓታ።

“ኣነ ንኩዕሶ እግሪ ኣብ ኣውስትራልያ 'football' ኢልና ክንጽውዖ ኣለና ኢለ ይሓስብ። ግሎባዊ ጸወታ'ዩ።”

ኩዕሶ እግሪ ብፍሉይ መጠን ኣካታቲ ወይ ሓቛፊ ዝኾነ ስፖርት'ዩ፡ ዘገርም 1.9 ሚልዮን ኣብ መላእ ሃገር ተሳተፍቲ ድማ ኣለውዎ።

"ኣብ'ዛ ሃገር ዝዓበየ ተሳትፎ ኣብ ስፖርት ዘለዎን ብቕልጡፍ ዝዓቢይ ዘሎን'ዩ።" ትብል ሚስ ጋሪዮክ። "ልዕሊ 87 ዝተፈላለዩ መበቆል ዓሌታትን 35 ዝተፈላለዩ ምድባት ቋንቋታትን ኣብ መላእ ኩዕሶእግሪ ኣብ ኣውስትራልያ ኣለዉና። ልዕሊ 72 % ካብ ተሳተፍቲ ኣብ ደገ ከም ዝተወልዱ ንፈልጥ ኢና፡ ኩዕሶ እግሪ እቲ ኣዝዩ ሓቛፊ ዝኾነ ስፖርት ኣብ'ዛ ሃገር ምዃኑ ኣዚና ንሕበን።"

ህቡብነት ኩዕሶ እግሪ ኣብ'ቲ ብዘይጻዕሪ ድሕረ ባይታ፡ ጾታ፡ ዕድመ ወይ ዓቕሚ ብዘየገድስ ከመይ ንሰባት የሕብር ወይ የቀራርብ ዝተስረተ'ዩ።

ኣብ ዝተሓተ ሰረታዊ ደረጃ ካብ 4 ወይ 5 ዕድመ ክትጻወቱ ትኽእሉ፡ ወይ ምንቅስቓስኩም ከም'ቲ ናይ ቀደም እንተዘይኮይኑ ምስ ሓንቲ ቀስ ኢሎም እናኸዱ ኩዕሶ እግሪ ዝጻወቱላ ጋንታ ክትጽንበሩ ትኽእሉ።

Australia Explained—Football
ተጻወቲ ሓቛፍነት፣ ናይ ሓባር ስራሕን ተወዳዳሪ መንፈስን ኩዕሶ እግሪ የስተማቕሩ። Credit: South_agency/Getty Images

ከመይ ክጅምር ይኽእል፧

Football Australia (ቤት ጽሕፈት ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ወይ ፉትቦል ኣውስትራልያ) ክትጅምሩሎም ትኽእሉ ብዙሓት መሳለጥያታት ኣለዎ።

ኣብ መርበብ ሓበሬትኦም ኩዕሶ ንምጽዋት መንገዲ ዘትሕዝ Play Football 'ፕለይ ፉትቦል' ዝብል ገጽ ወይ ፕላትፎርም ክትረኽቡ ኢኹም።

“እዚ ብመሰረቱ ኣብ መላእ ሃገር ንተጻወቲ፣ ኣሰልጠንቲ፣ ዳኛታትን ወለንተኛታትን ዘገልግል'ዩ፣ እዚ ማለት ድማ ምዝገባ ኩሉ ኣብ መላእ ኩለን ክለባት፣ ውድድራትን ኣባል ፈደረሽናትን ኣፍልጦ ይህልዎ ማለት'ዩ።” ክትብል ሚስ ጋሪዮክ ትገልጽ።

ብከም'ዚ ኣገባብ ምስ ኣብ ከባቢኹም ትርከብ ሓንቲ ክለብ ወይ ጋንታ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።

“ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ልዕሊ 2000 ክለባት ኣለዋ፡ ነብሲ ወከፈን እዚኤን ክለባት መእተዊ ኣፍደገ ናይ'ቲ ጸወታና ይቕርባ።" ክብል ኣሮን ዲብዲን፣ ሓላፊ ኣገልግሎታት ማሕበረሰብን ኣባላትን ምስ ፉትቦል ኒው ሳውዝ ዌልስ ይገልጽ።

"ካብ ኩሎም ዓይነታት ሃገራት፡ ባህልታት፡ ድሕረባይታታት፡ ዝኾኑ ተጻወቲ ድሮ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኣውስትራልያ ዝጻወቱ ኣለዉና፡ እተን ክለባትና ድማ ንኩሉ ሰብ ክመጹን ክጽንበሩናን ብዓቢይ መጠን ተቐበልቲን ዘይጓዳኣን ቦታታት እየን።”

Australia Explained—Football
ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ 2000 ክለባት ናብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ መእተዊ በሪ ይኸፍታ። Credit: Morsa Images/Getty Images

ኩዕሶ እግሪ ብልክዕ ንኩሉ ሰብ ድዩ፧

ስም ናይ'ቲ ጸወታ ሓቛፍነት'ዩ። ንንኣሽቱን ዓበይትን ዝኾኑ መደባት ኣለዉ፣ ንተጻወቲ ቀዳሞት ህዝብታት፣ ንፍሉይ ሓገዛት ጥዕና ወይ ስንክልና ዘድልዮም ተጻወቲ፣ ከምኡ'ውን ካብ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝመጹ ተጻወትን።

መርበብ ሓበሬታ ፉትቦል ኣውስትራልያ ክትፍትሹ'ንከለኹም፣ MiniRoos Settlement Program ከምኡ'ውን Multicultural Youth Program.ዝብሉ ክትረኽቡ ኢኹም።

ኣሮን ዲብዲን እዞም መደባት ምስ ፉትቦል ኣውስትራልያ ብሓባር ዝካየዱ ነጻ ተበግሶታት'ዮም ክብል ይገልጽ።

“ክልቲኦም እዞም መደባት ብመሰረቱ ሓደ ጽቡቕ ናይ ቅድሚት መእተዊ ማዕጾ ንኩዕሶ እግሪ ንምቕራብ ዝተሃቀኑ'ዮም፣ ሰባት ክመጹን መተኣታተዊ መደብ ኩዕሶ እግሪ ክወስዱን ምስ'ቲ ግጥም ክጽመዱን ንምግባር ተባሂሉ'ዩ፣ ግን ድማ ምስ ሓንቲ ክለብ ክተሓሓዙን ኣባል ናይ ሓንቲ ካብ'ተን ልዕሊ 600 ክለባትና ክምዝገቡን'ውን'ዩ - ምኽንያቱ ክለባትና ማሕበረሰባት'የን፣ ከም'ዚኦም ዝኣመሰሉ መደባት ንሰባት እቲ ጋግ ኣብ መንጎ ባህላዊ ማሕበረሰባትን ናይ ኩዕሶ እግሪ ማሕበረሰባቶምን ንምልጋብ ክም ሓደ ዝበለጸ ኣገባብ ንሕግዘሎም ጌርና ኢና ንርእዮም።”

ከም'ዚኦም ዝኣመሰሉ መደባት ንሰባት እቲ ጋግ ኣብ መንጎ ባህላዊ ማሕበረሰባትን ናይ ኩዕሶ እግሪ ማሕበረሰባቶምን ንምቅርራብ ክም ሓደ ዝበለጸ ኣገባብ ንሕግዘሎም ጌርና ኢና ንርእዮም።
Aaron Dibdin

እዚ ስምዒት ማሕበራዊ ሓቛፍነት'ዩ ንላል ሮቻን ታክሉም ናብ ማሕበረሰብ ኩዕሶ እግሪ ዝሰሓባ።

ንሳ ብመንገዲ መሓዝኣ ብ SSI Multicultural Sports Club ኣብ Queensland ነጻ መደብ ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ጀሚራ፣ ፈጺማ ድማ ኣይወጸትን።

“ድሕሪኡ ድማ ኣብ MSC ብምስታፍ፣ ናብ'ታ ቀንዲ ክለብ ከይተረፈ ክኸይድ ክኢለ። ንካልኦት ንኣሽቱ ከም ንቡር ዝብሎ ስፖርት ዘይፈላሊ ምዃኑ'ዩ፣ ስለ'ዚ ጽቡቕ ተቐባልነት ትረኽቡ። ካልኦት ሰባት ኣብ ዘይትፈልጥሉ'ውን ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ዝተሓቖፍኩም ኮይኑ ይስመዓኩም።”

ምሉእ ዓመት ክጻወት ይኽእል ዶ፧

ንስኹም ምናልባት ኩዕሶ እግሪ ከም ሓደ ኣብ ክረምቲ ዝጽወት ገይርኩም ትፈልጥዎ ትኾኑ፣ ኣብ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ጥራይ ከባቢ 80 ሽሕ ተጻወቲ ንኩዕሶ እግሪ ሓጋይ ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ሓጋይ፣ ወይ ካብ'ቲ ንቡር ወቕቲ ወጻኢ ዝካየድ ኩዕሶ እግሪ ባዕሉ ሓደ ዓቢይ ስፖርት'ዩ፣ ነቶም ኣብ ግዜ ሓጋይ ዘይጻወቱ ሰባት፣ ነቲ ጸወታ ግን ክፍትንዎ ዝደልዩ ፍጹም ዝምችእ'ዩ ይብል ሚስተር ዲብዲን።

“ብዙሓት ሰባት ኩዕሶ እግሪ ሓጋይ ክፍትንዎ ንርእዮም፣ ከምዝፈትውዎ ድማ ይርድኡ፣ ኣብ መወዳእትኡ ነቲ ዝቕጽል ዓመት ድማ ንኩዕሶ እግሪ ክለብ ሓጋይ ይምዝገቡ።”

ብንኣሽቱ ጋንታታት፣ ኣብ ንእስ ዝበለ ሜዳን መብዛሕትኡ ግዜ ሰሙናዊ ኣብ ሓደ ቦታ’ዩ ዝጽወት።

ዝያዳ ወዝባዊ’ዩ፣ ስለ’ዚ ሰባት፣ ኣብ ሓደ ግጥም ክረምቲ ምናልባት ክፍትንዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ፣ ገለ ሜላታት ኣጸዋውታ ወይ ዘዘናግዑ ነገራት ክፍትኑ ይኽእሉ። ዝተሓተ ዕንቅፋት ዘለዎን ዝያዳ ዘዘናግዕን ኮይኑ ይስመዓካ
Aaron Dibdin
FIGC Walking Football Panel
FLORENCE, ITALY - DECEMBER 19: Athletes play walking football during a practical demonstration during FIGC "Walking Football Panel" at Centro Tecnico Federale di Coverciano on December 19, 2024 in Florence, Italy. (Photo by Gabriele Maltinti - FIGC/FIGC via Getty Images) Credit: Gabriele Maltinti - FIGC/FIGC via Getty Images

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኩዕሶ እግሪ ኣለዉ ድዮም፧

ምናልባት ነቲ ኣብ ዓለም ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ስፖርት ውሽጢ ኣዳራሽ ክትፍትኑ ትደልዩ ትኾኑ። ፉትሳል መጠኑ ዝነኣሰ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ዝጽወት ዓይነት ኩዕሶ እግሪ'ዩ። ቅልጡፍ፡ ተወንጫፊን ክእለት ዝመልኦን ተባሂሉ ዝግለጽ ኮይኑ ብዙሓት ናይ ዓለምና ዝበለጹ ተጻወቲ ክፍጠሩ ዝሓገዘ'ዩ።

ወይ ድማ ትሑት ጻዕቂ ዘለዎ ሓደ ነገር ክትፍትኑ ደሊኹም ትህልዉ።

ከምኡ እንተኾይኑ ሚስ ጋሪዮክ ቀስ ኢልካ እናኸድካ ትጻወተሉ (walking football)'ውን ልዑል ዕቤት ዘርኢ ዘሎ'ዩ ትብል።

“ብዓበይቲ ኣውስትራልያን ኣዝዩ ዝተፈትወ ኮይኑ'ሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ'ቶም ኣብዝሓ ዝዓይነቶም ማሕበረሰባትናን፡ ኣብ'ዚ ንምስታፍ ብመንገዲ ክለባትና ምምዝጋብ ጥራይ'ዩ ዘድሊ።”

ካብ ኩሉ ዝበለጸ እቶም ኣባሎም ትኸውን ወይ ትሕወሶም ማሕበረሰብ ተጻወቲ'ዩ።

ኣሕማድ ጌህሳሪ ኒያ ብመንገዲ ከባብያዊ ምምሕዳሩ ኣብ መልበርን'ዩ ነቲ ቀስ ኢልካ እናኸድካ ትጻወቶ ኩዕሶ እግሪ ክረኽቦ ዝኸኣለ። ህርመት ልቡ ክውስኽ ዝገብረሉ ኩነታት ደስ ይብሎ።

እዚ ዎልኪን ፉትቦል ከየዐሽወኩም ምኽንያቱ ምሉእ ብምሉእ ረሃጽ ዘጠልቅየካ'ዩ፡ ውሽያዊ ስምዒትካ ወይ ሙድካ ዘደንፍዕ'ዩ።
Ahmad Gheisari Nia

ልክዕ ከም’ቲ ን50 ዓመታት ዝተጻወተ ሚስተር ገይሳሪ ኒያ ግን ብተመሳሳሊ ህንጡይነት ክትጻወቱ ግድን የብልኩምን። Walking football ትሑት ምድፍፋእ ዘለዎን ማሕበራውን ክኸውን ተባሂሉ ዝተወጠነ'ዩ።

ምጉናጽ ወይ ምጉያይ ኣይፍቀድን'ዩ፡ ትሑት ምትንኻፍ ወይ ጸቕጢ ዘለዎ ስለዝኾነ ንጸገም ጥዕና ዘለዎም ሰባት ወይ ትሑት ርእሰተኣማንነት ንዘለዎም ጽቡቕ ስፖርት'ዩ። እኳ ደኣ ንኩሎም ዕድመታት ዝኾኑ ብእግርኻ ቀስ ኢልካ እናኸድካ ዝጽወቱ ክፍለግዜታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

“ንሕና ብጣዕሚ ጥዑያት ሰባት ኢና፡ ሕያዎት ኢና። መጀመርታ ክፍትኖ ጥራይ ኢለ'የ ሓሲበ ኔረ፡ ድሕሪ'ቲ ናይ ፈለማ ግዜይ ዝኸድኩዎ ግን ብጣዕሚ ዘደንቕ ኮይኒ ረኺበዮ። እቶም ሰባት፡ እቲ እናኸድካ ትጻወቶ ኩዕሶ እግሪ፡ ከምኡ ዓይነት ተሞክሮ ኣይነበረንን። ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኩዕሶ እግሪ ይጻወት ኔረ። እዚ ቀስ ኢልካ እንኸድካ ትጻወቶ ኩዕሶ (ዎኪንግ ፉትቦል) ንከማይ ዝኣመሰሉ ዕድመ ዘለዎም ብሓቂ ትሕጎሰሉ'ዩ። ኣነ ብልክዕ 73 ገይረ'ለኹ።”

Australia Explained—Football
እቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ወይ ኤሊት ዘምርሕ መንገዲ ክትክተሉ እንተደሊኹም፣ በታ ክለብኩም ጀምሩ። Credit: Drazen_/Getty Images

ብዛዕባ ኩዕሶ እግሪ ብሓቂ ዝግደስ ወይ ክቕጽል ዝደሊ እንተኾይነ ኸ፧

ሄዘር ጋሪዮክ ኩሉ ሰብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓሉ ነናቱ መንገዲ ኣለዎ ትብል።

“ዓበይቲ ወይ ንፉዓት ተጻወቲ እንተኾይንኩምን ኤሊት ዝምዕብልሉ መንገዲ ክትክተሉ እንተደሊም፡ ኣብ ክለብኩም ብዛዕባ ምጅማር'ዩ ክኸውን ማለት'ዩ። ድሕሪኡ ካብ ክለብኩም፡ ከም ኣካል ናይ ሓደ ኣካዳሚ ሓንቲ ናይ ኤ-ሊግ ክለብ መንእሰያት ክትረኽቡ ትኽእሉ፡ ድሕሪኡ ድማ ፍሉጥ'ዩ ናብ ቻምፒዮንሺፕ መንእሰያት፡ እዚ ድማ መንእሰያት ደቀንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ማቲልዳስ)ን ደቂተባዕትዮ መንእሰያት (ሶከሩስን) ማለት'ዩ። ኣብ ውሽጢ'ዚ ደቀባት ጋንታታት'ውን ኣለዋና 14፡ 15፡ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም። ድሕሪኡ ድማ ሃግራውያን ጋንታታት መንእሰያትና ካብ ትሕቲ 16 ዓመት ይጅምራ።”

ንዝያዳ ጠቓሚ ሓበሬታን ምኽርታትን ብዛዕባ ምጥያስ ናብ ሓድሽ ህይወትኩም ኣብ ኣውስትራልያ ንፖድካስታት Australia Explained ተኸታተሉ ወይ ሳብስክራብ ግበሩ።

ዝኾነ ሕቶታት ወይ ኣርእስቲ ዝኾኑ ሓሳባት ኣለውኹም ድዮም፧ በዚ ኢመይል ለኣኹልና australiaexplained@sbs.com.au


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now