ግዱድ መርዓ እንታይ እዩ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝወሃብ ደገፍከ?

Bride praying in the attic

Forced marriage most often affects young women and girls, especially those aged 14 to 18. Source: Moment RF / kuroaya/Getty Images

ኣብ ገሊኡ ባህልታት ፡ ብወለዲ ወይ ብ ፈተውቲ ብዝግበር ዝተዋደደ ወይ ዝተሰርዐ ሓዳር ምግባር ልሙድ እኳ እንተ ኰነ ፡ እዚ ካብ ግዱድ ሓዳር ዝፈልዮ ቀንዲ ነገር ናይ ተመርዓውቲ ፍቓድ ዝሓትት ምዃኑ እዩ ። ኣብ ብኻልእ ዝተዋደደ ሓዳር ፡ ክልቲኦም መጻምዲ መብዛሕትኡ ግዜ ስድራ በቶም ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ክኣትዉ ይሰማምዑ እዮም ። ኣብ ብኣስገዳድ መርዓ ፣ ሓዲኦም ወይከኣ ክልቲኦም መጻምዲ ብናጽነት ፍቓዶም ዝህቡሉ መርዓ ኣይኮኑን ። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ምፍርራሕ ፣ ምግዳድ ፣ ምትላል ፣ ትሕቲ 16 ዓመት ንዝኾኑ ወይከኣ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣብ ዘለዎም ሰባት ዝፍጸም እዩ ።


    ብዙሓት ሰባት እዚ ከምዚ መርዓ ኣብ ወጻኢ ሃገር ጥራይ እዩ ዘጋጥም ኢሎም ይሓስቡ ፡ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ኣውስትራሊያ ከጋጥም ዝኽእል እዩ ። ከምዚ ምግባር ድማ ኣንጻር ሕጊ እዩ ።
    ፈደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራልያ ኣብ 2023-24 ብግዴታ ዝግበር መርዓ ናይ 91 ጸብጻብ ረኺቡ እዩ።
    ኣብዚ ሃገር ዝጸናሕካሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ ፡ ንመን ከም እትምርዖ ክትመርጽ መሰል ኣሎካ ።

    ኣብ መንጎ ዝተዋደደ መአርዓን ኣገዲድካ መርዓን እንተይ ፍልልይ እዩ ዘሎ?

    ኣብ ገሊኡ ባህልታት ፡ ብወለዲ ወይ ብ ፈተውቲ ብዝግበር ዝተዋደደ ወይ ዝተሰርዐ ሓዳር ምግባር ልሙድ እኳ እንተ ኰነ ፡ እዚ ካብ ግዱድ ሓዳር ዝፈልዮ ቀንዲ ነገር ናይ ተመርዓውቲ ፍቓድ ዝሓትት ምዃኑ እዩ ። ኣብ ብኻልእ ዝተዋደደ ሓዳር ፡ ክልቲኦም መጻምዲ መብዛሕትኡ ግዜ ስድራ በቶም ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ክኣትዉ ይሰማምዑ እዮም ።
    ኣብ ብኣስገዳድ መርዓ ፣ ሓዲኦም ወይከኣ ክልቲኦም መጻምዲ ብናጽነት ፍቓዶም ዝህቡሉ መርዓ ኣይኮኑን ። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ምፍርራሕ ፣ ምግዳድ ፣ ምትላል ፣ ትሕቲ 16 ዓመት ንዝኾኑ ወይከኣ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣብ ዘለዎም ሰባት ዝፍጸም እዩ ።

    ሚስ ኩድዛይ ናታሪክዋ፡ ኣብ ቀይሕ መስቀል ናይ ማይግሬሽን ኣማኻሪት ፕሮግራም ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን መድረኽ መስርሕ ምምርዓው ፡ ቁጽጽር ብምግባር፡ ብምፍርራሕን ብምምዝማዝን ምትላልን ንሓደ ሰብ ንኽምርዖ ጸቕጢ ምስዝግበረሉ ፡ እዚ ብኻል ኦት ዝተወደበ ወይ ኣረንጅድ ምምርዓው ከም ዘይኰነ ትገልጽ ።

    “እዚ ኣስገዳድ መርዓ እዩ ዝኸውን ። ስለዚ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ስለ ዝደናገሩ ፡ ነዚ ፍልልያት እዚ ኸነጕልሖ ኣሎና ። ዋላ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ተገዲዶም ሓዳር ዝገብሩ ሰባት እውን እንተ ኰኑ ፡ እቲ መውስቦ ከም ብኻል ኦት ዝተወደበ ጌሮም እዮም ዝኣምኑ."
    ሚስ ናታሪክዋ ወሲኻ ፡ ግዱድ መርዓ ካብ እተፈላለዩ ባህላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ንዝመጹ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ሰብኡት ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ክጸሉ ከም ዝኽእል ትገልጽ ።

    "ናይ ኣስገዳድ መርዓ ዓለምለኻዊ ጉዳይ እዩ ፡ ብተመሳሳሊ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ'ውን ናይ ሰብኣዊ  ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ከም ልምዲ ዘመናዊ ባርነትን ባርነትን ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ ። እዚ ኣብ ዝኾነ ፍሉይ ጉጅለ ባህሊ ፡ ኣብ ሃይማኖት ፡ ኣብ ዓሌት ፡ ኣብ ብሄር ፡ ኣብ ዕድመ ወይ ጾታ ዝተሓጽረ ኣይኮነን ። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ክጸሉ ይኽእል እዩ ። ስለዚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ወይ ባህልታት ዝርከብ እዩ ።."

    ኣገዲድካ ምምርዓው ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤን ኣለዎ?

    ኣብ ኣውስትራሊያ ኣገዲድካ መርዓ ምግባር ናይ ስድራቤት ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነ ገበን እዩ።
    ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝግበር ዝኾነ ናይ ኣስገዳድ መርዓ ኣብ ትሕቲ ገበናዊ ሕጊ ኮመን ወልዝ ገበናዊ ተግባር እዩ ።
    ፓኖስ ማሶሪስ ዳይረክተር ክፍሊ ኢሚግሬሽ ኣገልግሎትን እዩ፡ብዛዕባዚ ከምዚ ብምባል ይገልጽ ።

    "ብመሰረት ሕጋዊ ኣጠማምታ ኣገዲድካ መርዓ ብመሰረት  ናይ 2013 ዝተመሓየሸ ሕጊ ናይ ኮመንወልዝ ገበን እዩ ። ስለዚ እዚ ሕጊ እዚ ነቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ሓደ ሰብ ናብ ወጻኢ ሃገር ተወሲዱ በዚ ኣገባር ሓዳር ዝገብር ዝምልከት እዩ ። ከም ምጥሓስ ናይ ኮመንወልዝ ሕጊ  ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል ፖሊስ ንኣስገዳድ መርዓ ዝምልከት ይምርምሮ  እዩ ፡ ናይ ኣስገዳድ መርዓ ገበን ኣብ ሲቪላዊ መርዓ ፡ ባህላዊ ፡ ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ምዝጉብ ርክባትን ክዓዪ ይኽእል እዩ ።."

    ኣገዲድካ ምምርዓው ዝቐርቡ ምኽንያታት እንታይ እዮም?

    ኣስገዳድ መርዓ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንእሰያት ኣንስትን ኣዋልድን ብፍላይ ድማ ነተን ካብ 14 ክሳብ 18 ዝዕድሚአ ተማሃሮ ይጸልወን።
    ሚስ ናታሪክዋ ፡ እቲ ምኽንያት ብእተፈላለየ መገዲ ከም ዝፈላለ ፡ እዚ ከኣ ኣብ ውልቀ ሰባትን ኣብ ኵነታትን እተመርኰሰ ምዃኑ ትገልጽ ።
    “ኣስገዳድ መርዓ ባህላዊ ናይ ፆታ ተራ ንምዕቃብ ባህሊ ስድራን ማሕበረሰብን ንምምላእ ዝፍጸም እዩ ። ወይ ከኣ ሓድሓደ ግዜ ምትሕሓዝ ስድራቤት ወይ ማሕበረሰብ ንምጥንካር ወይ ወግዕታት ንምቕጻል ዝግበር እዩ። እቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ፡ ጎዳኢ እኳ እንተ ኾነ ወለዲ ወይ እቶም ነቲ ግዱድ መርዓ ዘቀላጥፍዎ  ሰባት ፡ ነቲ መንእሰይ ዝጠቅም ነገር ይገብሩ ከም ዘለዉ እዮም ዝኣምኑ  ። ጽቡቕ ናይቶም ዝምርዓዉ ኣየናይ ምዃኑ ክመርጹ ፡ ናታቶም ግደ ከም ዝዀነ ይኣምኑ ።"

    ሃና አሳፊሪ ኣብ መልበርን ዝመደበሩ ማሕበራዊ ነጣፊትን ፈሚኒስትን እያ ።
    ኣብ 2017 ኣብ ማሕበራዊ ለውጥን ኣብ ምሕያል ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ናይ the Victorian Honour Roll of Women ኣፍልጦ ረኺባ ። ኣብ 2019 እውን ናይ Order of Australia Medal (OAM) ተባሂላ ተሸሊማ ።
    ኣብ 2024 ከኣ ሃና ዝበለታ ናይ መጀመርታ መጽሓፋ ኣሕቲማ ፣ እዚ ከኣ ናጻ ምዃን ማለት ኣብቲ ብውግእ እተሓመሰ ሊባኖስን ኣውስትራልያን ዝነበረ ግዜ ቝልዕነታ እተስተንትነሉ: ካብቲ ዘይመረጸቶ ሓዳር ከምዘምለጠት: ከምኡውን ኣብ ዕስራታት ዕድሚኣ ገዛእ ርእሳ ንኽትረክብ እትገብሮ ዝነበረት ጕዕዞ ዝትርኽ መጽሓፍ እዩ ።
    "ኣብ ኣውስትራሊያ ንእሽቶይ ኮይነ ሓዳረይ ድማ ዋላኳ ብግዲ ኣይኹን ፤ ከም እንኮ መማረፂ ኮይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ንምዃኑ እዚ ምቁጽጻር ክሳብ ክንደይ እዩ? እዚ ኵነታት እዚ ፡ ሳዕቤን ናይ እተወሰነ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ እዩ ? በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ፡ ኣብ 15 ዓመተይ ሓዳር ፡ ናጽነት ፡ ክብረት ፡ ኣኽብሮት ፡ ከምኡውን ገዛእ ርእሰይ ካብ ጕድኣት ከመይ ከም ዘምልጥ ክሓስብ ጀመርኩ ። ስለዚ ፡ እቲ ብኻል ኦት ዝተዋደደ መርዓ ንምንታይ ከም መማረጺ ኰይኑ  ።"

    ተገዲዶም ንኽምርዓው ኣብ ጸገም ንዘለዉ ሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ ሓገዝ እዩ ዘሎ?

    ተገዲድካ ናይ ምምርዓው ስግኣት ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ናይ ደገፍ መገድታት ኣለዎ ። ሚስ ናታሪክዋ ከምዚ ብምባል ትገልጽ ።
    ካብ 2014 Red Cross ዝህቦ ሓገዝ ተብርህ። 
    "ሓደ ሰብ ኣብ ሓደጋ እንተ ደኣ ኣሎ ኰይኑ እሞ ቅልጡፍ ሓገዝ እንተ ኣድልይዎም ፡ ብህጹጽ ናብ ፖሊስ  (000) ክድውሉ ኣለዎም ። ኣብ ካልእ ኩነታት 'ውን ናብ AAFP [ናይ ኣውስትራሊያ ፌደራል ፖሊስ] ክድውሉ ይኽእሉ ወይኻዓ ተገዲድካ መርዓ ኣብ ሓደጋ እንተኣእቲዮም ወይኻዓ ካልእ ሰብ ከምዘሎ ዘተሓሳስቦም እንተኾይኑ ፤ናብ AFP ምድዋል ወይኻዓ ሙሉእ ጸብጻብ ኣብ ቲ ናቶም ኦንላይን ምምላእ ይኽእሉ እዮም።"

    ንፖሊስ ክሕብሩ ዝኸብዶም ሰባት ፣ ብሳልቬሽን ኣርሚ (Salvation Army) ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ ኣዮም ።
    ሚስ ናታሪክዋ ፡ ብቕዓት በዚ መደብ እዚ ከም ዝግምገመ ትገልጽ ።
    ሓገዝ ንምርካብ ብ1800 277 ምስ Salvation Army. ኽትራኸቡ ወይኻዓ ናብ መርበብ ሓበሬታኦም ምብጻሕ ትኽእል ።
    ካብ 2025 ጥሪ ጀሚሩ ኣውስትራሊያ ፕሮግራም ደገፍ ፍሉይ መርዓ (FMSSP) ኣተኣታትያ እያ፡ እዚ ፕሮግራም ናይ ምክልኻልን ኣብ መጀመርያ ጣልቃ ምእታው ሓገዝ ዝዝህብን እዩ ። ውልቀ-ሰባት ነዚ ሓድሽ መደብ እዚ ባዕሎም ኽውከስዎ ይኽእሉ እዮም ፣ ብ1804 032 13 ብምድዋል ምስ FMSSP ኽራኸቡ ወይ ከኣ ናብ ወብ ሳይቶም ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም ።

    ሚስ ናታሪክዋ ወሲኻ ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብግዲ ንዚምርዓዉ ሰባት እውን ደገፍ ከም ዝህብ ትሕብር ።


    Close up of decisive woman take off wedding ring make decision breaking up with husband
    ፈደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራልያ ኣብ 2023-24 ብግዴታ ዝግበር መርዓ ናይ 91 ጸብጻብ ረኺቡ እዩ። Source: iStockphoto / dragana991/Getty Images/iStockphoto
    “ብዛዕባ ፈታዊኹም ፡ ኣባል ስድራ ቤት ፡ መሳርሕቲ ፡ ወይ ብዛዕባ ሓዳርኩም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ወይ ከኣ ብኸመይ ሓገዝ ከም እትረክብ ምስጢራዊ ምኽሪ ንምርካብ ፡ ምስ ቀይሕ መስቀል ብ 1-800-113-015 ብምድዋል ወይ ኢመይል ናብ national_stpp@redcross.org.au ምጽሓፍ ይከኣል እዩ ።”
    ብዘይካዚ ፡ ብዛዕባ ኣስገዳድ መርዓ ዝገልጽ ሓበሬታ ፡ ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ወይ እተጸልዉ ሰባት ብዛዕባ ሕጋውነትን ምኽሪ ስደትንዝህብ My Blue Sky ኣውስትራልያ ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዩ ።
    “My blue sky  ብ Anti-Slavery Australia ዝቐርብ እዩ ነጻ ኣገልግሎት እዩ ፡ ምስጢራዊ እዩ ፡ ስለዚ ውልቀ ሰባት ወይ ኣባላት ማሕበረሰብ ወይ ዝኾነ ዝምልከቶ ሰብ ኣብ ዌብሳይቶም ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ። ብተለፎን ወይ ብኢመይል ወይ ብጽሑፍ መልእኽቲ ኽበጽሖም ይኽእል እዩ."

    ግዱድ መርዓ ንምክልኻል ማሕበረሰባት እንታይ ክገብሩ ይግባእ?

    ናይ ኣስገዳድ መርዓ ምልክታት ምልላይ ኣብ ምክልኻልን ኣብ መጀመርያ ጣልቃ ምእታውን ደገፍ ኣብ ምርካብን ኣገዳሲ እዩ ።
    ሚስ ናታሪክዋ ፡ ኣብ ቅድሚት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ን እቲ ዝሰፍሐ ማሕበረሰብን ፡ ሓደጋታት ንምልላይን ብደሓን መልሲ ንምሃብን ፡ ግዱድ መርዓን ከባቢኡን ኽርድእዎ ከም ዘለዎም ኣጕልሐት ።
    "እዚ ዝብለሉ ምኽንያት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣብ ቀይሕ መስቀል  ካብ ኣዕሩኽቲ: ካብቶም ዝጭነቑ ኣባላት ማሕበረሰብ: ካብ ነርሳት: ካብ ሓካይም: ካብ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ክኢላታት ጥዕና ይድወለልና እዩ ። ንሳቶም ድማ ዝበለጸ ምላሽ ንምሃብ ምኽሪ ይደልዩ እዮም።."
    እቲ ብፈደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራልያ (AFP) ዝምራሕ ናይ ኣውስትራሊያ ማእከል ምክልኻል ምዝመዛ ቖልዑ (ACCE) ኣስገዳድ መርዓ እቲ ዝበዝሐ ጸብጻብ ዝወሃቦ ብናይ ንግዲ ሰባት ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እቶም ናብ መርዓ ዝግደዱ ምልክታት ብንቕሓት ክከታተል ይምሕጸን ።
    ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝወጸ መግለጺ ፡ ኣዛዚ ፈደራል ፖሊስ ንሰብኣዊ ምዝመዛ ፡ ሄለን ሽናይደር ፡ ነቶም በዚ ጸገም እዚ እተጸልዉ ውልቀ-ሰባት ንምልላይ ዝሕግዝ ልሙድ ምልክታት ኣስገዳድ መርዓ ዘርዚሩ ኣሎ ።


    Syrian Refugees' Young Brides
    ኣብ ገሊኡ ባህልታት ፡ ብወለዲ ወይ ብ ፈተውቲ ብዝግበር ዝተዋደደ ወይ ዝተሰርዐ ሓዳር ምግባር ልሙድ እኳ እንተ ኰነ ፡ እዚ ካብ ግዱድ ሓዳር ዝፈልዮ ቀንዲ ነገር ናይ ተመርዓውቲ ፍቓድ ዝሓትት ምዃኑ እዩ ።. (Photo by Lynsey Addario/Getty Images Reportage) Credit: Lynsey Addario/Getty Images

    ልሙዳት ምልክታት ግዱድ መርዓ እንታይ እዮም?

    • ኣብ ታሪኽ እታ ስድራ ዝዓበዩ ኣሕዋት ኣቐዲሞም ትምህርቲ እንተ ኣቋሪጾም ፡ ቀልጢፎም እንተ ተመርዕዮም ፡ 
    • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ገዛ ወይ ማሕበረሰብ ፡ ናይ ርክብ ክትትል ወይ ቀይዲ ምግባር ፡ ብዛዕባ መደብ ዝመጽእ ብ ስድራ ቤት ምዝንጋዕ ወይ ናይ ወጻኢ ሃገር መገሻ ስክፍታ ከምዘለዎም ምግላጽን የጠቓልል ።
    • ብስድራ ተወዲቡ ዘሎ መርዓ ወይ ሕጸ ስክፍታ ምስዝገልጹ ዘሎ ሳዕቤን  ነቲ ስድራ ወይ ማሕበረሰብ ትጽቢት ዝግብረሉ ምስዘየማል ኡ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ክመጽ ዝኽእል ዓመጽ ምስ ዝገልጹ። 
    ሃና ኣሶፊሪ እውን ዝዀነ ይኹን ሰብ ተገዲዱ ወይ ተዓሚጹ ኽምርዖ ከም ዘይብሉ ትዛረብ ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንዝርከባ መንእሰያት ደቀንስትዮ ሓገዝ ክደልያን ነቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ጸጋታት ክጥቀማሉን ድማ ትላቦ ።
    ንስኹም ወይ ካልእ ትፈልጦዎ ሰብ ብስድራቤታዊን ዘቤታዊን ኣመጽ ተጽዕኖ ምስ ዘጋጥም ፡ ናብ 1800RESPECT ብ1800 732 ደውሉ ፡ ኣብ 0458 737 732 ተክስት ምግባር፡ ወይ ከኣ ናብ 1800RESPECT.org.au ኣቲኻ ምርኣይ ። ኣብ ህጹጽ እዋን ድም ኣብ 000 ምድዋል ።
     እቲ ብኖ ንዓመጽ ናይ ንደቂ ተባዕትዮ ኣገልግሎት ዝህብ ብ1300 766 491 ምውካስ ይከኣል ።





    If you or someone you know is impacted by family and domestic violence, call 1800RESPECT on 1800 737 732, text 0458 737 732, or visit 1800RESPECT.org.au. In an emergency, call 000. 

    The Men’s Referral Service, operated by No to Violence, can be contacted on 1300 766 491. 
    Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.  

    Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au.

    Share
    Follow SBS Tigrinya

    Download our apps
    SBS Audio
    SBS On Demand

    Listen to our podcasts
    Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
    Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
    Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

    Watch on SBS
    SBS World News

    SBS World News

    Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
    ግዱድ መርዓ እንታይ እዩ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝወሃብ ደገፍከ? | SBS Tigrinya