ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ኤርትራዊያን ንመዓልቲ 390 በጺሑ።

ንኣስታት 20 ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ምኽፋቱ ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 10 ሺሕ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ናይ ኖርወይ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

Eritrea

Source: NRC

ንኣስታት 20 ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ምኽፋቱ ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ጥራይ  ልዕሊ 10 ሺሕ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ናይ ኖርወይ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ሰባት ኣብቲ ፈለማ ንመዓልቲ 53 ዝነበረ ናብ 390 ከምዝደየበ ኣብሪሁ። ናይቲ ትካል ናይ አፍሪቃ ቤት ጽሕፈት ናይ ኮምዩንኬሽን ሓላፊ ጄኖ ቴዎፊሎ  ከምዝገልጾ "እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዘለዉ ኤርትራዊያን ተመሳሳሊ ዕላማ ኣይኮነን ዘለዎም። 83 ሚእታዊ ካብ ኣቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ምስ ኣባላት ስድራኦም ንምርኻብ እዩ።” ክብል ኣብሪሁ።

ብኣገላልጻ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ናይ ኖርዌይ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ስደተኛታት፡ ስታይን ፓውስ “ንኣስታት 20 ዓመታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራቤታት ምስ ስድራኦም ናይ ናፍቖት ንብዓት እናነብዑ እዮም ዝራኸቡ ዘለዉ። ብዙሓት ሰባት በብመዓልቱ ዶብ ስጊሮም ይጓዓዙ ብምህላዎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዓዲታት ናይ ንግዲ ንጥፈት ተጓሃሂሩ ኣሎ።” ክብል ገሊጹ።

ካብ ናይ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ተበጊሳ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረት ኤርትራዊት ሓረጉ ምስ ኣባላት ስድራኣ ብምርኻባ ሓጎሳ መዐቀኒ ከምዘይርከቦ ነቲ ናይ ነርወይ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ስደተኛታት ገሊጻትሉ። ንሳ ነቲ ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝርከብ በዓል ቤታን ሰለስተ ደቃን ፈተውታን ድሕሪ 10 ዓመታት ብምርካባ ብናይ ሓጎስ ንብዓት ስሚዒታ ከምዝገለጸት ሓቢሩ።


Share

1 min read

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service