ንኣስታት 20 ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ምኽፋቱ ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 10 ሺሕ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ናይ ኖርወይ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ሰባት ኣብቲ ፈለማ ንመዓልቲ 53 ዝነበረ ናብ 390 ከምዝደየበ ኣብሪሁ። ናይቲ ትካል ናይ አፍሪቃ ቤት ጽሕፈት ናይ ኮምዩንኬሽን ሓላፊ ጄኖ ቴዎፊሎ ከምዝገልጾ "እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዘለዉ ኤርትራዊያን ተመሳሳሊ ዕላማ ኣይኮነን ዘለዎም። 83 ሚእታዊ ካብ ኣቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ምስ ኣባላት ስድራኦም ንምርኻብ እዩ።” ክብል ኣብሪሁ።
ብኣገላልጻ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ናይ ኖርዌይ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ስደተኛታት፡ ስታይን ፓውስ “ንኣስታት 20 ዓመታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራቤታት ምስ ስድራኦም ናይ ናፍቖት ንብዓት እናነብዑ እዮም ዝራኸቡ ዘለዉ። ብዙሓት ሰባት በብመዓልቱ ዶብ ስጊሮም ይጓዓዙ ብምህላዎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዓዲታት ናይ ንግዲ ንጥፈት ተጓሃሂሩ ኣሎ።” ክብል ገሊጹ።
ካብ ናይ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ተበጊሳ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረት ኤርትራዊት ሓረጉ ምስ ኣባላት ስድራኣ ብምርኻባ ሓጎሳ መዐቀኒ ከምዘይርከቦ ነቲ ናይ ነርወይ ቤት ምኽሪ ሓበሬታ ስደተኛታት ገሊጻትሉ። ንሳ ነቲ ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝርከብ በዓል ቤታን ሰለስተ ደቃን ፈተውታን ድሕሪ 10 ዓመታት ብምርካባ ብናይ ሓጎስ ንብዓት ስሚዒታ ከምዝገለጸት ሓቢሩ።
Share

