ኮቪድ-19? ጸገም የለን፡ ንህዝቢ ኣቐዲምካ ምሕባር? ኣየድልዮን’ዩ። ኣይበዝሐን ዶ? ጸገም የለን። እዚኦም ሕቶታትን መልስታትን ምናልባት ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምስ ነብሲ ወከፍ መገሻ፡ ‘ናይ ስራሕ’ ዑደት፡ ዙረት፡ ርክብ፡ ወዘተ... ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራን ኣብ ኣእምሮኦም ዝመላለሱ’ዮም። ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ዝፍረም ንደሓር ብዝሖም ጥራይ ዘይኮነ ነብሲ ወከፍ መገሻ ብብዙሓት ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈላለዩ ስምዒታት ፈጢራን ትፈጥር ኣላን።
Share





