Coming Up Thu 6:00 PM  AEST
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ንኤርትራውያን ን30 ዓመት ከውርደሎም ዝጸንሐ ግፍዕታት ኣብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ 6 ወርሒ ብምፍጻም ንዓለም ኣርእይዋ - ሜሮን እስቲፋኖስ

Source: Meron Estefanos

ኤስቢኤስ ትግርኛ ቃለመሕትት ምስ ጋዜጠኛታት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ብዛዕባ ምዕባለታት ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ፒቢስ መደብ ፍሮንትላይን ዝቐረበት 'Escaping Eritrea' ዘርእስታ መጽናዕታዊት ፊልምን * ከም’ዚ ዓይነት ብምስሊ ዝቐርብ ዶክዩመንታሪ ነቶም ኣይግበርን’ዩ ኢሎም ዝምሕሉ ዝጥሕሉ ሓደ ዓቢይ ትምህርቲ’ዩ፡* እቶም ካሜራ ሓቢኦም ኣብ ኤርትራ ነቲ ኩሉ ዓመጻት ክቕረጽ ዝገበሩን ኣብ'ታ ፊልም ዝተሳተፋ ከም በዓል ሃና ጴጥሮስ ሰለሙን ዝኣመሰላን ኩላቶም ተባዓት ኤርትራውያን እዮም፡* ሳላ’ዛ መጽናዕታዊት ፊልም እቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ እቲ ብዕላል ጥራይ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ከምዚ ኢና ንሕና ኢሎም ክስምብዱ፡ እቶም ብስቕታ ወይ ብሰላሕታ ጥራይ ዝዛረቡ ዝነበሩ ኸኣ ብዓውታ ክዛረቡ ክኢሎም’ዮም፡* እቲ ኩሉ ብፍልይቲ ኣማኻሪት ው. ሕ. ሃ. ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ይኹን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝጸሓፍን ዝወጽእን ዝነበረ ጸብጻባት ብጻዕሪን ድኻምን ኤርትራውያን ዝመጸ’ዩ፡* መንግስቲ ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራውያን ኣብ ሰላሳ ዓመት ክገብሮም ዝጸንሐ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ንዓለም ኣርእዮማ፡* በቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ንጉዳያት ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘይኮነ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ግፍዕታት እዩ ዓለምና ንስርዓት ህግደፍ ክትጻወረሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ዝበጽሐት፡* ኲናት ትግራይ ጸሊኦም ወይ ተቓዊሞም ዝሃድሙን ናብ ጎረቤት ሃገራት ዝወጹን ብዙሕ ዝቑጽሮም ወተሃደራት ኤርትራ ኣለው፡ ጸብጻባት ብዛዕብኦምን ብዛዕባ’ቶም ዝተመዛበሉ ስደተኛታትን ይዳሎ ኣሎ፡* ገሊኦም ወተሃደራት ኤርትራ ‘ንሕና ነዚኦም ሰባት ካብ’ቶም መዓስከራት ሒዝኩም ኣምጽእዎም ተባሂልና ስም ዝርዝር ተዋሂብና ኬድና ሒዝናዮም፡ ንኤርትራ ይኹን ናብ ካልእ ናበይ ወሲዶሞም ግን ኣይተሓበረናን፡ ንኤርትራ ተጻዒኖም ክኸዱ ጥራይ ኢና ርኢና’ ይብሉ፡* መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ተቓጺለን ዓንየን’የን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ የለዋን፡* መንግስቲ ኤርትራ ካብ መዓስከራት ዝወሰዶም ሰባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኮይኖም ንኣብነት ኣብ ምቅዋም ኣንጻር መንግስትን ኣብ’ቲ መዓስከር ዝህልው ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ተሳትፎ ዝነበሮምን እዮም፡* ዝበዝሑ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ቆልዑን ኣንስትን ዝሓዙ ስድራታት ጥሜት ምስ በዝሖምን መራኸቢታት ምስ ሰኣኑን ብዓቕሊ ጽበት ድላዮም ይግበሩና ኢሎም ብእግሮም ዝኸዱ’ዮም፡* ኣብ ክንዲ ሓደ ሰብ ንሓገዝ ኢሉ ሓንሳብ ጥራይ 50 ቅርሺ ዘዋጽእ ምስ ሓንቲ ዝተጸገመት ስድራ ኣራኺብና ወርሓዊ ዝከኣሎም ክሕግዝዎም ንገብር፡* ኤርትራዊ ኣብ ኩሉ ዘለዎ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ሱዳን፡ ሕማቕ’ዩ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ኸኣ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ስለዘለው ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም’ዩ፡

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
ንኤርትራውያን ን30 ዓመት ከውርደሎም ዝጸንሐ ግፍዕታት ኣብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ 6 ወርሒ ብምፍጻም ንዓለም ኣርእይዋ - ሜሮን እስቲፋኖስ 08/05/2021 25:16 ...
ኣድላይነትን እንታይነትን ሱፐር ንጥሮታ ዝውህለል ገንዘብ። (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 16/06/2021 10:19 ...
“ጓለይ ኣብ ልዩ ሃይል ኔራ እናበሉ ስማ ተጥፍኡ ሰባት እንተትዕገሱ ምሐሸ፡ ተዛሪቦም ዘምጽእዎ የለን ግን ይሕስዉ’ዮም ዘለዉ።” 16/06/2021 13:35 ...
ዕለታዊ ዜና 14 ሰነ 2021 SBS ትግርኛ 14/06/2021 13:53 ...
ክልተ መዓልቲ ዕድመ ዝነበሮ ክብረወሰን ዓለም ለተሰንበት ኣፍሪሳቶ፣ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ዝለዓሉ 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ ወዲኡ 14/06/2021 12:13 ...
መንግስቲ ኤርትራ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 2018 ንብረትን ትካላትን ካቶሊካዊት ቤ/ን ምህጋርን ምዕጻውን ይቕጽሎ ኣሎ ተባሂሉ። 14/06/2021 07:26 ...
ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ G-7 ተዛዚሙ። 14/06/2021 07:15 ...
“ምስ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፈ ሓቢርና ክንሰርሕ ኣለና፡ ዝብል ሓሳብ ክንሰርሓሉ ኢና።” ዶ/ር መሓመድ ብርሃን እድሪስ 11/06/2021 27:35 ...
ዕለታዊ ዜና 10 ሰነ 2021 SBS ትግርኛ 10/06/2021 14:44 ...
ግብጽን ሱዳንን ማሕበረሰብ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትገብሮ ዘላ በይነኣዊ ጉዕዞ ምምላእ ማይ ደው ከብለለን ሓቲተን። (ሓጸርቲ ጸብጻብ) 10/06/2021 05:45 ...
View More