ንሎሚ 03 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ን ሎሚ ሓሙስ 3 መስከረም 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ እዞም ዝስዕቡ'ዮም፡
ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝጀመረሉ መዓልቲ እዩ። ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኣብቲ ቃልሲ ካብ ዝተጸምበሩን ብዕለት 31 ኣብ መልበርን ዝዓረፈን ተጋዳላይ ማሕሙድ ጃብር ዮንስ ምኽንያት ብምግባር ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ጃብር ዝተገብረ ቃለ መሕትት።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዝበዝሑ ዋና ከተማታትን ወረዳታትን ዋጋታት ገዛውቲ ኣዝዮም ጎዲሎም'ዮም ዘለዉ። እቲ ሕቶ እዚ ምንቁልቋል ዋጋ ክሳብ ክንደይን ክሳብ መዓስን'ዩ ክቕጽል፧ ነዚ ዝምልስ ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ።
ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና’ውን ኣለና።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡
ነበርቲ መልበርን ኣውስትራልያ ንምክልኻል ድርቂ ትግራይ 25 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዝተወደበ መኸተ ከም ዝጠልብ ላዕለዋይ በዓልመዚ እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊጹ።
ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና።
ኮንግረስ ኣሜሪካ ዕድል ሰደድ ናፃ ንግዲ ንዝተመርፃ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጎኣ ክሳብ 2028 ዘናውሕ እማመ ኣጽዲቑ። ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝተኣገደት ኢትዮጵያ ግን ምምላሳ ክሳብ ሕጂ ኣይገልጸን።
ስዑዲ ዓረብ ምስ ዘስካሕክሕ ገበን ቅትለት ዝተተሓሓዘ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣውዒላ።
ኣርእስታት ዜና፥
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ዕልቕልቕ ድሕሪ ምፍጣሩ ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣውስትራልያውያን ሞይቶም ከይኮኑ ስግኣቱ ገሊጹ ።
ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 3,000 ምብጽሑ ውድብ ጥዕና ዓለም [WHO] ገሊጹ።
ጋንታትታት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ዝኾና ሎስ ኣንጀልስ ራምስን ሳንፍራንሲስኮ 49ን ኣብ ከተማ መልበርን ዝመጽእ ሰሙን ኽጻወቱ እዮም።





