ከባቢ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ደቂተባዕትዮ ኣብ መላእ ግዜ ህይወቶም መንሽሮ ፕሮስተይት/ፕሮስተይት ካንሰር ክህልዎም’ዩ። ኣብ ናይ ዕሸል/ፈለማ እዋናቱ፣ ፕሮስተይት ካንሰር ሳሕቲ’ዩ ምልክታት ዘርኢ። ነዚ’ዩ ድማ መጠን ዕድላት ዘጋጥመኩም፣ ምርመራ መዓስ’ዩ ግቡእ ዝኸውንን ብዛዕባ ኣማራጺታትኩም ምስ ዶክተርኩም ወይ ሓኪምኩም ምዝርራብን ክትፈልጥዎ ወይ ክትርድእዎ ዘድሊ። ኣብ’ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ’ምበኣር ብዛዕባ ኣለሊኻ ምፍላጥን ኣተኣላልያን ፕሮስተይት ካንሰር ክንመሃር ኢና።
Key Points
- Apart from skin cancer, prostate cancer is the most common cancer in Australia.
- Prostate cancer has no specific symptoms; however benign enlargement of the prostate gland can cause difficulty passing urine.
- The Prostate Specific Antigen (PSA) blood test is the main tool used to detect prostate cancer and is recommended for men from 50 years of age.
- ጽኪ ፕሮስተይት (Prostate Gland) እንታይ እዩ፧ ንምንታይ'ዩ ጸገም ክኸውን ወይ ክፈጥር ዝኽእል፧
- ናብ ሓደጋ መንሽሮ ፕሮስተይት (prostate cancer) ዘቃልዑ ረቛሒታት እንታይ'ዮም፧ መርመራታት ከ ኣለዉ ድዮም፧
- ኣማራጺታት ሕክምናን ፍወሳን ንመንሽሮ ፕሮስተይት እንታይ እዮም፧
- ተሞክሮ ሕማምም መንሽሮ ፕሮስተይት እንታይ ይመስል፧
- ንመንሽሮ ፕሮስተይት ዘለዎም ደቂተባዕትዮ ዘሎ ደገፍ እንታይ እዩ፧

ጽኪ ፕሮስተይት (Prostate Gland) እንታይ እዩ፧ ንምንታይ'ዩ ጸገም ክኸውን ወይ ክፈጥር ዝኽእል፧
ፕሮስተይት ክንዲ ሓንቲ ፍረ ፉል ወይ ዎልናት ትኸውን ኮይና ትሕቲ ፍሕኛ ትቕመጥ።
“ፕሮስተይት ትሕቲ ፍሕኛ ትቕመጥን ሽንቲ ደቂተባዕትዮ ንዝሓልፈሉ ቱቦ ተኽብቦን፣ ፕሮስተይት ነቲ ምስ ስፐርም ተሓዊሱ ኣብ ግዜ ጠርዚ ስምዒት ወዲተባዕታይ ዝንጸግ ፈሳሲ ይሰርሕ፣ እዚ ፈሳሲ ንዘርኢ ወዲተባዕታይ ኣብ ምክልኻልን ምምጋብን ይሕግዝ። ስለ’ዚ እቲ ቀንዲ ተርኡ ኣብ ምፍሳስ ዘርኢ (ዩኢጃኩሌሽን)’ዩ።” ክብል ዝገለጸ ፕሮፈይሰር ዴክለን መርፊ፣ ሓኪም ሽንቲን ኣካያዲ ክፍሊ መጽናዕቲ ካንሰር ኣካላት ምርባሕን ሽንትን (ጀኒቶዩሪናሪ ኦንኮሎጂ)፣ ኣብ ማእከል ካንሰር ፒተር ማካለም ኣብ ከተማ መልበርን’ዩ
ኩሎም ደቂተባዕትዮ ብዕድመ እናደፍኡ ወይ እናዓበዩ ኣብ ዝኸድሉ፣ እቲ ጽኪ ፕሮስተይት ብዙሕ ግዜ እናዓበየ ይኸይድን ነቲ መተሓላለፊ መትረብ ወይ ገመድ ሽንቲ ንደገ ዝኾነ ዩረትራ ክጸቕጦ ይኽእል።
እዚ ንደቂተባዕትዮ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓደ ምሸት ሽንቶም ክሸኑ ካብ ድቃሶም ክትስኡ ክገብሮም ይኽእል’ዩ፣ ካብ ማእከል ፕሮስተይት ኣውስትራልያ (Australian Prostate Centre) ተሓጋጋዚት ነርስ ክፍሊ መጽናዕቲ ሽንቲ ሄለን ክሮው ከምትገልጾ።
“እዚ ድማ እቲ ዘይጓዳእ ምዕባይ’ዩ። ማለት ምስ መንሽሮ ወይ ካንሰር ዝተኣሳሰር ኣይኮነን፣ መስርሕ ዕቤት ጥራይ’ዩ። እንተኾነ ግን እዚ ምዕባይ ምስ ምድፋእ ሽንቲ ካብ ፍሕኛ ወይ ምሻን ንብሎ ጸገም ክፈጥር ይኽእል’ዩ፣ እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ እቲ ደቂተባዕትዮ ጽኪ ፕሮስተይት ከምዘለዎም ዝፈልጥሉ ወይ ኣፍልጦ ዝረኽብሉ’ዩ፣ ምኽንያቱ ገለ ጸገማት ክፈጥረሎም ስለዝጅምር።” ክትብል ሚስ ክሮው ትገልጽ።
ጽኪ ፕሮስተይት ብተወሳኺ ክንድር ወይ ረኽሲ ክገብር ይኽእል’ዩ፣ እዚ ድማ ፕሮስታቲቲስ ይበሃል፣ ኣብ’ቲ ዞና ፐሪኒያል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ መንጎ ብልዕቲን ደገ ንወጻሉ ክፋልን ዘሎ ቦታ ዘይንቡር ስምዒት ወይ ቃንዛ ክፈጥር ይኽእል። እዚ ድቃስ ክኸልእ ወይ ክጸሉ ይኽእል፣ ምንቅስቓስ ወይ’ውም ኮፍ ምባል ከይተረፈ ከቢድ ክገብሮ ይክእል።
“ዘይምችእ ወይ ዘሰክፍ ተሞክሮ ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ንደቂተባዕትዮ ናብ ዶክተሮም ወይ ሓኪም ቤተሰቦም ክኸዱ፣ ብምኽንያት’ቲ ዘሰክፍ ወይ ዘሕምም ስምዒት ድቃስ ከምዝሰኣኑ፣ ወይ ኮፍ ክብሉ ወይ ክንቀሳቐሱ ወይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ’ንከለኡ ኣዝዩ ምቾት ይኸልኣና’ሎ ክብሉ ይገብሮም።”
ጽኪ ፕሮስተይት ብተወሳኺ መንሽሮ ወይ ካንሰር’ውን ከማዕብል ይኽእል’ዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዝኾነ ምልክታት ሕማም ከየርኣየ ክብል ፕሮፈይሰር መርፊ ይገልጽ።
“ንገለ ደቂተባዕትዮ እዚ ዓቢይ ነገር ከይኮነ ምክትታል ክግበረሉ ጥራይ ዘድልዮ ክኸውን’ንከሎ፣ ንኻልኦት ግን ኣዝዩ ከቢድን ናብ ዓበይቲ ምልክታት ወይ’ውን ክሳብ ሞት ከምርሕ ዝኽእል’ዩ።”

ናብ ሓደጋ መንሽሮ ፕሮስተይት (prostate cancer) ዘቃልዑ ረቛሒታት እንታይ'ዮም፧ መርመራታት ከ ኣለዉ ድዮም፧
እቲ ኣዝዩ ብብዝሒ ዝረአ ብሕክምና ዝተረጋገጸ ካንሰር ኣብ ኣውስትራልያውያን ደቂተባዕትዮ ወይ ሰብኡት’ዩ። እቶም ነቲ ሕማም ከተማዕብሉ ጠንቂ ዝኾኑ ረቛሒታት ዕድመ ምድፋእ ወይ ምውሳኽ፣ ታሪኽ ስድራን ገለ ዝተወርሱ ምቅይያራት ኣብ ዘርኢ ወይ ጀነቲክስ የካትቱ።
“ብደረጃ ዓለም፣ ፕሮስተይት ካንሰር ሓደ ዓቢይ ጸገም’ዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተሓትመ መጽናዕታዊ ወረቐት ኣብ መንጎ 2020ን 2040ን ክስተት ወይ ተርእዮ ፕሮስተይት ካንሰር ብደረጃ ዓለም ዕጽፊ ክኸውን’ዩ ክብል ተተንብዩ።” ፕሮፈይሰር መርፊ ከም ዝገልጾ።
ብዘይካ ካንሰር ቆርበት፣ እዚ እቲ ኣዝዩ ብብዝሒ ዝረአ ብሕክምና ዝተረጋገጸ ካንሰር ኣብ ኣውስትራልያውያን ደቂተባዕትዮ ወይ ሰብኡት’ዩ። ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣውስትራልያ ክሳብ 80 ዓመት ዕድመ ዝበጽሓሉ ብካንሰር ፕሮስተይት ክሓምም ወይ ከጋጥሞ ዘሎ ተኽእሎ ካብ ሓሙሽተ ኢድ ሓደ’ዩ።Professor Declan Murphy
ሚስ ክሮው ጠንቂታት ካንሰር ፕሮስተይት ምሉእ ምሉእ ዝተረዳእናዮም ኣይኮንናን ትብል።
ምስ ፕሮስተይት ብፍሉይ ዝተኣሳሰር ፕሮስተይት-ስፐሲፊክ ኣንቲጀን ወይ ፒኤስኤ፣ ቅድሚ ምልክታት ሕማም ምምዕባሎም ወይ ምርኣዮም ኣንፈታት ፕሮስተይተት ካንሰር ኣብ ምፍላጥን ምልላይን ክሕግዝ ይኽእል። ኣውስትራልያ ኣብ'ዚ እዋን ሓደ ሃገራዊ መደብ መርመራ ህዝቢ ንፕሮስተይት ካንሰር የብላን፣ ስለ'ዚ ደቂተባዕትዮ ብዛዕባ መርመራ ፒኤስኤ፣ ተኽእሎ ረብሓታቱን ሓደጋታቱን ምስ ሓኪም ቤተሰቦም ድሕሪ ምዝርራብ፣ ኣፍልጦ ዘለዎ ውሳነ ክወስዱ ይተባብዑ።
ካብ ከባቢ 50 ዓመት ዕድመ፣ ደቂተባዕትዮ ብዛዕባ ቀጻሊ መርመራ ፒኤስኤ ምግባር የድልዮም እንተኾይኑ ምስ ሓኪም ቤተሰቦም ወይ ዶክተሮም ክዘራረቡ ይኽእሉ። እቶም ኣብ ዝለዓለ ሓደ ዝርከቡ ደቂተባዕትዮ እዚ ዓይነት ዝርርብ ኣቐዲሙ ክህልዎም ክምከሩ ይኽእሉ’ዮም። ፕሮፈይሰር መርፊ ብኸም’ዚ ይገልጾ።
“ብዛዕባ ፕሮስተይት ካንሰር ትሻቐሉ እንተኾይንኩም ምልክታት ሕማም ኣይትጸበዩ ኢኹም።” ይብል ፕሮፈይሰር መርፊ።
“ኣብ ዝለዓለ ተኽእሎ ሓደጋ ተመርሚሮም ፕሮስተይት ካንሰር ክህልዎም ዝኽእል ፍሉያት ሕሙማት ኣለዉ፣ ንኣብነት ርጉጽ ዝኾነ ሕሉፍ ታሪኽ ዘለዎም፣ ምቅይያር ዘርኢ (ጀነቲክ ምዩቴሽን) ዘለዎም ሕሙማት፣ ከምኡ’ውን ካብ ገለ ዓሌታዊ ድሕረ ባይታ ዝኾኑ ሕሙማት፣ ንኣብነት ኣፍሮ-ካሪብያን ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ። ኣብ’ዚኦም ኣብነታት፣ ካብ 45 ዓመት ዕድመ ንንየው ጀሚሮም ብዛዕባ ዝምርመርሉ ዕላል ክጅምሩ ከምዘለዎም ንመኽሮም።”

ኣማራጺታት ሕክምናን ፍወሳን ንመንሽሮ ፕሮስተይት እንታይ እዮም፧
ምክትታልን ምእላይን ፕሮስተይት ካንሰር ኣብ’ቲ ተመርሚሩ ክፍለጥ ወይ ክርከብ’ንከሎ ዝነበሮ ደረጃን ብርታዐን’ቲ ካንሰር ይምርኮስ ክብል ፕሮፈይሰር መርፊ ይገልጽ
“እቶም ዝሓመሙ ሰባት ምርካብ ብምርመራ ፕሮስተይት ካንሰር ማለት ሕክምና ንፕሮስተይት ካንሰር ድሕሪ ደጊም ዘይተርፍ’ዩ ማለት ከምዘይኮነ ክረጋግኡ ክግበሩ ኣለዎም።”
“እኳ ደኣ፣ ኣብ’ዚ እዋን፣ ኣብ ከም በዓል ኣውስትራልያ ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ልዕሊ 90% ሕሙማት ኣብ ግዜ ምርካቡ እቲ ኣብ ፕሮስተይት ጥራይ ዝተሓጽረ ካንሰር ዘለዎም ዝኾኑ፣ ንዓና ምክትታል ወይ ምምልካቱ ጥራይ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንምእላይ’ቲ ካንሰር ክኸውን ከምዝኽእል ኢላ ምምካር ብጣዕሚ ዝተለምደ’ዩ።”
ኣብ ግዜ ንጡፍ ምዕዛብን ምክትታልን፣ ሕሙማት ቀጻሊ መርመራታትን ምክትታላትን ይህልውዎም፣ ሕክምና ኣብ ግምት ዝኣቱ ምልክታት ምግስጋስ’ቲ ካንሰር ምስ ዝህልዉ ይኸውን።
ፕሮፈይሰር መርፊ ክገልጽ’ንከሎ ዝያዳ ዘጥቅዕ ዓይነት ፕሮስተይት ካንሰር ንዘለዎም ሕሙማት፣ መጥባሕቲ፣ ሕክምና ጨረር (ራዲየሽን ቴራፒ)፣ ኬሞተራፒን ሆርሞንተራፒን ገለ ካብ’ቶም ክሕሰቡ ዝኽእሉ ኣማራጺታት ሕክምና’ዮም ይብል።
“ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነት ናውቲ ኣለዉ ሕጂ ኣብ ምቁጽጻር ነዚ ካንሰር ንጥቀመሎም። ኣብ ዝሓለፈ 10 ወይ ገለ ዓመታት ቅልጡፍ ምምሕያሻት ኣብ’ቶም ንሕሙማትና ዘለዉና ኣማራጺታት ኣለዉ ምባል ቅቡል’ዩ፣ እቲ ካንሰር ድሮ ናብ ካልኦት ክፋላት ሰብነትና’ውን ተስፋሕፊሑ እንተሃለወ።”
ውጽኢታት ሕክምናት ኣብ ዓይነትን ደረጃ’ቲ ካንሰርን ይፈላለዩ፣ እንተኾነ ግን ብዕሸሉ ወይ ብኣግኡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ’ንከሎ ተመርሚሩ ዝተረኽበ ፕሮስተይት ካንሰር ብሓፈሽኡ ኣዝዩ ልዑል መጠን ምጽናሕ ኣለዎ።

ተሞክሮ ሕማምም መንሽሮ ፕሮስተይት እንታይ ይመስል፧
ዳኒ ሞይል፣ መጠናት መርመራ ፒኤስኤ በቕሩብ ንላዕሊ ይድይቡ ስለዝነበሩ ኢሉ፣ ሓኪሙ ናብ ሓኪም ሽንቲ ክምርመር ክልእኮ’ንከሎ ወዲ 65 ዓመት ኔሩ።
“ተወሰኽቲ መርመራታት ኣካይድና፣ እቲ ምኽሩ ምሉእ ምቑራጽ ወይ ምውጻእ’ቲ ፕሮስተይት ኔሩ፣ ኣብ’ቲ ዓመት ድማ ተኻይዱለይ።” ሚስተር ሞይል የካፍል።
“ተወሰኽቲ መርመራታት ኣካይድና፣ እቲ ምኽሩ ምሉእ ምቑራጽ ወይ ምውጻእ’ቲ ፕሮስተይት ኔሩ፣ ኣብ’ቲ ዓመት ድማ ተኻይዱለይ። እዚ ብጣዕሚ ተሰሚዑኒ፣ ምኽንያቱ ምልጋስ ወይ ምስኣን ዓቢይ ክፋል መራብሒ ክፋል ሰብነተይ ኢና ንሓስብ ዘለና፣ ብመንጽር ጾታዊ ርክባትን ካልእን ዓቢይ ጽልዋ ኣብ ህይወተይ ክህልዎ ዝኽእል ማለት’ዩ።” ክብል ገሊጹ።
ድሕሪ መጥባሕቲ ግን መጠን ፒኤስኤ ሚስተር ሞይል ደጊሙ ክውስኽ ጀሚሩ፣ ዋህዮታት ካንሰር ኣብ ሰብነቱ ተሪፎም ኣለዉ ዝብል ሻቕሎት ብምፍጣር።
“እቲ ካንሰር ኣብ ገለ ቦታ ኣሎ ማለት’ዩ። ርዱእ’ዩ ኣብ ፕሮስተይት ኣይኮነን ክህሉ፣ ንሳ ከይዳ’ያ። እቲ ዘገርም ነገር ብዛዕባ ዋህዮታት ፕሮስተይት ካንሰር ግን፣ ኣብ ነብስና ኣበይ ይህልዉ ብዘየገድስ፣ ፒኤስኤ ምፍራዮም ክቕጽሉ’ዮም፣ ካብ ዝኾነ ቦታ ክኸውን ይኽእል’ዩ።” ይብል ሚስተር ሞይል።
ኣብ ዝመጹ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ሓካይም ሚስተር ሞይል መጠናት ፒኤስኤ ናቱ ምክትታሎም ቀጺሎም። እቲ ናይ ጨረር ዝከታተለሉ ሓኪም ካንሰር ኣብ መወዳእትኡ በዓል ሸውዓተ እምረ ሕክምና ጨረር (ራዲየሽን ተራፒ)ን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሕክምና ሆርሞን (ሆርሞን ተራፒ)ን ኣዚዝሉ።
“ጽቡቕ ብዙሓት ኣዋርሕ ናይ ህይወተይ ኣይኮነን ኔሩ ዝሓለፈ ዓመት። ድሕሪኡ ተመሊሰ ናብ ናይ ክልተ፣ ሰለስተ ኣዋርሕን ድሕሪኡ ድማ ሽዱሽተ ወርሒ ምዕቃንን ምክትታልን ፒኤስኤ ሰጊሩ። እታ ናይ መወዳእታይ መርመራ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውጽኢታ ክረአ ዘይከኣል ዝብል’ዩ ኔሩ፣ ስለ’ዚ ነገራት ንጽቡቕ ጥራይ’ዮም ዝኸዱ ዘለዉ።” ይብል ሚስተር ማይል ክዝክር'ንከሎ።
ሚስ ክሮው ብፕሮስተይት ካንሰር ከም ዝሓመሙ ምስ ዝረጋገጹ ደቂተባዕትዮ፣ ንስንባደን ዘይርጉጽነትን ወሲኽኻ፣ ብዝተፈላለዩ ስምዒታት ክሓልፉ ዝተለምደ’ዩ ትብል።
“ስለ’ዚ ስንባደ ብጣዕሙ ልሙድ’ዩ። ብእኡ ክሓልፉ ምግዳፎምን እቲ ሕጂ ዝስመዖም ዘሎ ኩሉ ፍጹም ንቡር ምዃኑ ምግላጽ፣ ብጣዕሚ ልሙድ’ዩ፣ ግን ሓንሳብ ገለ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ እናቐለለ ክኸይድ’ዩ። ሓንሳብ እቲ መደብ ሕክምናን ፍወሳን እንታይ ምዃኑ ምስ ፈለጥዎ፣ ሕክምና ኣካል ናይ ህይወቶም ይኸውን።” ኢላ ትገልጽ
ንመንሽሮ ፕሮስተይት ዘለዎም ደቂተባዕትዮ ዘሎ ደገፍ እንታይ እዩ፧
ፕሮስተይት ካንሰር ዝሓዞም ሰባት ብዙሓት ዓይነታት ደገፋት ተቐሪቦምሎም ኣለዉ፣ ንተሓጋገዝቲ ሕሙማት ወይ ነርሳት ስነሽንቲ ከም በዓል ምስ ክሮው ወሲኽካ ማለት’ዩ፣ ሕቶታት ዝምልሳሎምን ንዕኦም ዝምጥን፣ ንቀጻሊ ምክትታል ፕሮስተይት ካንሰር ወሲኽካ፣ ፍሉይ ክንክን ዝቕርባሎምን።
ንሚስተር ሞይል፣ ደገፍ በዓልቲ ቤቱን ስድራቤቱን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኔሩ፣
“ብዝለዓለ መጠን ዝበለጸትን ዝዓበየትን ደገፍ ንዓይ ዝነበረት በዓልቲ ቤተይ'ያ... ሓካይመይን ፍሉያት ክኢላታት ዝኸድኩዎምን፣ ኣብ'ቲ ክፋል ናይ'ቲ ጉዕዞኦም ኩሎም ብጣዕሚ ኣዝዮም ሓገዝቲን ደገፍቲን ኔሮም።” ኢሉ።
ንሱ ድሕሪኡ ናይ ከባቢኡ ማሕበር ወይ ጉጅለ ደገፍ፣ ኣብ ባርጋራ፣ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ መስሪቱ።
“እዚ ካልኦት ደቂተባዕትዮ ብዛዕባ’ቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ተመሳሳሊ ጉዕዞ ክዛረቡ ዓቢይ ፍልልይ ኣምጺኡ፣ ብዛዕባ ውልቃዊ ጸገማትና ነዕልልን ነንሓድሕድና ንደጋገፍን፣ እዚ ኣዝዩ ዘገርም’ዩ። እቶም ዝተዛረቡ ዕዱማት ኣጋይሽና’ውን ብዛዕሚ ዝድነቑ ኔሮም፣ እቲ ንካልኦት ኣባላት’ቲ ማሕበር ወይ ጉጅለ ዝሃብዎ ደገፍ ድማ ብጣዕሚ ዝነኣድ ኔሩ።” ክብል ሚስተር ሞይል ይገልጽ።
ብዛዕባ ፕሮስተይት ካንሰርን ኣብ ከባቢኹም ብዛዕባ ዝርከቡ ጉጅለታት ደገፍን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ መርበባት ሓበሬታ ማእከል ፕሮስተይት ኣውስትራልያ (Australian Prostate Centre) ን ማሕበር ፕሮስተይት ካንሰር ኣውስትራልያ (Prostate Cancer Foundation of Australia) ከፊትኩም ተመልከቱዎም።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au






