ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ንተመሃሮ ኣገዲዱ ናብ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ውትህድርናን ናይ መንግስቲ ስራሓትን ዝገብር ቀንዲ ጠንቂ ናይ ኣሻሓት ስደት ኤርትራዊያን ምዃኑ 87 ገጽ ዝሓዘ ሓዲሽ ናይ ሁዪማን ራይት ዎች ሪፖርት ገሊጹ።
እቲ ብዓርቢ ዝወጸ ናይ ሁዪማን ራይት ዎች ጸብጻብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ ንተመሃሮ ናብ ግዱድ ስራሕን ኣካላዊ ግህሰት ዘገድድ ዘሎን ንመንእሰያት ኣብ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ኣገልግሎት መንግስቲ ዘዳሉ መደብ እዩ እዩ ኢሉ።
ኣብ ሕማለ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ውዕል እንተፈረማ እኳ እቲ ተስፋ ከፊቱ ዝነበረ ናይ ሰላም ዉዕል እቲ ብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 1993 ሒዝዎ ዝጸንሐ ፖሊሲ ብዘይምቕያሩ እቲ ተስፋ ከምዝጸልመተ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ ኣሎ።
ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብ ዉሕሃ ዝወጽእ ብዝጸንሐ ጸብጻባትውን ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምቕጥቃጥ ደቂ ሰባትን ንዜጋታት ናብ ገላዩ ዝቕይር መደብ ሃገራዊ አገልግሎት ክትውቀስ እያ ጸኒሓ።
Global Slavery Index ኣብ ዓለም ደረጃ ግልያነት ሃገራት ዝዕቅን ኮይኑ፤ ካብ 93 ካብ 1,000 ዜጋታት ኣብ ዘመናዊ ባርነት ዘለዉዋ ኤርትራ ምዃና ካብ ዓለም ብባርነት ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ካል ኣይ ተርታ ሰሪ ዕዋ ኣሎ።
"Human Rights Watch ብዝገበሮ ምርምር ዝበዝሑ ኤርትራዊያን ምሉእ ናይ ስራሕ ዕድሚኦም ንመንግስቲ ንምግልጋል ህይወቶም ኣብ ወተሃደራዊ ወይ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ከምዘሕልፍዎ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።
"እዚ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሰል፡ ናጽነትን ህይወት ኤርትራዊያ ርኡይ ጽልዋ ጌሩ ዘሎ ጉዳይ እዩ።” ክብል እቲ ናይ ሁዪማን ራይት ዎች ገሊጹ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ብዙሓት ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ናብ ግዱድ ዕስክርና ይኽተቡ።
ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ 2003 ኣትሒዙ ናይ መወዳእታ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፤ ተመሃሮ ናብ ሳዋ ተወሲዶም ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲዶም እዮም ዝውድኡ።
ካብቶም ኣብ ሳዋ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቲ ዝውድኡ ዉሑዳት ናብ ኮለጃት ኣትዮም ምስወድኡ ናብ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ዝምደቡ ኮይኖም፤ እቶም ዝበዝሑ ኣብ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እዮም ዝምደቡ።
ኣብ ሳዋን ክኒኡን “ተመሃሮ ብሕማቕ ይተሓዙ፡ ብወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ይተሓዙ፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ይወርዶምን ኣብ ግዱድ ስራሕ ይዋፈሩን” ክብል ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ሳዋ ኣዋልድ ግብረ ስጋዊ ዓመጽ ከምዝወርደን’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ፡፤
ሁዪማን ራይት ዎች ን 73 ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮን መምህራንን ቃለ መሕትት ጌሩ ነቲ ጸብጻብ ኣዳልይዎ ዘሎ። ኩሎም እዞም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ኤርትራ ተመሃሮን መምህራንን ዝነበሩ ኮይኖም ኣብዚ እዋን ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጣልያንን ስዊዘርላንድድ ተሰዲዶም ዘለዉ እዮም።
"ናብ ሳዋ ምስከድካ፡ ርእስኻ ገዲፍካ ብርእሶም ኢኻ ክትሓስብ ትጅምር፡ ኣብቲ ቦታ ምስኣተኻ ናይ መጻኢ ተስፋ ኣይረኣየካን እዩ ” ክብል ሓደ ኣብ 2015 ኣብ ሳዋ ዝነበረ ን ሁዪማን ራይት ዎች መርመርቲ ክገልጽ ከሎ፡
"ምሂሮሙና ዘይኮኑስ ናብ ግልያታት እዮም ቀይሮምና” ክብል ካልእ ተሓታቲ መሊሱ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሁዪማን ራይት ዎች ኣስታት 507,300 ኤርትራዊያን ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ካብ 18 ክሳብ 24 ዕድመ ዘለዎ እዮም ።
እዚ ንነዊሕ ዓመታት ቀጺሉ ዘሎ ብግዱድ ዓሳክር ዝፈጥር መደብ ትምህርቲ ንተመሃሮን መምህራንን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጌሩ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ባዕሎም ከይውስኑ ዝገብር፡ መምህራን ትሑት መሃያ እናተኸፍሎም ሞራሎም ዝቐትልን መደብ ብምዃኑ ውጽኢቱ መምህራን ካብ ክፍሊ ክቦኽሩ ወይ ሞራሎም ስለዝትንከፍ ሳዋ መፍረዮ ወተሃደራት እምበር ብቑዓት ተመሃሮ ዘይፈርዩላ ከምዝኾነት እቲ ጸብጻብ ደምዲሙ ኣሎ።




