“ ሳዋ፡ ኣፍራይት ግዱድ ግልያታት መንግስቲን ስደተኛታትን” ሁዪማን ራይት ዎች

News

Source: Twitter

ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ንተመሃሮ ኣገዲዱ ናብ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ውትህድርናን ናይ መንግስቲ ስራሓትን ዝገብር ቀንዲ ጠንቂ ናይ ኣሻሓት ስደት ኤርትራዊያን ምዃኑ 87 ገጽ ዝሓዘ ሓዲሽ ናይ ሁዪማን ራይት ዎች ሪፖርት ገሊጹ።


ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ንተመሃሮ ኣገዲዱ ናብ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ውትህድርናን ናይ መንግስቲ ስራሓትን ዝገብር ቀንዲ ጠንቂ ናይ ኣሻሓት ስደት ኤርትራዊያን ምዃኑ  87 ገጽ ዝሓዘ ሓዲሽ ናይ ሁዪማን ራይት ዎች  ሪፖርት ገሊጹ።

እቲ ብዓርቢ ዝወጸ  ናይ ሁዪማን ራይት ዎች ጸብጻብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ ንተመሃሮ ናብ ግዱድ ስራሕን ኣካላዊ ግህሰት ዘገድድ ዘሎን ንመንእሰያት ኣብ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ኣገልግሎት መንግስቲ ዘዳሉ መደብ እዩ እዩ ኢሉ።

ኣብ ሕማለ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ውዕል  እንተፈረማ እኳ እቲ ተስፋ ከፊቱ ዝነበረ ናይ ሰላም ዉዕል እቲ ብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 1993 ሒዝዎ ዝጸንሐ ፖሊሲ ብዘይምቕያሩ እቲ ተስፋ  ከምዝጸልመተ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ ኣሎ።

ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብ ዉሕሃ ዝወጽእ ብዝጸንሐ ጸብጻባትውን ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምቕጥቃጥ ደቂ ሰባትን ንዜጋታት ናብ ገላዩ ዝቕይር መደብ ሃገራዊ አገልግሎት ክትውቀስ እያ ጸኒሓ።

Global Slavery Index ኣብ ዓለም ደረጃ ግልያነት ሃገራት ዝዕቅን ኮይኑ፤ ካብ  93 ካብ 1,000 ዜጋታት ኣብ ዘመናዊ ባርነት ዘለዉዋ ኤርትራ ምዃና ካብ ዓለም ብባርነት ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ካል ኣይ ተርታ ሰሪ ዕዋ ኣሎ።

"Human Rights Watch ብዝገበሮ ምርምር ዝበዝሑ ኤርትራዊያን ምሉእ ናይ ስራሕ ዕድሚኦም ንመንግስቲ ንምግልጋል ህይወቶም ኣብ ወተሃደራዊ ወይ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ከምዘሕልፍዎ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።

"እዚ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሰል፡ ናጽነትን ህይወት ኤርትራዊያ ርኡይ ጽልዋ ጌሩ ዘሎ ጉዳይ እዩ።” ክብል እቲ ናይ ሁዪማን ራይት ዎች  ገሊጹ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ብዙሓት ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ናብ ግዱድ ዕስክርና  ይኽተቡ።

ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ 2003 ኣትሒዙ ናይ መወዳእታ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፤ ተመሃሮ ናብ ሳዋ ተወሲዶም ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲዶም እዮም ዝውድኡ።

ካብቶም ኣብ ሳዋ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቲ ዝውድኡ ዉሑዳት ናብ ኮለጃት ኣትዮም ምስወድኡ ናብ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ዝምደቡ ኮይኖም፤ እቶም ዝበዝሑ ኣብ መወዳእታ ግዜ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እዮም ዝምደቡ።

ኣብ ሳዋን ክኒኡን “ተመሃሮ ብሕማቕ ይተሓዙ፡ ብወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ይተሓዙ፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ይወርዶምን ኣብ ግዱድ ስራሕ ይዋፈሩን” ክብል ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ሳዋ ኣዋልድ ግብረ ስጋዊ ዓመጽ ከምዝወርደን’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ፡፤

ሁዪማን ራይት ዎች ን 73 ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮን መምህራንን ቃለ መሕትት ጌሩ ነቲ ጸብጻብ ኣዳልይዎ ዘሎ። ኩሎም እዞም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ኤርትራ ተመሃሮን መምህራንን ዝነበሩ ኮይኖም ኣብዚ እዋን ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጣልያንን ስዊዘርላንድድ ተሰዲዶም ዘለዉ እዮም።

"ናብ ሳዋ ምስከድካ፡ ርእስኻ ገዲፍካ ብርእሶም ኢኻ ክትሓስብ  ትጅምር፡ ኣብቲ ቦታ ምስኣተኻ ናይ መጻኢ ተስፋ ኣይረኣየካን እዩ ” ክብል ሓደ ኣብ 2015 ኣብ ሳዋ ዝነበረ ን ሁዪማን ራይት ዎች መርመርቲ ክገልጽ ከሎ፡

"ምሂሮሙና ዘይኮኑስ ናብ ግልያታት እዮም ቀይሮምና” ክብል ካልእ ተሓታቲ መሊሱ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሁዪማን ራይት ዎች  ኣስታት 507,300 ኤርትራዊያን ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ  ካብ 18 ክሳብ 24 ዕድመ ዘለዎ እዮም ።

እዚ ንነዊሕ ዓመታት ቀጺሉ ዘሎ ብግዱድ ዓሳክር ዝፈጥር መደብ ትምህርቲ ንተመሃሮን መምህራንን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጌሩ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ባዕሎም ከይውስኑ ዝገብር፡ መምህራን ትሑት መሃያ እናተኸፍሎም  ሞራሎም ዝቐትልን መደብ ብምዃኑ ውጽኢቱ መምህራን ካብ ክፍሊ ክቦኽሩ ወይ ሞራሎም ስለዝትንከፍ ሳዋ መፍረዮ ወተሃደራት እምበር ብቑዓት ተመሃሮ ዘይፈርዩላ ከምዝኾነት እቲ ጸብጻብ ደምዲሙ ኣሎ።


Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
“ ሳዋ፡ ኣፍራይት ግዱድ ግልያታት መንግስቲን ስደተኛታትን” ሁዪማን ራይት ዎች | SBS Tigrinya