ኣብ ናይ ዝሓለፈ መደብና ብዛዕባ ሓደ ዕዉት ጉዕዞ ዝምልከት መደብ ብዛዕባ ሰላም ጉዕሽ ኣቕሪብና ኔርና። ሰላም ኣብ 2008 ጓል 19 ዓመት ከል'ያ ካብ ኤርትራ ሃዲማ ንኣስጋገርቲ ከፊላ ዶብ ሰጊራ ናብ ሱዳን ኣትያ ። ብ2011 ናብ ሆባርት ፡ ታዝማኒያ ክትኣቱ'ከላ ፣ እንግሊዝኛ ኰነ ዝሓዘቶ ፓስፖርት ኣይነበራን ። ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ ኣብ ሆባርት ድሕሪ ምጽናሕ ብማሕበረሰበይ ክኽበብ ኣሎኒ ብምባል ናብ መልበርን ግዒዛ ። ብመገዲ ዶ/ር ብርሃን ኣቢላ ድማ ናይ ጽርየት ስራሕ ትረኽበሉ መገዲ ረኺባ። እቲ ዝጀመረቶ ስራሕ ማዕቢሉ ንገዛእ ርእሳ ኮይና ደቃ እናዕበየት ካልኦት ኣብ ትሕቲኣ ካልኦት’ውን ስራሕ ክረኽቡ ዕድላ ከፊታ ትርከብ። ነዚ ናይ ሰላም ጉዕዞ ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዘይትፈልጥ ዝነበረት ስደተኛ ናብ ወናኒት ስራሕ ዘሰጋገረ ህይወት ምስ ሰላምን ምስቲ ዝሓገዛ ዶ/ር ብርሃንን ኮይና ዳህሲስናዮ ኔርና። ሎሚ ዝተረፈ ትሕዝቶኡ ቀሪቡ ኣሎ።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፡ ስለ ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ንዝቐረበ ወቐሴታ ምላሽ ሂቡሉ።
ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ" ናብ ስራሕ ይመለስ ዝብል ውሳነ ከም ዘይቕበሎ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ደጊሙ ገሊጹ።
ህወሓት ብወገኑ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ፡ ዝቕባበ ናብ ሰማይ ከምዘዕረጎ ፣ ናይ ፌደራል ተረዠረር ጂም ቻምበርስ ብምግላጽ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ እናገደደ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተኣሚኑ ።
ኣብ ለንደን ክልተ ኣይሁዳውያን ሰብኡት ተወጊኦም ፣ ፖሊስ ነቲ ተግባር ግብረ-ሽበራዊ ፍጻመ ገይሩ ሒዝዎ ኣሎ ።
ህንዲ ካብቶም ምንጪ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዝበዝሑ ተቐማጦኣ ኣውስትራሊያውያን ኮይና ኣላ ።












