Getty Images/sarainiyan Source: Getty Images/sarainiyan.... ናይ ብሕቲ ፕረስ ካብ ምእሳርን ምግፋዕን ጋዜጠኛታት ክሳብ ዘየስርሕ ሕጊ ፕረስን ምድራት ምጥቃም ኢንተርነት ኣብ ግምት ኣእትዩ CPJ ብዝሰርዖ ናይ ፕረስ ጨቆንቲ ተርታ ሃገራት፡ ንኤርትራ ቀዳመይቲ ክገብራ ከሎ ንሰሜን ኮርያ ካልኣይቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሱዕዲ ዓረብ ተኸቲላ ኣብ ራብዓይ ተርታ መዲብዋ ኣሎ። ብመሰረት ትንታነ CPJ፡ ኤርትራን ደቡብ ኮርያን ዝጥቀማሉ ኣገባብ ኣታዓፋፍና ነጻ ፕረስ፡ ብደረጃኡ ዝፈላለ ኮይኑ ፡ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ናይ ስልጣን ጽምኣቶም ንምርዋይ፡ ንኹሉ መዲያ ኣብ ኢዶም ብምእታው ይቆጻጸርዎ፡ መርበባት ስለያ ኣዋፊርካ ንጋዜጠኛታት ብምፍርራሕን ኣብ ማእሰርቲ ንዓመታት ምዕጻውን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣትዮም ብዛዕባቲ ሃገር ክጽሕፉ ንዝደሊዩ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ናብ ሃገረን ካብ ምእታው ምኽልካልን ይርከቦ። እምበኣር ነዚ ኩነታት ፕረስ ኤርትራ እንታይ ይመስል ክንምልከት ናይ ሎሚ ዛዕባና ምግባርና ብወዝቢ ኣይኮነን። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 15 ዓመት ዘቑጸሩ ንምዝካር ኢና ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ እንሆ ዛዕባ ሎሚ ።
.... ናይ ብሕቲ ፕረስ ካብ ምእሳርን ምግፋዕን ጋዜጠኛታት ክሳብ ዘየስርሕ ሕጊ ፕረስን ምድራት ምጥቃም ኢንተርነት ኣብ ግምት ኣእትዩ CPJ ብዝሰርዖ ናይ ፕረስ ጨቆንቲ ተርታ ሃገራት፡ ንኤርትራ ቀዳመይቲ ክገብራ ከሎ ንሰሜን ኮርያ ካልኣይቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሱዕዲ ዓረብ ተኸቲላ ኣብ ራብዓይ ተርታ መዲብዋ ኣሎ። ብመሰረት ትንታነ CPJ፡ ኤርትራን ደቡብ ኮርያን ዝጥቀማሉ ኣገባብ ኣታዓፋፍና ነጻ ፕረስ፡ ብደረጃኡ ዝፈላለ ኮይኑ ፡ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ናይ ስልጣን ጽምኣቶም ንምርዋይ፡ ንኹሉ መዲያ ኣብ ኢዶም ብምእታው ይቆጻጸርዎ፡ መርበባት ስለያ ኣዋፊርካ ንጋዜጠኛታት ብምፍርራሕን ኣብ ማእሰርቲ ንዓመታት ምዕጻውን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣትዮም ብዛዕባቲ ሃገር ክጽሕፉ ንዝደሊዩ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ናብ ሃገረን ካብ ምእታው ምኽልካልን ይርከቦ። እምበኣር ነዚ ኩነታት ፕረስ ኤርትራ እንታይ ይመስል ክንምልከት ናይ ሎሚ ዛዕባና ምግባርና ብወዝቢ ኣይኮነን። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 15 ዓመት ዘቑጸሩ ንምዝካር ኢና ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ እንሆ ዛዕባ ሎሚ ።