Eri National team Source: Eri National team10 ኣባላት ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ 14 ጥቅምቲ 2015 ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ኤርትራ ኣንጻር ቦትስዋና ድሕሪ ምስታፍ ጋንትኦም 3-1 ተሳዒራ፡ ንሳቶም ኣብኡ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ይዝከር። ኣብቲ ፈለማ ኢዶም ዝሃብሉ መንግስቲ ቦትስዋና ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም ኢሉ ክመልሶም ሃቂኑ እንተነበረኳ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንዓዶም ከይምለሱን ጉዳዮም ክስማዕን ውሳነ ሂቡ። እቶም ተጻወቲ ብሓደ ዲክ በይፎርድ ዝተባህለ በቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተቖጽረ ጠበቓዮም ተወኪሎም። ኣብዚ እዋን ኩነታቶም ከመይ ከምዘሎ ንምፍላጥ ኢብራሂም ናብቲ ኣብ ቦትስዋና ዘለዉዎ መዕቆቢ ደዊሉ ኣዘራሪብዎም ኣሎ እንሆ ድማ ነቕርቦ፡፣
10 ኣባላት ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ 14 ጥቅምቲ 2015 ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ኤርትራ ኣንጻር ቦትስዋና ድሕሪ ምስታፍ ጋንትኦም 3-1 ተሳዒራ፡ ንሳቶም ኣብኡ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ይዝከር። ኣብቲ ፈለማ ኢዶም ዝሃብሉ መንግስቲ ቦትስዋና ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም ኢሉ ክመልሶም ሃቂኑ እንተነበረኳ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንዓዶም ከይምለሱን ጉዳዮም ክስማዕን ውሳነ ሂቡ። እቶም ተጻወቲ ብሓደ ዲክ በይፎርድ ዝተባህለ በቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተቖጽረ ጠበቓዮም ተወኪሎም። ኣብዚ እዋን ኩነታቶም ከመይ ከምዘሎ ንምፍላጥ ኢብራሂም ናብቲ ኣብ ቦትስዋና ዘለዉዎ መዕቆቢ ደዊሉ ኣዘራሪብዎም ኣሎ እንሆ ድማ ነቕርቦ፡፣