UN Human Right Declaration Project
“betrayal of women's human rights” (SBS) Source: “betrayal of women's human rights†(SBS)
ብመሪሕነት መስራትን ዋና ኣዳላውን ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ንናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣዋጅ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብትግሪኛ ተተርጉሙ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራዊያን ተነቢቡ ብምልክዕ ቪድዮ ተዳልዩ ተዘርጊሑ ይርከብ፡፣ እዚ ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ዓናቕጽ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ንዝወረደ ግህሰትን ግፍዕን መሰረት ገይሩ እዩ ኣብ 1948 ወጺኡ። ሓፈሻዊ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምስቲ ዘንበብዎ ዓናቕጽ ኣተኣሳሲሮም ኣብቲ ኣብዚ ብትግርኛ ተተርጉሙ ዝተዳለወ ካብ ዝተሳተፉ፡ ንክብረኣብ ካብ ጀርመን፣ ንሰምሃር ካብ ስዊድን ከምኡውን ንሃብቶም ካብ ታይላንድ ኣዘራሪብናዮም ኣለና እንሆ።
Share



