SKIP TO MAIN CONTENT

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ ዘዕብይ፣ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ዘንእስ ካርታ ደጊፉ

World map showing all continents and oceans in an equal-area projection, overlaid with latitude and longitude grid lines, with the equator marked across the centre.
Source: Supplied / Strebe, Creative Commons

ካርታ ዓለም ዝያዳ ቅኑዕ ንክኸውን ምሕዳሱን ምትኽኻሉን ጽቡቕ ሓሳብ ክመስል ይኽእል’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ግን ብዛዕባኡ ሕጉሳት ኣይኮናን።


Published

By AFP - SBS

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / AFP


Skip to podcast episode content

ካርታ ዓለም ዝያዳ ቅኑዕ ንክኸውን ምሕዳሱን ምትኽኻሉን ጽቡቕ ሓሳብ ክመስል ይኽእል’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ግን ብዛዕባኡ ሕጉሳት ኣይኮናን።


ሓፈሻዊ ባይቶ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዘዕብይን ንሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ድማ ኣንእስ ዘብልን ካርታ ከጽድቕ ዝሓለፈ ቀዳም ንዝቐረበ ሓደ እማመ ድምጺ ሂብሉ።

"ሓደ ዝያዳ ቅኑዕ መጠንን ስእልን" ኣህጉራዊ ደረቕ መሬት ክህብ ዝዓለመ፣ እዚ እማመ ብ164 ሃገራት ክድገፍ’ንከሎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንጻሩ ኣድሚጻ፣ ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራት ድማ ድምጸ ተኣቅቦ ገይረን።

እዚ ሓድሽ ካርታ -- ማዕረ መሬት ስነካርታዊ ስእሊ ዝህብ ተባሂሉ ብ Equal Earth cartographic projection ዝጽዋዕ -- “ኣገዳሲ ኣማራጺ ንምምሕያሽ ቅኑዕነት ስነካርታዊ ምስሊ ዓለም” እዩ ክብል እቲ እማመ ገሊጹ።

እቲ እማመ ብተወሳኺ ኣባል ሃገራት ኣብ ክንዲ’ቲ ልምዳዊ መርካተር ፕሮጀክሽን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረን ንጉዕዞ ባሕሪ ተባሂሉ ብፍለሚሽ ክኢላ ስነካርታ ጀራርደስ መርካቶር ኣብ 1569 ዝተሳእለን ካርታ፣ ነዚ ሓድሽ ካርታ ክጥቀማ ይምሕጸን።

ነቲ እማመ ዝደፍኣሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቶጎ ሮበርት ድዩሲ፣ ካርታታት “ንትምህርቲ ይመርሑ፣ ንሕልናን ምብልሓትን ይምግቡን ሓባራዊ ኣረኣእያ ይጸልዉን።" ክብል ገሊጽዎም።

“ስለ’ዚ ፈጺሞም ዘይሻራዊ ኣይኮኑን፣ ዝተጠምዘዘ ምስሊ ናይ ፕላኔትና ምስ ዝውክሉ፣ ንወለዶታት ዝመሓላለፉ ዘይቅኑዓት ምስልታትት ከስፋሕፍሑ ተኽእሎ ሓደጋ ይህልዎም።”

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግን ነቲ እማመ ኮኒናቶ፣ ከም’ዚኦም ዓይነታት ስጉምትታትን ተግባራትን’ዮም “ነዚ ትካል ቅቡልነቱ ከጥፍእ ወይ ክስእን ዝገብርዎ ዘለዉ ምኽንያታት” ብምባል።

“ኣብ ሓቀኛ ጸገማት ኣብ ክንዲ ምትኳር . . . እዚ ኣካል ፕሮጀክትታት ካርታ ካብ መበል 16 ክፍለ ዘመንን ተርኦም ኣብ ምትብባዕ ካሕሳታትን መሰል ማዕረ ህላወን ምንባርን ብዙሕነት ዘለዎም ስርዓተ ፍልጠታት ማለት ደቀባታዊ፣ ባህላውን ልምዳውን ፍልጠታት፣ ምግላል ወይ ምስራዝ ከየጋጠሞም ማዕረ ዘመናዊ ምዕራባዊ ስነፍልጠት ብሓባር ክነብርሉ ዝኽእሉ መሰል፣ cognitive justice ኢሉ ይካታዕ ኣሎ” ክትብል ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ያርዪና ፈረንሰቪች ቀቅድሚ ምሃብ ድምጺ ተዛሪባ።

‘ዝተጠምዘዘ/ዝተዛብዐ ምስሊ

እቲ ናይ ቀደም መርካቶር ፕሮጀክሽን ኣብ ቅኑዕ ምቕራጽ ቅርጽታትን ኩርናዓትን ደረቕ ማያት ዘተኩር ኔሩ፣ እቲ ተዛማዲ መጠኖም ግን ብዙሕ ግዜ ዘይቅኑዕ ወይ ጌጋ ኔሩ - ብኸፊሉ ብምኽንያት ብድሆታት ምቕማጥ ስሉስ-መኣዝናዊ ግሎብ ናብ ክልተ-መኣዝናዊ ካርታ’ዩ።

ንሰሜናዊ ዞባታታት ወይ ክፋላት ዓለም ካብ መጠኖም ንላዕሊ ክነፍሖም’ንከሎ ነቶም ኣብ ቅናት ምድሪ (ኢኳቶር) ዘለዉ ጾሚቕዎም፣ ንኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ኣዝዮም ዝዓበዩ ገይርዎም፣ ንኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ከኣ ጾሚቕወን ወይ ኣንኢስወን።

ሓደ እኩብ ወይ ጉጅለ ክኢላታት ስነካርታ ኣብ 2018 ማዕረ መሬት ዝህልዎ ምስሊ ዝዝርግሕ 'ኢኳል አርዝ ፕሮጀክሽን' ኣበጊሶም። እዚ ንኣፍሪቃ፣ ላቲን ኣሜሪካ፣ ደቡብ ኤስያን ኦሺያንያን ኣዝዮም ዝዓበዩ ከምዝመስሉ ይገብሮም።

Map of World - Mercator Projection
እቲ The Mercator projection ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትንበያዊ ካርታ ካብ 1500ታት ጀሚሩ ከም ልምዲ ዝሰራሓሉ ካርታ ዓለም ኮይኑ፡ ንዓቐንን መጠንን ብዙሓት ኣህጉራት ግን ኣዝዩ ይጥምዝዞ። Source: AAP / Mary Evans

“ኢኳል አርዝ ተዛማዲ ስፍሓት ገበር ኣህጉራት ይዕቅብ፣ ብዝተኻእለ መጠን ድማ፣ ንቅርጽታቶም ከም’ቲ ኣብ ሓደ ግሎብ ዝረኣይዎ ገይሩ የመልክቶም ወይ የቕርቦም፣” ክብል ሓደ ካብ’ቶም ክኢላታት ስነካርታ፣ ቦያን ሳቭሪች፣ ንወኪል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ -ኤኤፍፒ) ኣብ 2025 ሓቢሩ።

እታ ነቲ ሓድሽ ካርታ ዝድግፍ እማመ ብሓባር ዘበገሰት ፈረንሳ ነቲ ናይ ቀደም መርካተር ፕሮጀክሽን ክትገድፎ ምዃና ቀዳም ኣፍሊጣ።

ኣብ’ቲ ካርታ፣ “ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ሩስያን ቻይናን ምስ ኣፍሪቃ፣ ላቲን ኣሜሪካ ወይ ደቡብምብራቕ ኤስያ ብምንጽጻር ንክትርእዮ ዘይመጣጠን ዕብላለ ይወስዳ፣” “ግሪንላንድ ድማ ዳርጋ ክንዲ ኣፍሪቃ መጠን ዘለዋ ትመስል፣” ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዢያን-ኖወል ባሮት ገሊጹ።

“ምቕያር ካርታታት ንዓለም ከምዘይቅይራ ርዱእ’ዩ፣” ድሕሪ ምባል “ዝተጠማዘዘ ኣቀማምጣ ምዕራይ ወይ ምትኽኻል ግን ተግባር ሓቂ’ዩ።” ክብል ኣነጺሩ።

እቲ ተበግሶ ዝመጸ ፈረንሳ፣ ምስ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ምስ’ተን ሓርፋፍ ርክባት ዘለዋ ናይ ቀደም ግዝኣታታ፣ ዘለዋ ዝምድናታት ከተመሓይሽ ትህቅነሉ ኣብ ዘላ እዩ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now