SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026)

Daily News SBS Tigrinya
Source: Getty

ንሎሚ 07 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ንሎሚ 07 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ ዘዕብይ፣ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ዘንእስ ካርታ ደጊፉ። ካርታ ዓለም ዝያዳ ቅኑዕ ንክኸውን ምሕዳሱን ምትኽኻሉን ጽቡቕ ሓሳብ ክመስል ይኽእል’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ግን ብዛዕባኡ ሕጉሳት ኣይኮናን። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።

6 ነሓሰ 2007 ኣኣ፡ ኣብ መልበርን ከባቢ ካርልተን ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ወፅአ ዘይተመለሰ መንእሰይ ረዳኢ ሃይሉ ብርሃነ፡ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ 19 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ወዲ 23 ዓመት ዝነበረ ረዳኢ፡ ኣብ ዝርዝር ንነዊሕ ዓመታት ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውን ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ዝተሓተመ ዛንታ ናይ ዝተወሰኑ ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውያን ዘዘንቱ መፅሓፍ ‘ሎስት’ ታሪኹ ተገሊፁ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሃይሉ ሳህለ፡ ንሓፍቲ ረዳኢ ዝኾነት እሌኒ ሃይሉ ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ መደብ ክትከታተሉ ንዕድም።

ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና ፡

መንግስቲ ትግራይ ንናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምንቃፍ፡ ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ክህሉ ጸዊዑ።

ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ናይ ግብጺ መርገጺ ኣንጸባሪቓ።

ትግራዋይ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ፊልሞን ገብረሂወት ንሓደ ዓመት ዝተሰወረሉ ምኽንያት ምርመራ ክግበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ፍራንክ ጋርስያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ተመያይጡ።

ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈቱ ክኸፍት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣርእስታት ዜና፥

 ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ገዛ ሓደ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ብፋስ ኣጥቂዑ ፡ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውሪድሎም ዝሃደመ ይድለ ኣሎ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብ ኢራን ስርዓት ንምቕያር ዝብል ሓሳብ ዳግም ብምግላጽ ፡ እስራኤል ኣብቲ ግጭት ገና ዘይተወድአ ዕማም ከም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ ።

ኢጣልያዊ ኪሚ ኣንቶኔሊ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ሞተር ፎርሙላ ዋን ናይ ኢታሊ ግራንድ ፕሪክስ ኣብ ሃገሩ ተዓዊቱ።

Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now