SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ኦሃዮ-ኣመሪካ ካብ ዝተቐትሉ 9 ሰባት እቲ ሓደ ኤርትራዊ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ስዒድ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ሱዳን ካብኡ ድማ ናብ ሊብያን ማልታን ተሰዲዱ ድሕሪ ብዙሕ ከርተት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ እዩ።

News
Source: AP

1 min read

Published

Source: The Washington Post


Skip to article content

ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ኦሃዮ ከተማ ዳይቶን ዝተፈጸመ ናይ 9 ሰባት ቅትለት ሓደ ኤርትራዊ ከምዝርከቦም ተፈሊጡ።

 

ዋሽንግቶን ፖስት ዝተባህለ ጋዜጣ ነቶም ብተኩስካ ዝተቐትሉ ዝርዝር ኣስማቶም ድሕረ ባይታ ነፍሲ ወከፍ ግዳይ ኣውጺኡ ኣሎ።

ሓደ ካብኦም ወዲ 38 ስዒድ ሳልሕ ዝስሙ ኤርትራዊ ይርከቦም።

ስዒድ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ሱዳን ካብኡ ድማ ናብ ሊብያን ማልታን ተሰዲዱ ድሕሪ ብዙሕ ከርተት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ናብ ኣመሪካ ከምዝኣተዉ ተኸስተ ኣብርሃም ዝበሃል ፈላጢኦም ንዋሽንግቶን ፖስት ገሊጽሉ ኣሎ።

ስዒድ ጻዕረኛን ሕያዋይ ሰብ ምንባሩን፡ንስድራቤቱ ክቱር ፍቕሪን ከምዝነበሮን ድማ ያሕያ ካሚስ ዝተባህለ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ሱዳን ኣብ ዳይቶን መስኪርሉ ኣሎ።

በዓልቲ ቤቱ ንስዒድ ዝኾነት ዛይድ ኢሳያስ ንጉሰ ብዛዕባ ሰብኣያ ክትምስክር’ከላ  ስዒድ ንጓል 5 ዓመት ጓሎም ፍሉይ ፍቕሪን ሓልዮትን ዝነበሮ ኣብ አዋን ዕረፍቱ ምስ ራንዳ ጓሉ ጌም ይጻወት ተለቪዥን ይርእይን ብሓንሳብ ብእግሮም ይዞሩን ኢላ።

ስዒድ ካብ 12 ክሳብ 16 ሰዓታት ንመዓልቲ ኣብ ሰሙን 7 መዓልታት አናሰርሐ ንሰበይቱን ጓሉን ኣብ ዳይቶን ይናቢ ከምዝነበረን ነቶም አኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ክልተ ደቁን ኣብ ግብጺ ዝርከብ ሓዉን’ውን ይሕግዝ ከምዝነበረ ታሪኹ ይገልጽ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now