SKIP TO MAIN CONTENT

መግለጺ ሚ/ሪ ወጻኢ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ

ኣውስትራሊያ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ስርዓታዊ ዓመጽ ግብረስጋ ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍፀሙ ዘለዉ ተባሂሎም ንዝቐርቡ ዘለዉ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተደገፈ ሓበሬታታት ከቢድ ሻቕሎታ ትገልፅ ።

News
Maris paine Source: Ministry of Foreign Afairs of Australia

1 min read

Published


Skip to article content

30 መጋቢት 2021

ኣውስትራሊያ ነቲ ብናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮምሽን ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒታት ክምርመር ብሓጎስ ትቕበሎ ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ኤርትራ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ከም እትስሕብ ምግባራ 'ውን ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ። ይኹን እምበር ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዅሎም እቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርቦምን ፡ ነቲ መጥቃዕቲታት ደው ከብሎ ብቐጻሊ ንምሕጸን ኣለና።

ኣውስትራሊያ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ስርዓታዊ ዕመጽ ግብረስጋ ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍፀሙ ዘለዉ ተባሂሎም ንዝቐርቡ ዘለዉ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተደገፈ ሓበሬታታት ከቢድ ሻቕሎታ ትገልፅ ።

ኣውስትራሊያ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ብ22 መጋቢት ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ ኩሉ ጾታዊ ዓመጻት ብምኹናንን ነቶም ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ንምቕራብን ስጉምቲ ንምውሳድን ኣበርቲዓ ትድግፍ ።

ኣውስትራሊያ ነቶም በዚ ኩነታት ብጣዕሚ ዝተቓልዑ ሰባት ንምሕጋዝ ን ፕሮግራም መግቢ ዓለም 3 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ እያ ። ናብ 'ቲ ዞባ ቅልጡፍን ግሉጽን ዝኾነቀረብ ሰብ ኣዊ ሓገዛት ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕ ዝቐረበ መጻዋዕታ ንድግፍ ።



Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now