ናብ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ (PSC) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እተገብረ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ናይጀርያ ዝነበረ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ፡ "ኣብ [ኣዲስ ኣበባ] ዘለዉን ፡ ኣብ ሰሜን ዘለዉን መራሕቲ ፡ እቲ ዘለዎም ፍልልያት ፖለቲካዊ ምዃኑን ብምዝርራብ ድማ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከም ዘድልዮምን ብውልቂ ይሰማምዑ እዮም" ኢሉ ። ክብል ኣዲስ ስታንዳርድ ጸብጺቡ።
ይኹን እምበር ፡ "ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገማት ነባሪ ፍታሕ ምእንቲ ክንረክብ ፡ ብሓባር ኴንና ኽንሕግዘሉ እንኽእል ኣጋጣሚ እዩ" በለ ።
ብዛዕባቲ ብ07 ሕዳር ናብ ከተማ መቐለ ዝገበሮ መገሻ ፡ ሚስተር ኦባሳንጆ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ "ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ፡ ኣነ ምስ ተጻረርቱ ንምርካብ ናብ ከተማ መቐለ ንክኸይድ ተሰማሚዑ" በሎም ።
"እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ሰብኣዊ ሳዕቤናት የስዕብ ኣሎ ፣ እዚ ከኣ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ምዕባለን ርግኣትን ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ ።" ብምባል እቲ ልኡኽ ኣብ ዘጠንቀቐሉ እዋን ፡ ነቲ ኣብ ስትራተጂካዊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ኵነታት መሊሱ ምእንቲ ኸይጋደድ ፡ ሓባራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ግዜኡ እዩ ኢሉ።
ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክሓስበሉ ድማ ተማሕጺኑ ፦
ቀዳማይ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ኣብ ፖለቲካዊ ዝርርብ ክሳተፉ ኣጥቢቕካ ምሕጻንንን ምትብባዕን ፣
ካልኣይ ። ኩሎም ወገናት ፡ ቅልጡፍን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ሰፊሕን ምቁራጽ ተዅስን ተጻብኦታት ደው ንኽብሉ ንጽውዕ ፣
ሳልሳይ ። ቅልጡፍን ብዘይምዕንቃፍ መንገዲን ሰብዓዊ ረዲኤት ምቕራብ;
ራብዓይ ። እቶም ወገናት ምስ ዓለም ለኻዊ ሰብኣውን መሰላት ሕጊታት ምክብባር ከረጋግጹ ንጽውዕ ፡ ፡
ሓሙሻይ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንኹሉ ዘሳትፍ ዝርርብን ዕርቅን ብቕልጡፍ ክግበር ጻውዒት ነቕርብ ።
ሻዱሻይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ሰላም ንምምጻእ እንገብሮ ጻዕርታት ፡ ምትሕብባርን ሓድነትን ምእንቲ ክህልዎ ፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ኣብ ጎኑ ደው ክብል ንጽውዕ ።