SKIP TO MAIN CONTENT

“ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘለዉ መራሕቲ ነዚ ቅልውላው ብዘተ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዝደልዩ ገሊጾሙለይ።” ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት

"እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ሰብኣዊ ሳዕቤናት የስዕብ ኣሎ ፣ እዚ ከኣ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ምዕባለን ርግኣትን ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ ።" ብምባል እቲ ልኡኽ ኣብ ዘጠንቀቐሉ እዋን ፡ ነቲ ኣብ ስትራተጂካዊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ኵነታት መሊሱ ምእንቲ ኸይጋደድ ፡ ሓባራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ግዜኡ እዩ ኢሉ።

African invoy to Horn of Africa
Olusegun Obasanjo, former President of Federal Republic of Nigeria. Source: Getty Source: Getty Images

2 min read

Published

Updated

Source: SBS


Skip to article content

ናብ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ (PSC)  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እተገብረ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ናይጀርያ ዝነበረ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ፡ "ኣብ [ኣዲስ ኣበባ] ዘለዉን ፡ ኣብ ሰሜን  ዘለዉን መራሕቲ ፡ እቲ ዘለዎም ፍልልያት ፖለቲካዊ ምዃኑን ብምዝርራብ ድማ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከም ዘድልዮምን ብውልቂ ይሰማምዑ እዮም" ኢሉ ። ክብል ኣዲስ ስታንዳርድ ጸብጺቡ።

 

ይኹን እምበር ፡ "ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገማት ነባሪ ፍታሕ ምእንቲ ክንረክብ ፡ ብሓባር ኴንና ኽንሕግዘሉ እንኽእል ኣጋጣሚ እዩ" በለ ።

ብዛዕባቲ ብ07 ሕዳር ናብ ከተማ መቐለ ዝገበሮ መገሻ ፡ ሚስተር ኦባሳንጆ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ "ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ፡ ኣነ ምስ ተጻረርቱ ንምርካብ ናብ ከተማ መቐለ ንክኸይድ ተሰማሚዑ" በሎም ።

 "እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ፡ ኣብ ልዕሊ  ህዝቢ ከቢድ ሰብኣዊ ሳዕቤናት የስዕብ ኣሎ ፣ እዚ ከኣ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ምዕባለን ርግኣትን ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ ።" ብምባል እቲ ልኡኽ ኣብ ዘጠንቀቐሉ እዋን ፡ ነቲ ኣብ ስትራተጂካዊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ኵነታት መሊሱ ምእንቲ ኸይጋደድ ፡ ሓባራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ግዜኡ እዩ ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክሓስበሉ ድማ ተማሕጺኑ ፦

ቀዳማይ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ኣብ ፖለቲካዊ ዝርርብ ክሳተፉ ኣጥቢቕካ ምሕጻንንን ምትብባዕን ፣

ካልኣይ ። ኩሎም ወገናት ፡ ቅልጡፍን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ሰፊሕን ምቁራጽ ተዅስን ተጻብኦታት ደው ንኽብሉ ንጽውዕ ፣

ሳልሳይ ። ቅልጡፍን ብዘይምዕንቃፍ መንገዲን ሰብዓዊ ረዲኤት ምቕራብ;

ራብዓይ ። እቶም ወገናት ምስ ዓለም ለኻዊ ሰብኣውን መሰላት ሕጊታት ምክብባር  ከረጋግጹ ንጽውዕ ፡ ፡

ሓሙሻይ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንኹሉ ዘሳትፍ   ዝርርብን ዕርቅን ብቕልጡፍ ክግበር ጻውዒት ነቕርብ ።

ሻዱሻይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ሰላም ንምምጻእ እንገብሮ ጻዕርታት ፡ ምትሕብባርን ሓድነትን ምእንቲ ክህልዎ ፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ኣብ ጎኑ ደው ክብል ንጽውዕ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now