ኣውስትራሊያ ኣብ ረፈረንደም ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ "ኣይፋል" ኣድሚጻ።

እቲ ድሕሪ ክልተ ዕቚድ ዓመታት ኣብ ኣውስትራሊታ ዝተገብረ ናይ ፈለማ ረፈረንደም እማመ ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ድምጺ ረፈረንደም እናተቖጽረ

ወረቓቕቲ ድምጺ ኣብ ማእከል መቑጸሪ መልበርን ቀዳም, ጥቅምቲ 14, 2023. Source: AAP / CON CHRONIS/AAPIMAGE

ኣውስትራሊያውያን ድምጺ ደቀባት ናብ ፓርላማ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ክቐውም ንዝብል እማመ ነጺጎምዎ ኣለው ።

ኣብቲ ቀዳም ዝተኻየደ ታሪኻዊ ረፈረንደም ፡ ኣብ ሽዱሽቲአን ግዝኣታትን ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣታትን ዓብላሊ ድምጺ 'ኣይፋል' ተመዝጊቡ ።

እቲ 'ኣይፋል' ዝብል ድምጺ ኣብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ቑጽሪ ጳብላሊ ኮይኑ ወጺኡ ኣሎ ።

ናይ 'እወ' ድምጺ ኣብ ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ ከተማ ካንቤራ ግዝኣት ኤሲቲ ጥራይ እዩ ዓብላሊ ኮይኑ።

እቲ በዚ ውጽኢት ዝጓሃየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ እቲ ውጽኢት "በዚ ከምዘይጸውዓናን ከም ዘይከፋፍለናን" ገለጸ ።

"ኵላትና ብሓደ ኮይንና ፡ ናብ ሓደ ንኹላትና ዘሰማምዕ መዕረፊ ካልእ መገዲ ክንረክብ ኣሎና ። ንሕና ከም እንኽእሎ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ ፣ ከምኡ ክንገብር ድማ እዩ ዘሎና "በለ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበነስ .jpg
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ኣንተኒ ኣልበነስ ብዛዕባ ዉጽኢት ረፈረንደም መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ እዋን።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዱተን ፡ ኣውስትራልያ ነቲ ረፈረንደም "ክትገብሮ ዘየድልያ" ገይራ ብምባል ሃገር ና ሓድነት ከተምርሕ ጸዊዑ ።

"እዚ እማመ እዚን እቲ መስርሕን ንኣውስትራላውያን ናብ ሓድነት ከምጽኦም እምበር ክመቓቕለና የብሉን" ድማ በለ ።

"ሎሚ ምሸት [ቀዳም] ዝረኣናዮ ነገር ፡ ሚልዮናት ኣውስትራሊያዊያን ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገብሮ ፈላላዪ ረፈረንደም ነጺጎሞ ኣለዉ ።"

ፒተር ዳተን ድሕሪ ዉጽኢት ረፈረንደም መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ።
መራሒ ሰልፊ ተቓዋኣሚ ፒተር ዳተን ከም ኡውን ናይ ተቓዋሚ ሚኒስተር ደቀባት ሰኔተር ጃሲንታ ፕራይስ ድሕሪ ዉጽኢት ረፈረንደም መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ። Source: AAP / JONO SEARLE/AAPIMAGE

ገለ ካብ ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ብውጽኢት ናይዚ ረፈረንደም "ናይ ሓደ ሰሙን ስቕታ" ይወስዱ ኣለው ፡ ካልኦት ድማ ነቲ ዝመጽእ ኩነታት ይጥምቱ ኣለው ።

ሚኒስተር ደቀባት ኣውስትራሊያ ከምኡ 'ውን ናይ 'እወ 'ተጣባቒት ሊንዳ በርነይ "ብምኽንያት እዚ ጎስጓስን ዘበገሶ ብሚልዮናት ዝቝጸር ዝርርባት ክግበር ኣበራቢሩ እዩ፡ ሓዲሽ ወለዶ መሪሕነት ደቀባት ድማ ክፍጠር ተኻኢሉ እዩ" ዝብል እምንቶ ከም ዘለዋ ገሊጻ ።

Stay informed on the 2023 Indigenous Voice to Parliament referendum from across the SBS Network, including First Nations perspectives through NITV.

Visit the SBS Voice Referendum portal 

to access articles, videos and podcasts in over 60 languages, or stream the latest news and analysis, docos and entertainment for free, at the Voice Referendum hub on SBS On Demand.


Share

2 min read

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now