ኣውስትራሊያውያን ድምጺ ደቀባት ናብ ፓርላማ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ክቐውም ንዝብል እማመ ነጺጎምዎ ኣለው ።
ኣብቲ ቀዳም ዝተኻየደ ታሪኻዊ ረፈረንደም ፡ ኣብ ሽዱሽቲአን ግዝኣታትን ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣታትን ዓብላሊ ድምጺ 'ኣይፋል' ተመዝጊቡ ።
እቲ 'ኣይፋል' ዝብል ድምጺ ኣብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ቑጽሪ ጳብላሊ ኮይኑ ወጺኡ ኣሎ ።
ናይ 'እወ' ድምጺ ኣብ ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ ከተማ ካንቤራ ግዝኣት ኤሲቲ ጥራይ እዩ ዓብላሊ ኮይኑ።
እቲ በዚ ውጽኢት ዝጓሃየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ እቲ ውጽኢት "በዚ ከምዘይጸውዓናን ከም ዘይከፋፍለናን" ገለጸ ።
"ኵላትና ብሓደ ኮይንና ፡ ናብ ሓደ ንኹላትና ዘሰማምዕ መዕረፊ ካልእ መገዲ ክንረክብ ኣሎና ። ንሕና ከም እንኽእሎ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ ፣ ከምኡ ክንገብር ድማ እዩ ዘሎና "በለ ።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዱተን ፡ ኣውስትራልያ ነቲ ረፈረንደም "ክትገብሮ ዘየድልያ" ገይራ ብምባል ሃገር ና ሓድነት ከተምርሕ ጸዊዑ ።
"እዚ እማመ እዚን እቲ መስርሕን ንኣውስትራላውያን ናብ ሓድነት ከምጽኦም እምበር ክመቓቕለና የብሉን" ድማ በለ ።
"ሎሚ ምሸት [ቀዳም] ዝረኣናዮ ነገር ፡ ሚልዮናት ኣውስትራሊያዊያን ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገብሮ ፈላላዪ ረፈረንደም ነጺጎሞ ኣለዉ ።"

ገለ ካብ ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ብውጽኢት ናይዚ ረፈረንደም "ናይ ሓደ ሰሙን ስቕታ" ይወስዱ ኣለው ፡ ካልኦት ድማ ነቲ ዝመጽእ ኩነታት ይጥምቱ ኣለው ።
ሚኒስተር ደቀባት ኣውስትራሊያ ከምኡ 'ውን ናይ 'እወ 'ተጣባቒት ሊንዳ በርነይ "ብምኽንያት እዚ ጎስጓስን ዘበገሶ ብሚልዮናት ዝቝጸር ዝርርባት ክግበር ኣበራቢሩ እዩ፡ ሓዲሽ ወለዶ መሪሕነት ደቀባት ድማ ክፍጠር ተኻኢሉ እዩ" ዝብል እምንቶ ከም ዘለዋ ገሊጻ ።
Stay informed on the 2023 Indigenous Voice to Parliament referendum from across the SBS Network, including First Nations perspectives through NITV.
Visit the SBS Voice Referendum portal
to access articles, videos and podcasts in over 60 languages, or stream the latest news and analysis, docos and entertainment for free, at the Voice Referendum hub on SBS On Demand.

