ንዝኽሪ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ጽርግያታት ዋሺንግተን ዝወሓዘ ህዝቢ ዓሌታዊ ኣድልዎ ደው ክብል ሓቲቱ።

ነቲ ኣብ ሚኒያፖሊስ ብፖሊስ ዝተቐትለ ጆርጅ ፍሎይድ ንኣቀታትላኡ ዘንጸባርቕ "ብርክኹም ካብ ክሳድና ኣውርዱልና" ብዝብል ጭርሖን ነቲ "ሕልሚ ኣለኒ" ዝብል መደረ ማርቲን ሉተር ንምዝካርን ብዓሰርተታት ኣሻሕት ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ጌሩ።

Demonstrators walk on Pennsylvania Avenue during the March on WashingtonDemonstrators walk on Pennsylvania Avenue during the March on Washington.

Demonstrators walk on Pennsylvania Avenue during the March on Washington. Source: AAP

ዓሌታዊ ኣድልዎ ደው ንኽብልን ጭካነ ፖሊስ ከብቅዕን ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ዋና ከተማ ኣመሪካ ብምውጻእ፡ ነቲ ኣብዚ ቕነ ብጻዕዳ ፖሊስ ተተኲሱሉ ዝለመሰ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጃኮብ ብላክ ተወሲኽዎ ህዝቢ ቁጥዓኡ ነዲዱ ኣሎ።

እቲ ህዝቢ ናብ  National Mall ዝወጸ ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ 28 ነሓሰ 1963 "ሕልሚ ኣለኒ" ዝብል መደርኡ ዘስመዓሉ መዓልቲ ንምዝካር እዩ።
A man holds a photo of Martin Luther King, Jr., at the Martin Luther King Jr. Memorial during the March on Washington.
A man holds a photo of Martin Luther King, Jr., at the Martin Luther King Jr. Memorial during the March on Washington. Source: AAP
እቲ ናይ ዓርቢ ሰልፊ ""ብርክኹም ካብ ክሳድና ኣውርዱልና" ብዝብል  ጭርሖ እዩ ተሰንዩ።
ከምቲ ኣቦኡ ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ ቅድሚ 57 ዓመት ዝገበሮ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሳልሳይ ኣብ  ሓወልቲ መዘከርታ ሊንከን ( Lincoln Memorial ) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ መድረኽ ደይቡ ኣንጻር እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኣብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ዘሎ ኣድልዎ ህዝቢ ክቃለስን  ህዝቢ ኣብቲ ወርሒ ሕዳር ዝግበር ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ንኽስዓር ድምጹ ክህብ ጸዊዑ።

"ኣብቲ  ኩርኳሕ ናይ ኣመሪካ ዝኾነ ግና ናይ ቅዱስ ፍትሒ ጉዕዞ ንቕድሚት ሰጒምና ኢና" ኣብቲ ዝልብልብ ሙቐት ዋሺንግቶን ረሃጽ ገጹ እናሓበሰ ነቲ ብ ዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ መደረኡ ኣስሚዑ።

"ነቲ ኣቦይ ስሉስ ጸላኢ ዝበሎ ድኽነት፡ ዓሌታውነትን ዓመጽን ንምእላይ ኢና መሪሽና ዘለና፣" ክብል ሚስተር ኪንግ ገሊጹ።
Martin Luther King III speaks during the March on Washington.
Martin Luther King III speaks during the March on Washington. Source: AAP
ቅድሚዚ ሰልፊ ኣብዝነበረ ለይቲ ሚስተር ትራምፕ ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ቅድመ መረጻ ናይ ሰልፊ ሪፖንሊካዊያን ዋዕላ "ሕግን ስርዓትን ክግበር" ድሕሪ ምጽዋዑ ደገፍቱ ናይ ርጭት ብርሃን ክውልዑ እዮም ሓዲሮም።
ሚስተር ብላክ ብህይወት ተሪፉ ናብ ሆስፒታል እንተተወስደኳ፡ ዳግም ብእግሩ ክዛወር ከምዘይክእል ናይቲ ወዲ 29 ጠበቓ ገሊጹ ኣሎ።

ሃገራዊ ቁጥዐ

እቲ ንሚስተር ብላክ ዝተኮሰሉ ፖሊስ ራስተን ሸከይ ምዃኑ ተፈሊጡ፡ ፖሊስ ን ሚስተር ብላክ ክሕዞ ድሕሪ ምፍታን ብጥይት ከምዝተተኮሰሉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መኪናኡ ካራ ከምተረኽቦ ድማዮም እቶም ሰብ መዚ ዝገልጹ።

ድሕሪቲ ፍጻመ ኣብ ከኖሻ ዝተላዕለ ናዕቢ ክልተ ጸለምቲ ብሓደ ጻዕዳ መንእሰይ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቐቲሎም።

ፖሊስ ነቲ ወዲ 17 ዓመት ቀታሊ ሒዞም ብኮነ ኢልካ ቅትለት ክሲ መስሪቶምሉ ኣለዉ።
ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎን ጭካነ ፖሊስን ንምቅዋም ዓበይቲ መደባት ፖርት ተሰሪዞም ኣለዉ።

እቲ ኣብ 3 ሕዳር ንካልኣይ እብረ ንፕረሲደንትነት ዝወዳደር ሚስተር ትራምፕ፡ ብመዐቀኒ ድምጺ ህዝቢ (ፖልስ) ድሒሩ ዘሎ ኮይኑ፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊታት "ናይ ስርቂን ዕግርግርን ገበን" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ገዛእ ርእሱ ኣንጻር ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ ደው ዝብልን ንፖሊስ ዝጣበቕን ጌሩ ቆጺርዋ።
Protestors hold signs during the March on Washington.
Protestors hold signs during the March on Washington. Source: AAP
ደፓርትመንት ፍትሒ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ብላክ ዝተፈጸመ ተዂሲ ብናይ FBI civil rights መርመራ ክግበረሉ እዩ።

እንተኾነ ተጣበቕቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ደቁ ናብ መኪናኡ እናኣተወ ዝተኮሰሉ ፖሊስ ስጉምቲ ክውሰድ ብቐጻሊ ይጽውዑ ኣለዉ።

ወዲ 50 ዓመት ዶን ካርሊሰል፡ ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ዝተገብረ ሰልፊ ምስብጾቱ ዝተሳተፈ  ንAFP ከምዚ ኢሉ ኔሩ "ነዚ ሃገር ብዙሕ ኢና ጌርናሉ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ዉልቀሰባት፡ ሰብ ኡትን ኣንስቲን ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ እዮም ዝተሓዙ ዘለዉ።"

"ን 300 ዓመታት ማዕርነት ተጸቢና፡ ድምጽና ክሳብ ዘየስማዕና ጭካነ ፖሊስ ደው ኣይክብልን እዩ።"

 


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service