ዓሌታዊ ኣድልዎ ደው ንኽብልን ጭካነ ፖሊስ ከብቅዕን ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ዋና ከተማ ኣመሪካ ብምውጻእ፡ ነቲ ኣብዚ ቕነ ብጻዕዳ ፖሊስ ተተኲሱሉ ዝለመሰ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጃኮብ ብላክ ተወሲኽዎ ህዝቢ ቁጥዓኡ ነዲዱ ኣሎ።
እቲ ህዝቢ ናብ National Mall ዝወጸ ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ 28 ነሓሰ 1963 "ሕልሚ ኣለኒ" ዝብል መደርኡ ዘስመዓሉ መዓልቲ ንምዝካር እዩ።
እቲ ናይ ዓርቢ ሰልፊ ""ብርክኹም ካብ ክሳድና ኣውርዱልና" ብዝብል ጭርሖ እዩ ተሰንዩ።

A man holds a photo of Martin Luther King, Jr., at the Martin Luther King Jr. Memorial during the March on Washington. Source: AAP
ከምቲ ኣቦኡ ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ ቅድሚ 57 ዓመት ዝገበሮ ማርቲን ሉተር ኪንግ ሳልሳይ ኣብ ሓወልቲ መዘከርታ ሊንከን ( Lincoln Memorial ) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ መድረኽ ደይቡ ኣንጻር እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኣብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ዘሎ ኣድልዎ ህዝቢ ክቃለስን ህዝቢ ኣብቲ ወርሒ ሕዳር ዝግበር ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ንኽስዓር ድምጹ ክህብ ጸዊዑ።
"ኣብቲ ኩርኳሕ ናይ ኣመሪካ ዝኾነ ግና ናይ ቅዱስ ፍትሒ ጉዕዞ ንቕድሚት ሰጒምና ኢና" ኣብቲ ዝልብልብ ሙቐት ዋሺንግቶን ረሃጽ ገጹ እናሓበሰ ነቲ ብ ዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ መደረኡ ኣስሚዑ።
"ነቲ ኣቦይ ስሉስ ጸላኢ ዝበሎ ድኽነት፡ ዓሌታውነትን ዓመጽን ንምእላይ ኢና መሪሽና ዘለና፣" ክብል ሚስተር ኪንግ ገሊጹ።
ቅድሚዚ ሰልፊ ኣብዝነበረ ለይቲ ሚስተር ትራምፕ ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ቅድመ መረጻ ናይ ሰልፊ ሪፖንሊካዊያን ዋዕላ "ሕግን ስርዓትን ክግበር" ድሕሪ ምጽዋዑ ደገፍቱ ናይ ርጭት ብርሃን ክውልዑ እዮም ሓዲሮም።

Martin Luther King III speaks during the March on Washington. Source: AAP
ሚስተር ብላክ ብህይወት ተሪፉ ናብ ሆስፒታል እንተተወስደኳ፡ ዳግም ብእግሩ ክዛወር ከምዘይክእል ናይቲ ወዲ 29 ጠበቓ ገሊጹ ኣሎ።
ሃገራዊ ቁጥዐ
እቲ ንሚስተር ብላክ ዝተኮሰሉ ፖሊስ ራስተን ሸከይ ምዃኑ ተፈሊጡ፡ ፖሊስ ን ሚስተር ብላክ ክሕዞ ድሕሪ ምፍታን ብጥይት ከምዝተተኮሰሉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መኪናኡ ካራ ከምተረኽቦ ድማዮም እቶም ሰብ መዚ ዝገልጹ።
ድሕሪቲ ፍጻመ ኣብ ከኖሻ ዝተላዕለ ናዕቢ ክልተ ጸለምቲ ብሓደ ጻዕዳ መንእሰይ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቐቲሎም።
ፖሊስ ነቲ ወዲ 17 ዓመት ቀታሊ ሒዞም ብኮነ ኢልካ ቅትለት ክሲ መስሪቶምሉ ኣለዉ።
ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎን ጭካነ ፖሊስን ንምቅዋም ዓበይቲ መደባት ፖርት ተሰሪዞም ኣለዉ።
እቲ ኣብ 3 ሕዳር ንካልኣይ እብረ ንፕረሲደንትነት ዝወዳደር ሚስተር ትራምፕ፡ ብመዐቀኒ ድምጺ ህዝቢ (ፖልስ) ድሒሩ ዘሎ ኮይኑ፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊታት "ናይ ስርቂን ዕግርግርን ገበን" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ገዛእ ርእሱ ኣንጻር ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ ደው ዝብልን ንፖሊስ ዝጣበቕን ጌሩ ቆጺርዋ።
ደፓርትመንት ፍትሒ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ብላክ ዝተፈጸመ ተዂሲ ብናይ FBI civil rights መርመራ ክግበረሉ እዩ።

Protestors hold signs during the March on Washington. Source: AAP
እንተኾነ ተጣበቕቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ደቁ ናብ መኪናኡ እናኣተወ ዝተኮሰሉ ፖሊስ ስጉምቲ ክውሰድ ብቐጻሊ ይጽውዑ ኣለዉ።
ወዲ 50 ዓመት ዶን ካርሊሰል፡ ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ዝተገብረ ሰልፊ ምስብጾቱ ዝተሳተፈ ንAFP ከምዚ ኢሉ ኔሩ "ነዚ ሃገር ብዙሕ ኢና ጌርናሉ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ዉልቀሰባት፡ ሰብ ኡትን ኣንስቲን ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ እዮም ዝተሓዙ ዘለዉ።"
"ን 300 ዓመታት ማዕርነት ተጸቢና፡ ድምጽና ክሳብ ዘየስማዕና ጭካነ ፖሊስ ደው ኣይክብልን እዩ።"