SKIP TO MAIN CONTENT

ብርቱዕ ውግእ እናተኻየደ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ዩክረይን ኣብ ዝበጽሕሉ ዘለዉ እዋን ፡ ኣብ ኪየቭ ብመጥቃዕቲ ኣየር ሰባት ተቐቲሎም።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብትቕጽለሉ ፡ መራሕቲ ፖላንድ ፡ ሪፓብሊክ ቸክን ስሎቨኒያን ኣጋርነቶም ምስ ዩክሬን ንምርኣይ ኣብ ኪየቭ ኣትዮም ።

Ukrain-Russia conflict
Україна подала звернення в ООН стосовно порушення РФ конвенції про геноцид Source: Getty / Anadolu Agency

3 min read

Published


Skip to article content

ነቲ ውግእ ደው ንምባል ዝዓለመ ን35 ሰዓት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ምስምማዕምን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ሓዲሽ ዘተ እንተ ጀመሩ'ውን ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝገበርዎ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ።

መራሕቲ ፖላንድ ፡ ሪፓብሊክ ቸክ ፡ ስሎቨንያ ናብ ኪየቭ ብምብጻሕ ኣጋርነቶም ከርእዩ እዮም ። ዋይት ሃውስ ድማ ፡ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ናይ ኅብረት ኤውሮጳን ኔቶን ከም ዝሳተፍ ኣፍሊጡ እዩ ።

ይኹን እምበር ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓብዪ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ከይዱ ኣሎ ። ከንቲባ ክየቭ ቪታሊ ክላትሽኮ ፡ እቲ ናይ ሰዓት እቶ እቶ ኣዋጅ ፡ ምላሽ ናይቲ"ሓደገኛ ህሞት" ከም ዝዀነ ገለጸ ።

ሩስያ ምስታ ምስ ምዕራባውያን እትዛመድ ጐረቤታ ኣብ እተካይዶ ዘላ ወራር ፡ ዳርጋ ሰለስተ ሰሙን ኣቑጺሩ ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም ኣለዉ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ንካናዳዊያን ፖለቲከኛታት ፡ ብማንዛ ኣብ ዝገበሮ መደረ ገሊጹ ።

ቴስዓን ሸውዓተን ዩክሬናውያን ህጻናት ሞይቶም ኣለዉ ፣ ክብልውን ኣብ መደረኡ ገሊጹ።

ሞስኮ ነቲ ብምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸኒዑ ዘሎ ከቢድ እገዳ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ፡ ሚስተር ባይደን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ፡ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክልቲአን ሃገራት ፡ "ኣንጻሮም" ዝቐንዐ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ከተረጋግጽ ምዃና ገሊጻ ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ሰሉስ ናብ ሩስያ ዝለኣኽ ናይ ሻምፓኝን ናይ ቅንጦት ማካይንን ኣቕሑ ምቾትን ኣጊዱ ኣሎ።

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጀመረሉ 24 ለካቲት ኣትሒዙ ፡ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ቈልዑ ካብ ዩክረይን ሃዲሞም እዮም ፣ እዚ ከኣ ዳርጋ ሓደ ቈልዓ ኣብ ሰከንድ እዩ ዝስደድ ዘሎ ። ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት 1,834 ሲቪል ግዳያት መቑሰልቲ ከምዘለዉ ሓቢሩ ።

ሚስተር ዘለንስኪይ ፡ ነቲ ራሻ ወራር ክትገብር ቀንዲ ጕዳይ ትገብሮ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ ፡ ዩክረይን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ከም ዘይትኸውን ክትቅበሎትኽእል እያ ኢሉ ።

"እቲ መዓጹ ተኸፊቱ ከም ዝነበረ ንዓመታት ሰሚዕና እኳ እንተ ነበርና ፡ ኽንሓብር ከም ዘይንኽእል እውን ኣስሚዕና ኢና ። እዚ ሓቂ እዩ ፡ ተቐባልነት ድማ ክረክብ ኣለዎ "ብምባል ምስ ወተሃደራውያን ሰበ ስልጣን ብቪድዮ ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ ገሊጹ ።

ርእሰ ከተማ ዩክረይን ናብ ዞባ ውግእ ተቐይራ እያ ዘላ። ኣፓርታማታት ብደብዳብ ነፈርቲ ሩስያ ኣመና ስለ ዝዓነወ ፍርቂ ካብቲ 3.5 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ እታ ከተማ ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታ ሃዲሙ ወጺኡ ኣሎ ።

ሚስተር ክሊትሽኮ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ናይ 35 ሰዓት ናይ እቶ እቶ ኣዋጅ ካብ ሰዓት 8 ቅ.ቀ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾኰነ ኣብዝሓበረሉ፡ ኣብታ ርእሲ ከተማ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተቐቲሎም ኣለዉ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now