Key Points
- ቭላድሚር ፑቲንን ዶናልድ ትራምፕን ወሰንቲ ዝርርባት ንምክያድ ኣብ ኣላስካ ተራኺቦም
- ክልቲኦም መራሕቲ ብምዉቕ ኢዶም ተጨባቢጦምን ኣእዳዎም ተተናኺፎምን
- ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣይተዓደመን
ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ዋዕላ ኣብ ኣላስካ፡ ዓርቢ፣ ንሱን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ንኲናት ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ንምፍታሕ ኣብ ሓደ ስምምዕ ኣይበጻሕናን ኢሉ፡ ነቲ ርክቦም ግን "ኣዝዩ ፍረ ዝነበሮ" ክብል ገሊጽዎ።
"ብዙሓት፡ ብዙሓት ነጥብታት ዝተሰማማዕናሎም ኔሮም፡" ክብል ትራምፕ ኣብ'ቲ ምስ ፑቲን ዘካየድዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። "ገለ ክልተ ዝኾኑ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ሓደ ስምምዕ ክንበጽሓሎም ዘይከኣልና ኔሮም እብል፡ ግን ገለ ምዕባለታት ኣመዝጊብና ኣለና። ስለ'ዚ ክሳብ ሓደ ውዕል ዝህሉ ውዕል የለን ማለት'ዩ።"
ትራምፕን ፑቲንን ንሒደት ደቓይቕ ዝኸውን ነብሲ ወከፎም ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም፡ ሕቶታት ግን ኣይተቐበሉን።
እቶም ዝርርባት ናብ'ቲ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ፈለምኡ ዝተበገሰሉ ስምምዕ ተዂሲ ምቁራጽ ናይ'ቲ ኣብ ዝሓለፉ 80 ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ኣዝዩ ቀታሊ ዝኾነ ኲናት፣ ዘምርሑ ትርጉም ዘለዎም ስጉምቲታት ወሲዱ ወይ ኣፍርዩ እንተኾይኑ ንጹር ኣይነበረን።
ኣብ'ቲ ዝሃቦ ሓጺር መጠቓለሊ፡ ፑቲን ዩክረይንን ኤውሮጳውያን መሻርኽታን ውጽኢታት ዝርርብ ዩኤስ-ሩስያ ክቕበላ ትጽቢት ከምዝነበሮ ብምግላጽ፡ ነቲ ናብ ፍታሕ ዘቕንዕ ምዕባለ "ከይቆጽይኦ" ኣጠንቂቕወን።
"ናይ ሎሚ ስምምዓት መበገሲ ነጥብታት ክኾኑ ትጽቢት እገብር፡ ንጸገም ዩክረይናውያን ንምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምምላስ ንግዳዊ-መልክዕ ዘለዎ፡ ግብራዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ሩስያን ዩናይትድ ስቴትስን'ውን ከበግሶ'ዩ።" ኢሉ ፑቲን።
ትራምፕን ፑቲንን፡ ምስ ላዕለዎት ተሓጋገዝቶም ኣብ ፖሊሲታት ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣብ'ቲ ድሕሪ 2019 ናይ ፈለማ ርክቦም ዝኾነ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ኣንከረጅ፡ ግዝኣት ኣላስካ፡ ዝርከብ ክፍሊ መደበር ሓይሊ ኣየር ተጋቢኦም። ብድሕሪኦም ዝነበረ ሰማያዊ ድሕረባይታ "ምድላይ ሰላም" ዝብሉ ቃላት ተወቂሮሞ ኔሮም።
ኣብ'ቲ ርክብ ዘይተዓደመ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ኤውሮጳውያን መሻርኽቱን፡ ትራምፕ፡ ነቲ ኲናት ምስ ሩስያ ከም ዘለዎ ከምዝጸንዕ ብምግባርን ወግዓዊ'ውን ኣይኹን ነቲ ሩስያ ተቖጻጺራቶ ዘላ ልዕሊ ሓደ-ሕምሲት ክፋል ዩክረይን ኣፍልጦ ብምሃብን ንዩክረይን ኣሕሊፉ ከይህባ ይፈርሑ።
ኣቐዲሙ፡ ትራምፕ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሻቕሎታት ንምህዳእ፡ ናብ ነፋሪት 'ኤየር ፎርስ ዋን' ኣብ ዝተሰቕለሉ፡ ንዝኾነ ተኽእሎ ምቅይያር ዶባት ዝምልከት ዩክረይን ክትውስን ክገድፋ'የ ኢሉ። "ንዩክረይን ወኪለ ክዘራረብ ኣይኮንኩን ኣብ'ዚ ዘለኹ፡ ናብ ጠረጴዛ ክመጹ ክገብር'የ ኣብ'ዚ ዘለኹ፡" ኢሉ።
እቲ ርክብ ዕዉት ክኸውን ዝገብሮ እንታይ'ዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት፡ "ብቕልጡፍ ምቁራጽ ተዂሲ ክርኢ ይደሊ... ሎሚ እንተዘይኮይኑ ኣይክሕጎስን'የ... እቲ ምቕታል ደው ክብል እደሊ።"
ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩኤስ ማርኮ ሩቢዮ፡ ፍሉይ ልኡኹ ናብ ሩስያ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ተሓጋጋዚ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ዩሪይ ኡሻኮቭን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሰርገይ ላብሮቭን ኣብ ዝተረኽብሉ'ዩ ትራምፕ ኣብ ሓደ ኣኼባ ምስ ፑቲን ተዘራሪቡ።
ኣብ'ቲ ድሕሪኡ ዝተኻየደ ዝዓበየ ክልተኣዊ ዘተ፡ ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ ስኮት በሰንት፡ ጸሓፊ ንግዲ ሃዋርድ ሉትኒክ፡ ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሀግሰትን ሓለቓ ስታፍ ሱዚ ዋይልስን ንትራምፕ ተጸምቢሮሞ ክትብል ኣፈኛ ካሮላይን ለቨት ሓቢራ።
ትራምፕ ኣብ'ቲ ፑቲን ዘበገሶ ኲናት ሓደ ዕርቂ ናብ'ቲ ዞባ ሰላም ከምጽእን ስልማት ሰላም ኖቤል ዝግብኦ ግሎባዊ ሸምጋሊ ወይ ኣምጻኢ ሰላም ዝብል ስሙ ከደንፍዓሉን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ኔሩ።
ንፑቲን፡ እቲ ዋዕላ፣ ናይ ዓመታት ፈተነ ምዕራባውያን ንምንጻል ሩስያ ከምዝተበተነን ሞስኮ ኣብ ዝለዓለ ጠረጴዛ ዲፕሎማሲ ዓለም ግቡእ ቦትኣ ተምልስ ከምዘላን፣ ከም መርትዖ ዘቕርበሉ ኮይኑ ድሮ ዓቢይ ዓወት ኮይንሉ'ሎ።
ፑቲን ብገበን ኲናት ምጥራዝ ኣማኢት ህጻናት ካብ ዩክረይን ተኸሲሱ ብእህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ይድለ'ዩ። ሩስያ ክስታት ገበናት ኲናት ትነጽጎም፡ ክረምሊን ነቶም ኣይሲሲ ዘውጽኦም ውሳነታት ምትሓዝ ድማ ባዶሽን ዘይቅቡላትን ኢሉ ይነጽጎም። ሩስያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣባላት ናይ'ቲ ቤት ፍርዲ ኣይኮናን።
ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ'ቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ'ታ ንእሽቶ ጎረቤታ ዩክረይን ለካቲት 2022 ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ፡ ሰላማውያን ሰባት ዒላማታት ኣይገበርናን ይብሉ። እንተኾነ ግን ኣብ'ቲ ኲናት፡ ኣዝዮም ዝበዝሑ ካብኦም ዩክረይናውያን ዝኾኑ፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት መይቶም ኣለዉ።
ሓደ ዓቃባዊ ግምት ምውታትን ቁሱላትን ኣብ ኲናት ዩክረይን - ናይ ክልቲኦም ወገናት ተደሚሩ- 1.2 ሚልዮን ሰባት የብጽሖ ክብል ልኡኽ ትራምፕ ናብ ዩክረን ኪይት ኪሎግ ኣብ ወርሒ ግንቦት ገሊጹ።
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክዛዝሞ'የ ዝበለ ትራምፕ፡ ካብ'ቲ ዝተጸበዮ ንላዕሊ ከቢድ ዕማም ኮይኑ ከምዝረኸቦ ዝሓለፈ ሓሙስ ተኣሚኑ። እቶም ናይ ዓርቢ ርክባት ጽቡቕ እንተኸይዶም፡ ካልኣይ ዘለንስኪ ዘለዎ ስሉስ ዋዕላ ቀልጢፍካ ምድላው ካብ'ቲ ምስ መዘንኡ ፑቲን ዘካየዶ ርክብ ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ምኾነ ኢሉ።
ዘለንስኪ እቲ ናይ ዓርቢ ዋዕላ ን"ሰላም ጥራይ"ን ንዕኡ ዘካተተ ስሉሳዊ ዝርርባትን ዝኸውን መንገዲ ክኸፍትን ኣለዎ ድሕሪ ምባል ሩስያ እቲ ዝኣወጀቶ ኲናት ትቕጽሎ ከምዘላ ወሲኹ። ሓደ ባሊስቲክ ሚሳይል ሩስያ ኣቐድም ኣቢሉ ንዞባ ድኒፕሮፔትሮቭስክ ናይ ዩክረይን ሃሪሙ ሓደ ሰብ ቀቲሉን ካልእ ሓደ ድማ ኣቑሲሉን።
"እቲ ኲናት ዘብቅዓሉ ግዜ ሕጂ'ዩ፣ እቶም ኣገደስቲ ስጉምቲታት ብሩስያ ክውሰዱ ኣለዎም። ኣብ ኣሜሪካ'ዩ እምነትና፣" ክብል ዘለንስኪ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገጹ ጽሒፉ።
ዘለንስኪ ንሞስኮ ዝኾነ መሬት ዩክረይን ወይ ዶብ ዘረክበሉ ከምዘየለ ብወግዒ ገሊጹ፣ ብዩናይትድ ስቴትስ ዝተደገፈ ውሕስነት ጸጥታ ይደሊይ ወይ ይሓትት ኣሎ።
ቀቅድሚ'ቲ ዋዕላ ትራምፕ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ፑቲንን ምክብባር ኣሎ ክብል ገሊጹ።
"በሊሕ ሰብ'ዩ፣ ንነዊሕ ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ፣ ኣነ'ውን ከም'ኡ... ክልቴና ንሳነ ኢና፣" ክብል ትራምፕ ንፑቲን ገሊጽዎ። ንሰብ ንግዲ ናብ ኣላስካ ክመጹ ዝገበረ ውሳነ ፑቲን'ውን ብሓጎስ ተቐቢልዎ።
"እንተኾነ ግን እቲ ኲናት ክሳብ ንፈትሖ ንጥፈታት ንግዲ ኣይከካይዱን'ዮም፣" ኢሉ፣ እቲ ውዕል ሕማቕ እንተኸይዱ "ዝኸፍአ ቁጠባዊ" ሳዕቤናት ንሩስያ ክህልዎ'ዩ ዝብል ፈኸርኡ ብምድጋም።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ንምጥቃም ሩስያውያን ብኑክልየሳዊ ጸዓት ዝሰርሓ ሰበርቲ በረድ መራኽብ ንምዕባለ መደባት ጋዝን ኤልኤንጂን ኣብ ኣላስካ፣ ከም ሓደ ካብ'ቶም ዓሊሞም ክሰርሑሎም ዝኽእሉ ተኽእሎ ውዕላት፣ ኢላ ብምሓዝ ውሽጣዊ ዘተታታት ኣካይዳ ኔራ ክብሉ ሰለስተ ምስ'ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንሮይተርስ ሓቢሮሞ።