ኢትዮጵያ: ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ ክትስርዝ ሓቲታ: ኤርትራ ብወገና ነቲ ማዕቀብ ተቓዊማቶ ኣላ።

Homeland News

Source: Flags

ኤርትራን ኢትዮጵያን: ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ትካላትን ውልቀሰባትን ዘንበረቶ ማዕቀብ ተቓዊመንኦ።

ኤርትራ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ነቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ በይናዊ እገዳ "ብቃልን መንፈስን" ከም ዘውግዙዎ ሓቢሩ።

ማዕቀብ ኣሜሪካ: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ብፍሉይ 'ርግኣት' ከይወሓስ ዝተኣልመ ንኤርትራ ግዳይ ዝገብር ስጉምቲ ከም ዝኾነ ውን ከሲሱ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ እቲ 'ህዝቢ ኣሳቒኻን ኣጥሚኻን ናዕቢ ንምግብጋስ' ዝተሃቀነ ከም ዝኾነ እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ፈተውቲ ፍትሕን ሓርነትን፣ ናጻን ሉኣላዊን ዝበሎም ህዝብታትን ሓይልታትን ናይ መኸተ ምሕዝነቶም ከሐይሉ ተማሕጺኑ።


 ተቓውሞ ኢትዮጵያ: ንማዕቀብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ:

መንግስቲ ኣሜሪካ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ከም ዘንበረን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህወሓትን ከንብሮ ዘዳለዎ ማዕቀብ ግን ቅርሕንቶም ብዝርርብ ክፈትሑ ዕድል ንምሃብ ብዝብል ከም ዘጽንሖ ገሊጹ እዩ።

ኢትዮጵያ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቀብ ዝቃወም መግለጺ ኣውጺኣ ኣላ።

እዚ ብቐንዱ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ ማዕቀብ ዳግመግምት ግምት ክትገብረሉ ዝሓትት ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ: ህወሓት መፈለምታ እቲ ኩናት ናብ ሉኣላዊት ሃገር ሮኬት ምውንጫፉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ናይ ምሃብ መሰል ከም ዘለዎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ: ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ብምእታው ቅቡል ስለዝገብሮ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ብበይናዊ ተኹሲ ደው ምባል' ካብ ትግራይ ክወጽእ ከሎ ሰራዊት ኤርትራ ውን ብምውጽኡ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ: መንግስቲ ኤርትራ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ዘራጊ ገይሩ ስለዘይወስድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ክስረዝ ሓቲታ።

ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ: ህወሓት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ይዘርግ ኣሎ ብምባል ማሕበረሰብ ዓለም ከውግዞ ጸዊዑ ኣሎ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ ማዕቀብ ክስረዝ ዝሓተተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ክወስዱ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ቅድሚ መግለጺ ክልቲአን ሃገራት ምውጽኡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ: ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰደቶ ስጉምቲ: እንተወሓደ ግደ ኤርትራ ኣብ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ ኢሉ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service