ፖለቲካዊ ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ኢዶም ከእትዉ፡ ከቢድ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ትካላትን ውልቀሰባትን ኤርትራ ማዕቀብ ኣንቢራ፣ ውጥን ምይይጥ ኣሜሪካን ኬንያን ኣብ ጉዳይ ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ናይሮቢ፣ ወተሃደራዊ ምድላዋት ኣሜሪካ ካብ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ንምውጻእ፣ ሱዳንን ግብጽን ንግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ከየጥቅዓ ዝምልከት ስግኣት፣

Homeland News

Senior US General William Zana Source: BBC

===================

ኣሜሪካ ኣብ ኩናት ትግራይ ተዋሳእቲ እዮም ፤ ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ትካላትን ውልቀሰባትን ማዕቀብ ኣንቢራ።

ቤትጽሕፈት ግምጃቤት ኣሜሪካ 12 ሕዳር 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ስጉምቲ " ኣብቲ ንህድኣትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘናወጸ ጎንጺ ተዋሳእቲ ንዝነበሩ ውልቀሰባት ትካላትን ዘቕነዐ ዩ።" ኢሉ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) )፣ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፣ ሓላፊ ቢሮ ስለያ ኤርትራ ኣብርሃ ካሳን ከምኡ ውን ኣማኻሪ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረህይወት ማዕቀብ ዝተነብረሎም ትካላትን ውልቀሰባትን እዮም።

ብጀካ እዚ ኣማኻሪ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረህይወት ዋና ፈጻሚ ኮይኑ ዝመርሖ 'ሬድ ሲ ትሬዲንግ ኮርፐረሽን' ከምኡ ውን ቅድሚ ኣስታት 27 ዓመታት ዝተመስረተ ብቀንዱ ብሰልፊ ህግደፍ ዝመሓደር "ሕድሪ ትረስት" ውን ግዳያት ማዕቀብ ኮይኖም ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሃብቶም ከይንቀሳቐስ ክእገድ ከም ዝተወሰነ ቢሮ ቁጽጽር ሃብቲ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣሜሪካ: ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ክንብሮ ዘዳለዎ ማዕቀብ ግን ክልቲኦም ተጻባእቲ ጎንጾም ብርርብ ዝፈትሑሉ ዕድል ንምሃብ ከም ዘጽንሖ ኣረዲኡ።

----------
ምይይጥ ኣሜሪካን ኬንያን ኣብ ጉዳይ ኩናት ኢትዮጵያ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ናብ ኬንያ ኣብ ዝወጠኖ መገሻ ፤ ጉዳይ ኩናት ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ኬንያ ከም ዝዘራረበሉ ተገሊጹ።

ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሚንስትር ኣንቶኒ ሊንከን ካብ 15-20 ሕዳር 2021 ናብ ኬንያ፣ ሰኔጋልን ናይጀርያን ከም ዝገይሽ ሓቢሩ ኣሎ።

ናይዚ መደብ ፈላማይ መገሽኡ ብኬንያ ዝጅምር ብሊንከን: ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታን ካልኦት ሰብመዝን ከም ዝዘረራብ ተፈሊጡ።

ኬንያን ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝኾነት ይፍለጥ።

ኣንቶኒ ቢሊንከን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝህልዎ ጻንሒት ኣሜሪካን ኬንያን ኣብቲ ባይቶ ዘለወን ናይ ሓባር ረብሓ ዝምልከት ምስ ሰብመዚ መንግስቲ እታ ሃገር ምይይጥ ከም ዝገብር ውን እቲ መግለጺ ኣነጺሩ ኣሎ። ጉዳይ ኩናት ኢትዮጵያ፣ ከምኡ ውን ኩነታት ሶማልያን ሱዳንን ውን ምስ ሰብመዚ ኬንያ ምይይጥ ዝግበረሎም እዮም።

ብዛዕባ ምትሕግጋዝ ኣሜሪካ ኬንያን ኣብ ምእላይ ኮቪድ-19፣ ምድንፋዕ ንጹህ ፀዓትን ሓለዋ ከባቢን ካልእ ልእክቶ ናይ መደብ ከም ዝኾነ ዝገልጽ መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ፤ ኬንያ ኣብ 2022 እተሳልጦ መረጻ ሰላማዊን ንኹሉ ዘማእዝንን ንክኸውን ሓገዝ ኣሜሪካ ከም ዘይፍለዮ ኣብሪሁ።

መገሻ ኣንቶኒ ቢሊንከን ናብ ሰኔጋልን ናይጀርያን ውን ዝቕጽል ኮይኑ ኣብ ምዕሟቕን ምስፋሕን ምሕዝነታዊ ርክብ መዳርግቲ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ዝምልከት መደብ ከም ዘድህብ ዩ ገሊጹ።
-------

ወተሃደራዊ ምድላዋት ኣሜሪካ ካብ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ንምውጻእ:

 ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጁቡቲ፡  ኣዲስ ኣበባ በቶም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት እንተደኣ ተታሒዛ ሰራዊቱ ዜጋታት ኣሜሪካን ካልኦትን ከውጽእ ከም ዝግደድ ኣጠንቂቑ።

ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ጁቡቲ ዝርከብ ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየ መዓስከር ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝኾነ ሜጀር ጀነራል ዊልያም ዛና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩናት ዘስዕቦ መዘዝ ቀሊል ከም ዘይኮነ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ጀነራል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕትት: ኣዲስ ኣበባ ብሓይልታት ትግራይ ምስ ትተሓዝ፡ ተራ እቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ሓይሊ ኣመሪካ እንታይ እዩ ተባሂሉ ተሓቲቱ፡ ኣብ ጁቡቲ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ሰራዊት ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ቅልውላው ምስ ዝፍጠር መልሲ ምሃብ ምዃኑ ገሊጹ።

 

ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ኣመሪካውያንን ናይ ካልእ ሃገር ዜጋታትን ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምውጻእን ኣድላዩ ደገፋት ንምግባርን ዝርዝራዊ ውጥን ከም ዘውጽኡን ምድላዋት ከም ዝገበሩን ሓቢሩ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ጽዑቕ መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ ዘሎ።

ካልእ ሜጀር ጀነራል ዊልያም ዛና ኣብ ቃለመሕትቱ ዝገለጾ ጉዳይ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ እንተደኣ ተሳሒቡ ኣብታ ሃገር ሰራዊተን ዘዋፈራ ካለኦት ሓሙሽተ ሃገራት ተጸለውቲ ናይ ምዃነን ተኽእሎ ልዑል ኮይኑ እቲ ከባቢ ዳግም ብራዕዳውያን ሓይልታት ከይሕመስ ስግኣት ከም ዘለዎ እቲ ጀነራል ተዛሪቡ እዩ።

 

ሱዳንን ግብጽን ንግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ከየጥቅዓ ዝምልከት ስግኣት፣

ሜጀር ጀነራል ዊልያም ዛና: ብግድብ ህዳሴ ኣብ ወጥሪ ዝርከባ ግብጽን ሱዳንን ውን ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ኩናት ኣብ ትሕመሰሉ ዘላ እዋን መጥቃዕቲ ከፊተን ነቲ ግድብ ከዕንውኦ ዝኽላሉ ኩነታት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።

ኢትዮጵያ ግና ኣብ ዝመጽእ ሓዱሽ ዓመት ኤውሮጳ 700 ሜጋዋት ፀዓት ከም ተፈልፍል እያ ትገልጽ። እቲ ግድብ ብዝሓለፈ ነሓሰ ገለ ክፋሉ ስራሕ ከም ዝጅምር ሚንስትር መስኖን ፀዓትን ዝነበረ ኢንጅነር ሺለሺ በቀለ ብሓምለ ተዛሪቡ እኳ እንተነበረ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ግን እቲ ግድብ ኣብ ጥቅምቲ ከም ዝጅምር ተገሊጹ ነይሩ። ክልቲኡ መጽብዓ ኣይተተግበረን። ሕጂ ኣብ ወርሒ ሕዳር ከኣ እቲ ግድብ

ካብ ወርሒ ጥሪ ንድሓር ስራሕ ከም ዝጅምር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ፖለቲካዊ ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ኢዶም ከእትዉ፡ ከቢድ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ | SBS Tigrinya