ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዛዕባ ዝፈጸሞ “ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣውነት ዘኽስስ” ገበን ኢሉ ዘውጽኦ ጸብጻብ ብዝምልከት፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “ኣምነስቲ ካብ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ክረክብ ኣይፈተነን” ብምባል፡ ‘ናይ ኣኽሱም ክሲ ዝተፈብረኸ ክሲ’ ክብል ገሊጽዎ።
ኣቶ የማነ ገበመስቀል ኣብ መልእኽቱ ብተወሳኺ፡ “እቲ ዝተፈብረኸ ክሲ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣኽሱም ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ዝተፈጸመ ቅትለት ሲቪላዊያን ሰባት ዝተገልበጠ እዩ።” ክብል ነቲ ናይ ኣምነስቲ ጸብጻብ ኣዋዲቕዎ።
ብተወሳኺ እቲ ኣምነስቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ካብቶም ኣብ ሓምዳይት ዝርከቡ ናይ 31 ሰባት ምስክርነት ኮይኑ ኤርትራ ነቲ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘይእመን ጸብጻብ የተሓሳስባ እዩ ኢሉ።