SKIP TO MAIN CONTENT

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘውጽኦ ጸብጻብ ነጺጉ።

"እቲ ኣምነስቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ካብቶም ኣብ ሓምዳይት ዝርከቡ ናይ 31 ሰባት ምስክርነት ኮይኑ ኤርትራ ነቲ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘይእመን ጸብጻብ የተሓሳስባ እዩ"

News
Source: Amnesty

1 min read

Published

Updated


Skip to article content

 

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዛዕባ ዝፈጸሞ “ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣውነት ዘኽስስ” ገበን ኢሉ ዘውጽኦ ጸብጻብ ብዝምልከት፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “ኣምነስቲ ካብ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ክረክብ ኣይፈተነን” ብምባል፡ ‘ናይ ኣኽሱም ክሲ ዝተፈብረኸ ክሲ’ ክብል ገሊጽዎ።

ኣቶ የማነ ገበመስቀል ኣብ መልእኽቱ ብተወሳኺ፡ “እቲ ዝተፈብረኸ ክሲ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣኽሱም ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ዝተፈጸመ ቅትለት ሲቪላዊያን ሰባት ዝተገልበጠ እዩ።” ክብል ነቲ ናይ ኣምነስቲ ጸብጻብ ኣዋዲቕዎ።

ብተወሳኺ እቲ ኣምነስቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ካብቶም ኣብ ሓምዳይት ዝርከቡ ናይ 31 ሰባት ምስክርነት ኮይኑ ኤርትራ ነቲ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘይእመን ጸብጻብ የተሓሳስባ እዩ ኢሉ።



Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now