ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ድሕሪ ምቕታሉ ዝሰዓበ ንኣቶ ጃዋር መሐመድ ን ኣቶ እስክንድር ነጋን ዝርከብዎም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኢትዮጵያ ዝ ኣሰረቶም ኣበይ ከምዘለዉ መንግስቲ ከፍልጥ እቲ ተጣባቒ ሰብ ኣዊ መሰላት ዝኾነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ። “ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ክልል ኦሮሚያን ብውሕዱ 5,000 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።” ብምባል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ዝበዝሑ ክርከቡ ከምዘይከኣልን፡ ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥን ገሊጹ።ካብቶም ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ተኣሲሮም ካብዘለዉ መራሕቲን ኣባላትን ናይ ኦሮሞ ፌድራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ)፤ ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር (ኦነግ)፤ ናይ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ፓርቲ ከምኡውን ጋዜጠኛታት ይርከብዎም።
ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናይ ምብራቕን ደቡባዊ አፍሪቃን ዳይሬክተር ዴፕሮሰ ሙቼና ከምዝገለጾ “ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ብወግዒ ብዘይምፍላጦም ቤተ ሰቦም ኣብ ጭንቀት ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ ተኣሲሩ ዘሎ ብቕልጡፍ ኣበይ ከምዘሎ ክግለጽ፡ ብፍሉጥ ገበን ምኽሳስ ወይውን ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም”። ኣምነስቲ ብዝተወሳኺ፡ ኣብዚ ኮሮና ተኸሲትሉ ዘሎ እዋን ጽሬት ኣብዘይብሉን ኣብ ጭቕጭቕ ዝበለ መእሰሪ ምቕያዶም ንቤተ ሰቦም ጭንቀት ፈጢርሎም ኣሎ። ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ካብዝተኣስሩ ኣመራርሓ ካብ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ ሚካኤል ቦረን፣ ሽጉጥ ገለታ፣ ለሚ ቤኛ ፣ ኬኔሳ አያና ከምኡውን ኮሎኔል ገመቹ አያና ዘለዉዎም ጠበቓታቶም ዘለዉዎ ቦታ ከምዘይፈልሩ እቲ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መግለጺ ኣፍሊጡ። ዴፕሮሰ ሙቼና ወሲኹ ከምዝገለጾ “ኣቐዲምካ ምእሳር ዝፍቀድ፡ ፖሊስ ኣብቶም ዝ ኣሰሮም ዘቕርቦ ክሲታት ድልዱል መረዳእታ እንተልይዎ ጥራይ እዩ። ፖሊስ መረዳእታታት እናኣከበ ሰባት ነጻነቶም ክግፈፍ የብሉን” ኢሉ። እቲ ናይ ኣምነስቲ መግለጺ ከምዘረጋግጾ፡ ናይ ኣቶ ጃዋር መሐመድ ን ናይ ኣቶ በቀለ ገርባ ካብቲ ፈለማ ዝተኣስርሉ ናይ ኣዲስ አበባ ፖሊስ ኮሚሽን ኣብ ከባቢ ሜክሲኮ ዝርከብ ቀጽሪ ናይ ፌድራል ፖሊስ ቤት ጽሕፈትዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተዘዋወሩ ኣፍሊጡ።
“ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ናብቲ ልሙድ ናይ ጭቆና መንገዲ ንምምላስ ዘሎ ድፍኢት ክምክትዎ ኣለዎም” ዝበለ ዴፕሮሰ ሙቼና ናይ ዜጋታት መሰል ክኽበር ጸዊዑ። “መስርሕ ፍርዲ ምኽባር፡ ዝተኣስሩ ምስ ቤተ ሰቦምን ጠበቓታቶምን ንክራኸቡ ምፍቃድን ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኸተለ ፍትሓዊ ፍርዲ ከረጋግጹ ኣለዎም” ክብል ገሊጹ።
ብምኽንያት ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተበገሰ ተቓዉሞ ኣብ ብሄራት ምቅትታል ኣስዒቡ ኣካላት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲን ብውሕዱ 177 ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣማኢት ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

