መንግስቲ ኢትትዮጵያ ብትሪ ዝተቓወሞ: ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ብዓለምለኻዊ ኮሚሽን ሰብሞያ ክምርመሩ ዘኽእል ውሳነ ሓሳብ በዓብላሊ ድምጺ ፀዲቑ።
ባይቶ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተበግሶ ሕብረት ኣውሮፓ ብዓርቢ 17 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኩናት ፤ ሰብኣዊ መሰላት ብከቢድ ይጠሓሱ ከም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ፀብጻብ ዘቕረባ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናዳ ኣልናሺፍ: መጠን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዘሎ "ጭቡጥ መረዳእታ" ከም ዘሎ ተዛሪበን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ግዳያት ዝኾኑሎም ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ኦሮሞን መጭወይቲ፣ መቕተልቲ፣ ምድጓንን ይፍጽም ከም ዘሎ ዝገለጻ ናዳ ኣልናሺፍ: መብዛሕትኦም ተጋሩ ዝኾኑ ካብ 5000- 7000 ሰባት ሕማቕ ቦታ ክዳጎኑን ክጭወዩ ዘሎ ተርእዮ ዘሻቕል ከም ዝኾነ ኣብሪሀን።
እተን ሓላፊት "እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ተዃሳሓይ ዘረባ፣ መጥቃዕቲታትን መድልዎን ... ናብ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ኣምሪሑ ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንምሉእ እቲ ከባቢ ዝዘረግ ተኽእሎታት ኣለዎ።" ኢለን።
ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝፍጸሙ ገበናት ብሰራዊትን ዕጡቓትን ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ትግራይን ከም ዝተፈሙ ብምሕባር እቲ ገበን በዓለምለኻዊ ኮሚሽን ሰብሞያ ክጻረ ኣድላዪ ኮይኑ ከም ዝተረኽበ ኣረዲአን።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጀኔቫ ዘነበ ከበደ ብወገኖም ፤ ጀኔቫ ዝቤትጽሕፈቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት " ዝተጨወየን መስርሕ ፖለቲካዊ ሃልኪ" ከም ዝኾነ ብምግላጽ መንግስቶም ነቲ ውሳኔ ሓሳብ ብትሪ ከም ዝቃወሞ ተዛሪቦም።
ኣምባሳደር ዘነበ "መንግስተይ ኣብ ልዕሊኡ ንዝፀዓን ነገር ብዝኾነ መልክዑ ክተሓባበር ኣይክእልን። ኩለን ሃገራት ኣንጻር እዚ ውሳኔ ሓሳብ ደው ክብላ ንጽውዕ። " ኢሎም እኳ እንተነበሩ እቲ ውሳነ ሓሳብ ግን ብዓብላሊ ድምጺ ክጸድቕ ክኢሉ’ዩ።
እቲ ውሳኔ ሓሳብ ሰለስተ ሰብ ሞያ ዘለውዎ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ዝምርምር ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ክቐውም ዝጠልብ እዩ።
እቲ ዝቐውም ኮሚሽን "ሓቅታትን ኩነታትን እቲ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ሰብኣዊ መሰል፣ ክስታትን መጥቃዕቲታትን፣ መረዳእታን ሓበሬታታትን" ኣኪቡ መንነት ተሓተትቲ ናይቲ ገበን ዘነጽር ከነጽር ትጽቢት ይግበረሉ።
ንውሓት ጊዜ ምርመርኡ ኣብ ፈለማ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ልእኽቶ ዝስከም ኮይኑ ከከም ኩነታቱ ክናዋሕ ዝኽእል እዩ።
ባይቶ ሰብኣይ መሰላት ሕቡራት ሃገራት 47 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ ኮይኑ ካብኣተን ብራዚል፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ዴንማርክ፣ እንግሊዝ፣ ጃፓንን ኮርያን ዝርከብአን 21 ደገፍ፣ 15 ሃገራት ተቓውሞ፣ 11 ሃገራት ድምጸ ተኣቅቦ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ደጊፈንኦ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ሱዳን፣ ሊብያ፣ ቶጎ፣ ሰኔጋል፣ ማላዊን ሞሪታንያ ዝርከብአን 15 ሃገራት ብድምጸ ተኣቅቦ ሓሊፈንኦ።
ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ቻይናን ሩስያ ዝርከብአን ሃገራት ታቓውሞ ኣድሚጸናሉ።
ኣብ መወዳእታ ግን ብ22 ድምጺ ዓብላልነት ረኺቡ ጸዲቑ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዘውጽ ኦ መግለጺ፡ “እቲ ዉሳነ ፖለቲካዊ ጥሙሕ ዘልዎ እዩ።” ብምባል ነቲ ዉሳነ ከምዝነጽጎን ከምዘይቅበሎን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ደው ክብል ጸዊዓ
ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ብሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይብጃምላ ማእሰርትን ቅትለትን ብግዴታ ምፍንቓልን ዓሌታዊ ግፍዒ ዝገልጽ ዘይተረጋገጸ ሓድሽ ጸብጻብ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣፍሊጣ ። ው.ሕ.ሃ. ከም ዝጸብጸቦ ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ፡ 1.2 ሚልዮን ሰባት ካብ ምዕራብ ትግራይ ብግዲ ተመዛቢሎም እዮም ። "መራሕቲ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ንጽውዕ ።" ዝበለ እቲ ብወሃቢ ቓል መንግስቲ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ዝወጸ መግለጺ፡ "ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውጽእ እውን ደጊምና ጻውዒትና ነቕርብ ።" ኢሉ።
ኩሎም ዕጡቓት ተዋሳእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንዝወርድ መጥቃዕቲ ክኹንኑን ከቋርጹን ብምጽዋዕ፥ "ብዘይ ቅድመ-ኵነት ዘተ ክግበር ፡ ሰብኣዊ ግህሰትን ጥሕሰትን ደው ኢሉ ናብ ዘየማትእ ሃገራዊ ዘተ ክኣትዉ ደጊምና ንጽውዕ ።" ኢሉ