ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሂባቶ ዝነበረት ዕድል ንግዲ ናጻ ቀረጽ ብመዘዝ ኩናት ትግራይ ከም ዘቋረጸቶ ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያ ነቲ ዕድል ተመንጢላ ዘላ ኣብ ትግራይ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ሰብኣዊ መሰላት ስለረገጸት ከም ዝኾነ ኣሜሪካ ትገልጽ።
ኢትዮጵያ እቲ ሎሚ ዝተመንጠለቶ ዕድል ክመሓየሽ ትደሊ እንተደኣ ኮይኑ ክሳብ 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም ፀገማት ፖለቲካ፣ ርግጸት ሰብኣዊ መሰላትን ምኽልካል ሰብኣዊ ረድኤትን ክትፈትሕ ቅድመኩነት ተዋሂቡዋ ኣሎ።
ሕጊ ዕድል ዕብየትን ተረባሓይነትን ኣፍሪካ /ኣጎኣ/ ብ2000 ዓ.ም.ፈ ብኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ዝፀደቐን 38 ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ዘፍርይኦ ዝተፈላለዩ ፍሪያት ካብ ቐረፅ ናፃ ናብ ኣሜሪካ ከእትዋ ዝፍቀደሉ መስርሕ እዩ። እዘን ነዚ ዕድል ዝረኸባ ሃገራት ካብተን ካልኦት ዕድል ዘይተውሃበን ልዕሊ 30% መኽሰብ ወይ ሓለፋ ከም ዝረኽባ 'ዩ ዝግለጽ።
ኢትዮጵያ ካብዚ ዕድል ንልዕሊ 20 ዓመታት በብዓመቱ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ክትጥቀም ከም ዝጸሐት ትገልጽ ኮይና ኣብቲ ዓሚ ተወሊዑ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኩናት ኮይና'ውን ልዕሊ 114 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ፍርያት ሰደድ ወጻኢ ከም ዝተጠቕመትሉ ትገልጽ።
ካብ ፍርያት ጨርቀመርቅን ቆርበትን ዝርከብ ኣታዊ ዝውህለለሉ እዚ ዕድል ኣብተን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ፋብሪካታት ንልዕሊ 230,000 ሰባት ዕዱል ስራሕ ከፊቱ ከም ዝጸንሐ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገልጽ።
ነዚ ዕድል ምቁራጽ በዝሒ ደቂኣንስትዮ ዝርከብዎም ኢትዮጵያውያን ንሸቕሊ ኣልቦነት ምቅላዕ ብምባል ውን ክቃወም ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ እቲ ውሳኔ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ በቲ ስጉምቲ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ገሊጹ ዝመጽእ ጥሪ ዳግመግምት ክግበረሉ ከም ዘተስፉ ኣረዲኡ።
ማሊን ጊኒን ውን ምስ ኢትዮጵያ ዝተሰረዛ ሃገራት የን።
"ተቓውሞን ስንባደን ኣሜሪካ"
ብካልእ ዜና ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን "ሰራዊት ትግራይ ናብታ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትው ተማሕጺኖም።፡ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብትሪ ከም ዝቃወሙ ውን ገሊጾም። እቲ ኣብ ትግራይ ሓዊስካ እቲ ኩናት ዝሃሰዮም ህዝብታት ዘሎ ዘሰክፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘሰምብድ ውን ገሊጾም።
"ውጥንን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ"
እዚ ምሕጽንታ ወሃብቲ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ "እንተደኣ እቲ መንግስቲ ወዲቑ ናይ ግድን መሰጋገሪ መንግስቲ ከነቕውም ኢና" ድሕሪ ምባሎም ዝሰዓበ እዩ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ካልእ ሓበሬታ ድማ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኮይኖም ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ከም ዝተራኸቡ ተዛሪቦም እዮም።
'ወተሃደራት ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣካል ሓይልታት ትግራይ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ሓይታቱ ብወገልጤና ዝበሃል ከባቢ ኣምሓራ ዘላ ከተማ ተንታ ተቖጻጺሩ ሰሜን ሸዋን ምብራቕ ጎጃምን ናብ ዘራኽባ ወረኢሉን ቦረናን ከምኡውን ብሸነኽ ምብራቕ ኮሞቦልቻ ገዚፍ ወተሃደራዊ ረብሓ ዘለዋ ከተማ ሳጊታ ተቖጻጺሩ ናብ መስመር ጁቡቲ-ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት ሚለ ይግስግስ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ።
ምስ ቢቢሲ ኣብ መዐለሚ ቦታኦም ቃለመሕትት ዘካየዱ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ጃል ገመቺስ ኣቦየ ብወገኖም " ስትራቴጂና ብዙሕ መስዋእቲ ከይከፈልና ንኦሮምያ ምቁጽጻር እዩ። ይሰምር ከኣ ኣሎ። " ኢሎም። "ኣዲስ ኣበባ ብደባይ ተዋጋእቲ ተኸቢባ እያ ዘላ።" ዝበሉ እቶም ሓላፊ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝበለጸ ንምቁጽጻር ይስራሕ ከም ዘሎ ኣብሪሆም።
" ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ "
ድሕሪ እዚ ምዕባለታት: ካቢኔ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክእውጅ እንከሎ ፤ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ ዕጥቂ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ዕጥቆም ከመዝግቡን ነበርቲ ከባቢኦም ክሕልዉን ጸዊዑ።
እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕልን: ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ብፓርላማ ክጸድቕ ምዃኑን ሚኒስትር ፍትሕን ሚኒስትር ኮሚኒኬሽንን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብሪሆም።
እቲ ኣዋጅ ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊ ትኢትዮጵያ፡ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝመሓደር ኮይኑ፡ ተሓታትነቱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኸውን ሚኒስትር ፍትሒ ዶ/ር ጌዴዮን ጢሞቲዎስ ገሊጾም።
እቲ ውሳነ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ንሰባት ኣብ ቀይዲ ከእትዉን፡ ዕድመኦም ንዝበጸሐ ከዕጥቑ: እገዳታትን ገደባትን ከንብሩ ስልጣን ዝህብ'ዩ።
"ድሕነት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጋሩ"
ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ካብ ደሴን ኮምቦልቻን ምስተደፍኡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ስቅያትን ማእሰርትን ይገድድ ከም ዘሎ ግዳያት ይገልጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ገለ ከተማታት ሰብመዚ መንግስቲን ጉጅለታትን ይሳቐዩ ከም ዘለዉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውን ካብ ገዛ፣ ስራሕን ቤትብልዕን ገፊፍካ ምእሳር ብኢሱ ይቕጽል ከም ዘሎ ስድራቤት ግዳያት ይዛረቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህወሓት ኣብ ኮምቦልቻ ልዕሊ 100 ሰባት ብሪጋ ቀቲሉ ኢሉ ይኸስስ። ህወሓት ነቲ ክሲ ነጺጉዋ ኣሎ።
"ምውጻእ ዜጋታት ኣሜሪካ ካብ ኢትዮጵያ"
ድሕሪ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን: ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ክዳለዉ ጸዊዑ።
ናብታ ሃገር ክገሹ ዝደልዩ ሰባት ውን መገሽኦም ዳግመግምት ክገብሩሉ ተማሕጺኑ።
እቲ ኤምባሲ ዜጋታቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይወጹ ብጥቡቕ ተላቢዩ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታቱ ወይ ኣሜሪካዊ ዘመድ ዘለዎም ሰባት ብህጹጽ ክምዝገቡ ጸዊዑ።
መበገሲ እዚ ምሕጽንታን መጠንቀቕታን ናብ ሰሜናዊ ግዝኣት ናይታ ሃገር ዝወስዱ መገድታት ስለዝተዓጽዉ ፤ መራኸቢ ወደብ ይቑረጽ ስለዘሎን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፀጥታኣ ብዝኸፍአ ስለዘንቆልቆለ ዩ ኢሉ ኣሎ።
ካብ ደሴ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መገዲ ኣብ ሞንጎ ኣብ ዘሎ ግዝኣት ኦሮምያ ብኬላታት ዝተዓጽወ ኮይኑ ኣብቲ መገዲ ልዕሊ 1500 መካይን ጠጠው ኢለን ከም ዘለዋ እዩ መሰኻኽር ዓይኒ ዝዛረቡ።
እተን መካይን ካብቲ ኩናት ሃዲሞም ዝመጹ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ተሳፈርቲ ዝሓዘ ኮይነን ንጸገማት ከም ዝተቓልዑ ውን ይሕበር ኣሎ።
ሩስያ: ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ ኣጠንቂቓ።
ኤምባሲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ማሕበረፖለቲካዊ እታ ዘለዋ ሃገር ኣብ ሰክፍ ኩነታት ከም ዘሎ ብምግላጽ ብጀካ እቶም ህጹጽ ውራይ ዘለዎም ካልኦት ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ መገሻ ደው ከብሉ ተላብዩ ኣሎ።