እቲ ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ-ነጋ ዝተፈጸመ ኮይኑ ፤ ኮነ ተባሂሉ ዒላማ ዝተገብረ እንተደኣ ኮይኑ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ክገብሩዎ ዝጸንሑ ፀቕጥታት ዘጋድድ ሜላ ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ ኣሎ። በዚ ሎሚ ዝተገብረ ደብዳብ ነፋሪት 11 ሰባት ከምዝቖሰሉ፡ ተለቪዥን ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣሶሸይትድ ፕረስ ንክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት መሰኻኽር ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒና ናብ ኣብ መቐለ ክትዓልብ መደብ ዝነበራ ነፋሪት ልእኹቶኣ ተሰሪዙ ከም ዝተመልሰት’ዩ ገሊጹ ዘሎ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እቲ መደብ ምስራዙ ን ኣሶሼትድ ፕረስ ኣረጋጊጹሉ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ኣብ መቐለ ከም ዝፈጸመ ሓቢሩ ኣሎ። ማዕኸናት ዜና ትግራይ ብወገነን እቲ ብዓርቢ ንራብዓይ መዓልቲ ዝቐጸለ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ገርሁት ሓረስቶት ዓሊቡ ኩልሳስ እኽሊ ከንድድ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሐን ኣለዋ። ብዛዕባ ዝወረደ ሰብኣዊ ማህሰይቲ ዝበልኦ ነገር የለን። ኣብቶም ዝቐነዩ ካልኦትን ደብዳባት ግን ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከቡዎም ሰባት ግዳያት ከም ዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ነይሩ እዩ።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ተጻባዪ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ከኣ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ወዲቑ ቆጽላመጽሊ ከም ዝተገደደ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።
ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ብምኽልካል ንዝኽሰስ መንግስቲ ኢትዮጵያ መገዲ ክኸፍት ውን እቲ ውድብ ክምሕጸን ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ብተደጋጋሚ ክኸስስ ዝጸንሐ ኮይኑ ልዕሊ 20 ሰራሕተኛታት ኣብቲ ኩናት ክቕተሉ እንከለዉ ፤ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝርከቦም ልዕሊ ሰለስተ ትካል ረድኤት ኣጊዱ፣ ሸውዓተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሃገረይ ኢድ ኣእትዮም ብዝብል ከም ዝሰጎጎም ይዝከር። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብግድኡ ንሞያዊ ስነምግባር እቲ ውድብ ዘየኽበረ ሓበሬታ ንሓደ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሕለቕ ማዕኸን ዜና ኣሕሊፈን ሂበን ዝበለን ክልተ ሰራሕተኛታቱ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰሓበ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ንራብዓይ ጊዜ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን ንገለ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ሰራሕተኛታቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝሰሓበ ካብቶም ኣብታ ክልል ዘለዉ ልዕሊ 500 ሰራሕተኛቱ'ውን መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ብምኽልካሉ ብፍርቂ ክንኪ ከም ዝሓሰበ ተገሊጹ ኣሎ።